ድለ

ሊቀ ጳጳሳት ባለስትረሮ፡ ር.ሊ.ጳ. ካብቶም ውሑዳት ንጥሕሰት ኣህጉራዊ ሕጊ ዝኹንኑ ድምጽታት እዮም ሊቀ ጳጳሳት ባለስትረሮ፡ ር.ሊ.ጳ. ካብቶም ውሑዳት ንጥሕሰት ኣህጉራዊ ሕጊ ዝኹንኑ ድምጽታት እዮም 

ሊቀ ጳጳሳት ባለስትረሮ፡ ር.ሊ.ጳ. ካብቶም ውሑዳት ንጥሕሰት ኣህጉራዊ ሕጊ ዝኹንኑ ድምጽታት እዮም

ኣብ ጀነቭ ኣብ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካላት ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ባለስትረሮ ዕለት 13 ግንቦት ብማእከል መጽናዕቲ ሮዛርዮ ሊቫቲኖ ኣብ ሮማ ኣብ ዝተወደበ ዓውደ ኣኼባ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብዛዕባ ብዝሓ ጎናውነትን ሓድሕዳዊ ተማራዃስነትን ኣብ ሓደ እዋን ከም ረቛሒታት ምርግጋእ ዝግለጽ ዝነበረ ሎሚ ናብ መጋበርያ "ተቓላዕነትን ስልጣንን ምፍርራህን" ከም ዝተቐይረ የስተንትኑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ድምጺ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሎሚ ሓደ ኻብቶም ምጥሓስ ኣህጉራዊ ሕግን ሰብኣዊ ሕግን "ብስርዓታውን ብዘየማትእን" መገዲ ዚዅንኑ ሒደት ሰባት ምዃኑ ኣጒሊሖም፡ ኣብዚ እዋን እዚ ዓሚቝ ቅልውላው ዘጋጥሞ ዘሎ ዓለምለኻዊ ስርዓት ኣብ ምህናጽ ኣበርክቶ ዝገበሩ ብዙሓት ትካላት ብንጹር ክሓብሩ ከም ዘለዎምን ኣብ ብዝሓ ጎናውነትን ሓድሕዳዊ ተማራዃስነትን እተመስረተ ስርዓት ኣብ ዝሓለፈ እዋን ርግኣት ውሕስነት ዝህብ ዝነበረ ሎሚ ግን ከም መጋበርያ ጸቕጥን ምፍርራህን ኰይኑ ኣሎ - ቢሎም - እዚ ድማ ነቲ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዝካፍሎ ስርዓታት ክቡራት ዋጋታት ከም ዝደኸመ ዝሕብር ምልክት እናኾነ ንሰላም ዝቐረበ ጻውዒት ኣድማዕነቱ ክንክይ ይገብር ምህላዉ ጀነቭ ኣብ ዝርከብ ኣብ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካላት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ኤቶሬ ባለስትሬሮ ኣብ ዝሓለፈ ዕለት 13 ግንቦት ኣብቲ ብማእከል መጽናዕቲ "ሮዛርዮ ሊቫቲኖ" ሮማ ኣብ ዝርከብ ኣብ ናይ ኢጣሊያ ህና ህዝባዊ ባይቲ ህንጻ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ተሳቲፎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ውልቃዊ ረብሓ ዘተኮረ ሽርክነት

ሊቀ ጳጳሳት ባለስትሬሮ፡ ዳግማይ ምምጻእ "ስነ-መጎት ዓውድታት ጽልዋን ሃጸያዊ ግዝኣታትን" ኣጉሊሖም እዚ ኸኣ “ንሓድሽ ስርዓት ዓለም" ውድድር ከም ዘጐሃረን እቶም ነዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ዝቐርጹ ሓይልታት "መሬት ኪስእኑ" ፍቓደይታት እኳ እንተ ዘይኰኑ "ፋሕ ብዝበሉ መገዲ" እዮም ዚጐዓዙ፡ ነቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ተዋሳእነት ሓደስቲ ሓይልታት ኪቈጻጸርዎ ኣይክእሉን እዮም። ኣብዚ ዅነታት እዚ መሻርኽቲ "ውሁዳን መሻርኽቲ" ተባሂሎም ይቝጸሩ፡ ንቐንዲ ሓይልታቶም ከኣ ብኢንዱስትሪ ቍጠባዊ ሃብቲ ካብኡ ሓሊፉ ሓደ ሓደ ግዜ ብወተሃደራዊ ወፈያታት ዝደጋገፉ ክኾኑ ይግደዱ። እዚ እውን ሓደስቲ ምሾት ዝመልኦ ወይ ድማ ኣብ ውልቃዊ ረብሓ ዘተኮረ "ሽርክነት" ይፍጠር ኣሎ፦ እዚ ናይ ሓቂ ጥምረት ዘይኰነስ ንሓባራዊ ተጻረርቲ ንምቅላስ እተሃንጸ ስነ ስልታዊ ምትእኽኻባት እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ምግላል ውድብ ሕቡራት ሃገራት

"ድሕሪ ሕጂ ኣድማሳዊ ተቐባልነት ዘለዎ ስርዓተ ክብርታት የሎን፡ ምጥቃስ ሰላም ድማ ነቶም ተጻራሪ ረብሓታት ዘለዎም ዘይትንክፎም ይኸውን ዝበሉ ሊቀ ጳጳሳት ባለስተሬሮ ተመሳሳሊ ኣድማሳዊ ውክልና ዘይብሎም "ኣማራጺ ኣካላት" ብምፍጣር ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ምግላል ዝንባለ እናዓበየ ምህላዉ ኣስሚሮም፡ ብፍላይ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምጥቃስ፡ ብዛዕባ "ቀጻሊ ምድስካል ዝረኣዮ ዘሎ ባይቶ ጸጥታን ምሕዳሱ ዘይምኽኣልን" ኣስተብሂሎም፡ እዚ ረቛሒታት እዚ ነቲ ኣህጉራዊ ኣካል ዝወሃቦ ዝነበረ ግምት ንኽንኪ ኣበርክቶ ዝገብርን ኣብ ብዙሓት መንግስታት ሰፊሕ ስምዒት ህጹጽነት ዘጎሃህር ኮይኑ ኣሎ። ምድኻም ተኣማንነት ኣህጉራዊ ስርዓት "ዝያዳ ስነ-ምግባር ዘይብሉ ሓደ ወገናዊ ስጉምትታት" ዘተባብዕን ሓደጋ ግጭት፡ ዘይምርግጋእን ሰብኣዊ ስቓይን ዝውስኽ እዩ። ብሓፈሻ፡ ሎሚ ዘሎ ኣህጉራዊ ስርዓት "ብስነ-ሓሳባዊ ምፍልላይን ተጋራጫዊ ፖለቲካውን ቁጠባውን ረብሓታትን ዝተዓጽወ" ይመስል፡ እንተኾነ ግን ኣህጉራዊ ስርዓት "ኣድላዪን፡ መተካእታ ዘይብሉን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣብ ምትእስሳር ብዙሓ ጎናውነት ምእማን

ነዚ ንምድጋፍ "ውሽጣዊ ኽብረት ሰብ" ንስልጣን ዚቕድምን ዚድርቶን መሰረታዊ ስርዓት ኣፍልጦ ምሃብ ኣድላዪ ምዃኑ ዝገለጹ ሊቀ ጳጳሳት ባለስተረሮ ኣስዒቦም ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መጀመርታ ዓመት ኣብ ቅድስቲ መንበር ተቐባልነት ዘለዎም ልኡካነ መንግስታትን ኣህጉራውያን ትካላትን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ "' 'ክውንነት ካብ 'ሓቂ' ኣብ መወዳእታ ድማ ካብ 'ሰናይ' ምስ ዝፍለይ ክብረት እቲ ሰብ ባዕሉ ተዛማዲ ይኸውን ስስዐ ዝመልኦን ተለዋዋጥን ፍልልያትን ረብሓታት ውልቀ - ሰባትን ሓያላት መንግስታትን ድማ ዘይተርፍ ይኸውን። ኣብ ብዝሓ ጎናውነትን ኣህጉራዊ ሕግን እንኣምን እንተደኣ “ኣህጉራዊ ሕግን ዝምድናታትን ኣብ ትሕቲ ንኽጥዕመኒ ኣብ ዝብል ግዚያዊ ናይ ሰስዐ ህሞት ዝተሰረተ ካብ ምግባር ክንቁጠብ፡ ጽኑዕ መሰረት ዘለዎ ምዃኑ ከነረጋግጽ ይግባእ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

18 May 2026, 16:01