ድለ

2026.05.13 MONS RUDELLI I AMBASCIATORE 2026.05.13 MONS RUDELLI I AMBASCIATORE 

ቅድስቲ መንበር ን13 ልኡካነ መንግስቲ ናብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ክብሪ ኒሻን ትሽልም

ንኽልተ ዓመታት ዝኣክል ኣገልግሎታት ድሕሪ ምክትታል ቅድስቲ መንበር ነቶም ከም ልካነ መንግሥታት ኮይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ ጉጅለ ኣምባሳደራት፣ ሓደ ኻብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝለዓለ ዲፕሎማስያዊ ሽልማት ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ክብሪ ኒሻትን ሸሊማ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ዝሓለፈ ሰሉስ ዕለት 12 ግንቦት ኣብ ሃገነ ቫቲካን ነቶም ብውሑደ ንኽልተ ዓመታት ከገልግሉ ድሕሪ ምጽናሕ ተልኾኦም ዝዛዘሙ፣ ኣብ ቅድስቲ መንበር ኣፍልጦ ዝረኸቡ ጕጅለ ኣምባሳደራት ነቲ ልሙድ ናይ ኽብሪ ኒሻትን ተሸሊሞም።

ኣብቲ ብምኽንያት ዕለት ዝኽሪ ምርጫ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝተኻየደ ሥነ-ስርዓት፣ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ፓውሎ ሩደሊ ትኩእ ዋና ጸሓፊ ውሽጣዊ ጕዳያት ቅድስቲ መንበር፣ ኣብ ሓዋርያዊ ህንጻ ቅድስቲ መንበር ን13 ዲፕሎማሲያውን ኣካላት፣ ሓደ ምልክትን ወግዓዊ ብራናታትን ኣወፈዩሎም።

እቶም ልኡካነ መንግሥታት ድማ ናይ ፈረሰይናታት ወይ ዳም ግራንድ ተባሂሉ ዝፈለጥ መስቀል፣ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒየስ 9ይ መዓርግ ተዋህቦም፣ እዚ ድማ ሓደ ኻብቲ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዲፕሎማስያዊ ኣገልግሎት ኣፍልጦን ክብርን ንእትህቦም ኣካላት እተወፍዩ ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎ ናይ ኒሻን ሽልማት ኢዩ።

14 May 2026, 11:25