ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፡ ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ርክባት ቫቲካን ንዘመናት ንሰላም ዘገልገለ እዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ምክልኻል ሕይወት፡ ስድራቤት፡ ሃይማኖታዊ ናጽነት፡ ሰብኣዊ መሰላት፡ ደሞክራሲ፡ ብዝሓ - ጎናውነትን ኣህጉራዊ ሕግን ቅድስቲ መንበርን ኬፕ ቨርደን ዝካፈላኦ “መሰረታዊ ክብርታት” እዮም። ጎኒ ጎኒ እዚኦም ከም ግርጭታት፡ ቅልውላው ከባቢያዊ ኣየር - ምህዳር፡ ዘይማዕርነት፡ ስደት፡ እደ ጥበባዊ ለውጢ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስ፡ ቅልውላው ክብርታት፡ ውልቃውነትን ምጥፋእ ስምዒት ሓቅን ዝብሉ ዓበይቲ “ዓለማዊ ብድሆታት” ከም ዘለዉ ኣብቲ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ከፕ ቨርድን ኣብታ ሃገር ክሳብ ዕለት 14 ግንቦት ዑደት ዘካይዱ ዘለዉ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ዋና ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ዓለምለኸ ትካላትን ኣብቲ ዕለት 11 ግንቦት ኣብ ኬፕ ቨርደ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ሓፈሻዊ ስእሊ ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ማእከላይ ዕላማ ሰላም
"ኣብ መንጎ ሓንቲ መንእሰይ ሉዓላዊት ሃገርን ሓንቲ ኻብተን ኣብ ዓለም ጥንታዊ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቅድስት መንበር ንፍርቂ ዘመን ዝጸንሐ ምይይጥን ምትሕብባርን ናይ ሓቂ ዕርክነትን ዘረጋግጽ እዩ" እንክብሉ ዘጒልሑ ናይ ቅድስቲ መንበር ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር፡ እቲ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳዊ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ "ማእከላይ ዕላማ" ሰላምን ክብረት ሰብኣዊ ፍጥረትን ንምክልኻልን ንምድንፋዕን ዘተኰረ "ነዊሕን ጥንታውን ታሪኻዊ ልምዲ" ከም ዝድልድል ኣጕሊሖም፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ነቲ ኣብ መበል 11 ዘመን ኣብ እዋን ጎርጎርዮሳዊ ተሓድስ ዝነበረ መበቈል ር.ሊ.ጳጳሳዊ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኣብ ውሽጢ ቤተ - ክርስትያን "ሕጋዊ መሰል ልኡኽነት" ለቢሱ ከም እተመስረተ ኣዘኻኺሮም፡ ነቲ ኣብ መበል 15 ዘመን እተረኽበ ተቕዋማዊ ርግኣት ኣጕሊሖም፡ እቲ ጸኒሑ ብኻልኦት ሃገራት እውን ተቐባልነት ዝረኸበ ምስግጋር ካብ ሓሓሊፉ ናብ ቀዋሚ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ከም እተሰጋገረን እዚ ድማ ቀንዲ መዳይ ናይ እዋናዊ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኮይኑ ይቕጽል ከም ዘብሎ ኣስተብሂሎም፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ መበል 16ን 17ን ክፍለ ዘመን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳዊ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኣብ ምሕያል ኣተኲይሩ፡ ኣብ መንጎ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን ር.ሊ.ጳጳሳዊ ወኪልን፣ ር.ሊ.ጳጳሳዊ ልኡኽን ብዝብል ደረጃታት ዝፍጸም ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ - ዝምድና ቅድስቲ መንበር
ኣብዚ እዋን’ዚ “ቅድስቲ መንበር ብጀካ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳን ልኡላዊ ወተሃደራዊ ስርዓት ማልታን ምስ 184 ሃገራት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ዝምድናታት ትሕሉ” ከምኡ’ውን ኣብ ቅድስቲ መንበር ተፈላጥነት ዝረኸባ ኣብ ሮማ መቐመጢ ምስ ዘለወን 93 ሃገራት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ - ዝምድና ከም ዘለዋ ዝገለጹ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፡ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ዝምድና ሜላን ኣሰራርሓን ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ኣብሪሆም፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ንዘመናት ዝማዕበለ ተመክሮ "ንሰላምን ፍትሕን ንሰብኣዊ ክብረት ንምክልኻልን ንምድንፋዕን " ምስ ሪፓብሊክ ኬፕ ቨርደ ዝነበረ ርክብ ከፕ ቨርድ ኣብ 1975 ናጽነታ ቕድሚ ምእዋጁ እውን ከይተረፈ ዝጀመረ ምዃኑ ገሊጾም፡ ነቲ ዕለት 1 ሓምለ 1970 ኣብ ቫቲካን ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ፡ ኣጎስቲንዮ ኔቶ ማርሰሊኖ ዶስ ሳንቶስ ከምኡውን ኣሚልካር ካብራል ምስ ዝርከብዎም ንብዙሓት መራሕቲ ምንቅስቓሳት ናጽነት ኣፍሪቃ ዘካየድዎ ርክብ ዘኪሮም፡ እቲ ርክብ "ንግዜኡ ምስ ፖርቱጋል ዝነበረ ርክብ ክቋረጽ ዝገበር እውን እንተነበረ ቤተ - ክርስትያን ንጉዳይ ኣፍሪቃን ክብረት ህዝብታትን ንምድጋፍ ዘለዋ ትብዓት ዝመልኦ ቘራጽነት ዘርኢ" ምንባሩ የጒልሑ።
ኣብ ኬፕ ቨርደ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን
ህላወ ቤተ ክርስቲያን ብወገኑ ኣብ ታሪኽ ሪፓብሊካዊት ኬፕ ቨርደ ዝተሰረተ፡ ኣካል መንነታ ዝፈጥር ኮይኑ ኣብ 1462 ካብቶም ቀዳሞት ነበርቲ ከፕ ቨርድ ዝዀኑ ካቶሊካውያን ልኡካነ ወንጌል፡ ኣብ ባህላን፡ ስነ-ጥበባ፡ ስነ ሙዚቃአን ልምድታታን ዓቢይ ጽልዋ ኣሕዲሮም እዮም።
ኣብ 1533 እዩ ኣብ ትሕቲ ሰሃራዊ ኣፍሪቃ ናይ መጀመርታ ሰበኻ ሳንቲያጎ ደ ካቦ ቨርደ ተመስረተ፣ እዚ ድማ ነታ ሃገር "ኣብያተ ትምህርትን ኣባይቲ ሕክምናን ትምህርታዊ ትካላትን ዘለውዋ ማእከል ወንጌላውነትን ማሕበራዊ ውድባትን" ክትከውን ከም ዘብቀዓ ኣስተብሂሎም፡ እታ ቤተ-ክርስትያን "ካብ ፖለቲካዊ ወይ ቍጠባዊ ስርዓታት" ርሒቓ "ሰብኣዊ ክብረት ኪኽበርን ተልእኾኣ ንምፍጻም ናጽነት ኪወሃባን ትሓትት፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ነቲ ኣብ 2013 ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ኬፕ ቨርደን እተገብረ ስምምዕ ተወኪሶም ብፍላይ ኣብ መዳያት ጥዕናን ትምህርትን ሓገዝ ንምርግጋጽ ዝዓለመ ምዃኑ የጒልሑ።
ኣብ ፍቕርን ሓቅን ዝተመስረተ ዝምድናታት
ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 “ኣብ ፍቕርን ሓቅን ዝተመስረተ ዝምድናታት” ኣቢሉ “ዘይተዓጥቀን ዕጥቂ ዘፍትሕን ሰላም” ንኽህሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣብ ግብሪ ንምውዓል “ናይ ተስፋን ክብርታትን ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባት” ክድንፍዕ ኣተባቢዖም፡ ኣብ መወዳእታ፡ መራሕትን ህዝብን ኬፕ ቨርደ “ንሓባራዊ ረብሓ፡ ፍትሒ፡ ሓድነትን ምትሕግጋዝን ኣብ ምድላይ ክጸንዑ” ተላብዮም፡ ከምኡ’ውን ዕለት 11 ግንቦት ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ኣብ ዝተረኽቡሉ ስነ ስርዓት ኣተገባብራ ክልተኣዊ ስምምዕ 2013 ቅድስቲ መንበርን ረፓብሊካዊት ቨርድን ብቲ ከባቢ ቤተክርስትያን ከም እተኸተመ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።