እዋናዊ ዜናታትን ቪድዮታትን ብሓድሽ ካቶሊካዊ ናይ ቪድዮ ጭብጦ መርበበ ሓበሬታ ናይ ር. ል. ጳ.
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሓደ ሓጺት መልእኽቲ ናብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ብምልኣኽ፣ ነቲ ሓድሽ ናይ ቪድዮ ጭብጦ ዜና ቫቲካን ክጥቀሙሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፦
"ፍቑር ሓው እዚ ናይ ዜና ቫቲካን ተበግሶ ንስብከተ ወንጌል ሓደ መሳርሒ እዩ። ኣብ መንጎ ሮማዊት ቤተ-ክርስትያንን ኣብ ሃገርኩም ዘሎ መርበብ ሓበሬታን ዝምድና ንምፍጣርን፡ ህያባት ንምልውዋጥን ከአ ሓደ ኣጋጣሚ ዝኸፍት ኢዩ። ንቝምስናታትኩምን ማሕበረሰባትኩምን ካብ ቀንዲ ምንጪን ቐጻሊ ሓበሬታ ዝረኽቡሉን መገዲ ኢዩ" ክብሉ ኣመልከቱሎም።
ሃገረ ስብከታትን፣ ቍምስናታትን ከምኡ ውን ካቶሊካውያን ማሕበራትን ውድባትን ነዚ መሳርሒ እዚ ኣብ ገጻት መርበብ ሓበሬታታቶም ከእትውዎ ድማ ይኽእሉ እዮም፣ እዚ ድማ ብዛዕባ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ቅድስቲ መንበርን ብናጻ ቪድዮታትን ዜናታትን ከቕርቡ ከኽእሎም ኢዩ።
እቶም ብኮምፕዩተራቶምን ታብለቶምን ወይ ውን ናይ ግሊ ተሌፎናቶም ኣቢሎም፣ ናብ መርበብ ሓበሬታ ሰበኻታትን ቍምስናታን ዘወር ዝብሉ ተጠቀምቲ ድማ ብዛዕባ ትምህርቲ ቤተክርስትያንን ንጥፈታት ናይ ሮማ ጳጳስን ዝገልጽ እዋናዊ ዜናታትን እረጋገጸ ሓበሬታን ኺረኽቡ ከኽእሎም ኢዩ። ኵሉ እቲ ብዛዕባ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገልጽ ትሕዝቶታት ድማ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትኩም በብቛንቋኦም ክትዝርግሕዎ ትኽእሉ ኢኹም።
ንምሳሌ ነቲ ናይ ቪድዮ ጭብጦ ንምርኣይ ኣብዚ ጠውቕ
ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዶ/ር ፓውሎ ሩፊኒ ብዛዕባ እዛ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣመልኪቱ ኣብ ዘመሓላለፎ ሓበሬታ ድማ፣ "እቲ ናይ ቪድዮ ጭብጦ፣ ምስ ናይ ሮማ ጳጳስ ዘሎ ምትእስሳር ንምጕላሕ፣ ብእተኻእለ መጠን ኣብ ብዙሕ ገጻት መርበብ ሓበሬታ ብሰፊሑ ኺዝርጋሕ ኣገዳሲ እዩ" በለ።
ዋና ኣሰናዳኢ ዜና ቫቲካን ኣንድርያ ቶርኒየሊ ብወገኑ፣ "እዚ ሓድሽ መሳርሒ እዚ ምስፍሕፋሕ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ሓድሽ ተበግሶ እዚ ኺድግፍዎ ከም ዝደልዩ ኣብ መልእኽቶም ኣጕሊሖምዎ ይርከቡ፣ ነቲ ናይ መጀመርታ ምንጪ ዜናን ጽሑፋትን ኣብ ገጻት መርበብ ሓበሬታታት ብምእታው ነቲ ናይ ሓሶት ዜና ንምቅላስ ኪሕግዝ ይኽእል እዩ" ክብል እውን ኣመልከተ።
እዚ መሳርሒ እዚ ዝሕቦ ኮድ ብምቕዳሕን ብመለጠፍን ጥራይ ኣብ ዝዀነ ይኹን ወብ ሳይት ብናጻ ኺኣቱ ይኽእል እዩ።
ብዝመረጽካዮ ቛንቋን ብመሰረት እቲ ዝደለኻዮ ስፍሓትን (ብክልቲኡ ወገን ማለት ንገድም ወይ ንትኹል ኣቀማምጣ ከምኡውን ቅርጻ ፊደላቱ) መሪጽካ ንምልጣፉ ናብዚ ዝስዕብ ኣድራሻ መርበብ ሓበሬታ ብምእታው ነቲ መምርሒታት ተኸተል፦
https://www.vaticannews.va/widget/embed.html
ኵሉ እቲ ዘድሊ ዝርዝራት ድሕሪ ምእታዉ ኣብ ገጻት መርበብ ሓበሬታ ንምልጣፍ ዘኽእል ኮድ ይፍጠር። እዚ በቲ ዋና ኣካያዲ ናይቲ ገጽ መርበብ ሓበሬታ ዝፍጸም ሓንሳእን ሓንሳእ ዝግበርን መስርሕ ጥራይ እዩ፣ ከመይሲ እቲ ናይ ቪድዮ ጭብጦ ብዘይ ካልእ ተወሳኺ መስርሓት ብምእታው፣ ሓንሳእ ምስ ለጠፍካዩ ብባዕሉ ዝሕደስን እዋናዊ ሓበሬታት ዘካፍል ይኸውን።
እቲ ናይ ቪድዮ ጭብጦ፣ ብዛዕባ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ቅድስቲ መንበርን፣ ኣብ ህልው ግዜ ንዝካየድ ዘሎ መደባት እውን፣ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዝርጋሓሉ ዘኽእል ክፍሊ ዝሓዘ እዩ። ካብ ዜና ቫቲካን ብእተመርጸ ቛንቋ ድማ እዋናዊ ዜናታት ዝሓዘ ናይ መርበብ ሓበሬታ "መጋቢ" መተግበሪ ኢዩ፣ ከምኡውን ናብቲ ምሉእ ጽሑፋት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝርከበሉ ገጻት መርበብ ሓበሬታ ቅድስቲ መንበር ማለት vatican.va ብቐጥታ ንኽትከይድ እውን ዘኽለ ጥብቖ ኣለዎ።
እዚ ናይ ቪድዮ ጭብጦ፣ ምስቲ L'Osservatore Romano ዝተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበርን ከምኡውን ምስ ረድዮ ቫቲካንን ቀጥታዊ መስመራት ዘለዎ ኢዩ።