ካርዲናል ቸርኒ ንክርስቶስ ብምምስካር ሰማእትታት ዝዀኑ ካህናት ሃገረ ቸክ ኣሞጊሶም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
"ምስክርነት ክቡር ኣባ ጃንን ኩር ኣባ ቫክላቭን ኣብ መዓልታዊ ዓበይትን ንኣሽቱን ቃልስታትና፣ ንነፍሲ ወከፍና በብውልቂ ይዛረበና። ሰማእትነቶም ኣብ ዝኾነ ይኹን ሰብኣዊ ኩነታት - ወላእኳ ዘወአርድን ዘይፍትሓውን እንተኾነ ብዘየገድስ- ንክርስቶስ ኪምስክር ዘይክእል ከም ዘየለ እዩ ዚምህረና" ክብሉ ብፁዕ ካርዲናል ማይክል ቸርኒ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምሉእ ሰብኣዊ ምዕብልና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፣ ትማሊ ረቡዕ ኣብቲ ብኤምባሲ ሪፓፕሊካዊት ሃገረ ቸክ ናብ ቅድስቲ መንበር "ብፁዓን ሰማእታት ዴስነታዊ ሥርዓት" ዘርእስቱ ኣብ እተኻያደ ዓውደ ጉባኤ፣ ኣብ ዘካፈልዎ ሓሳባት ኣዘኻኺሮም።
እቲ ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ኮለጅ ኔፖሙቸኖ እተገብረ ጉባኤ፣ ነቶም ሰማእታት ክቡር ኣባ ያን ቡላን ክቡር ኣባ ቫክላቭ ድሮቦላን ይዝክር፣ ቀቅድሚ ኣዋጅ ብጽዕናኦም ድማ፣ ብዕለት 6 ሰነ ኣብ ማእከል ኤግዚቢሽን ብሩኖ ከም መደምደምታ ናይቲ ንልዕሊ 20 ዓመት ዝቐጸለ ምስርሕ ኣዋጅ ብጽዕናኦም ዜመልክት መደባት ክካየድ ኢዩ።
እዞም ካቶሊካውያን ካህናት ሃገረ ቸክ፣ በቲ ኣብ ቸኮስሎቫክያ ዝነበረ ዴስነታዊ ሥርዓት፣ ብምኽንያት "ጽልኢ እምነቶም" ሰማእታት ኮይኖም እተቐትሉ ኢዮም ዝንበሩ። እዞም ክልተ ካህናት፣ ኣብ ናይ ሕዝባዊ መጋባእያ ብሓሶት ተኸሲሶም ኢዮም እተቐትሉ፣ በቲ ዝነበሮም ዘርኣይዎ ናይ እምነት ምስክርስነትን፣ ንጭቈና ብትዕግስቲ ብምቕባሎምን ድማ ኣብ መላእ እታ ሃገር ብኽብሪ ኢዮም ዝዝከሩ።
ህይወቶም ነቲ ጸሊም ደበና ናይ ታሪኽ ይብድሆ
ብፁዕ ካርዲናል ቸርኒ ኣብ ዘካፈልዎ ሃሳባት ኵሎም ኣባኡ እተረኽቡ ተጋባእቲ፣ ንህይወት ናይቶም "ንጸልማት ጽልእን፡ ንዘሰቅቕ ሞትን ናብቲ ምስ ጐይታ ዝራኸቡሉ ኩነት ክቕይርዎ ዝኸኣሉ" ክልተ ኻህናት ንምምስጋን ንምዝካርን ከም እተኣከቡ ዘከሩ።
"ከምቲ ብርሃን ነቲ ኣብ ታሪኽ ዘሎ ጸሊም ደበና ክጋልሆ ኸም ዚኽእል፣ እዞም ካህናት ድማ ብህይወቶም ዝመስከሩ" ኽልተ መሰኻኽር ኢዮም ክብሉ ኣመጐስዎም።
ዝዀነ ይኹን ዓመጻ ኣብቶም ንገዛእ ርእሶም ኣብ ኣምላኽ ውከሉ ሰባት ንመለኮታዊ ሕይወት ክዓግቶም ኣይክእልን እዩ
ብፁዕ ካርዲናል ቸርኒ ወሲኾም፣ ንስዕረት ክንዝክር ዘይኰነስ ናይ ህይወት ዓወት ክንጽምብል ኢና ኣብዚ ዘሎና ክብሉ ኣትሪሮም ተዛረቡ።
"ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ከም ዘርኢ ስርናይ ኣብ ጕድጓድ ሓመድ ቦሂምያን ሞራቭያን ተቐቢሮም ዘለዉ፣ ወላ እኳ ኣጸጋሚ ታሪኽ እናሃለወ ኽነሱ ብመስዋእቲ ዝሓለፉ፣ ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ዚበቍል ዘሎ ግማኦም ነደንቕ ኣሎ" እውን በሉ።
ብፁዕ ካርዲናል ቸርኒ ኣስዒቦም፣ "እዚ ድማ ካብቲ ቆራሪ ዝኾነ መሬት ኣልቦ እግዚአብሔርነትን ጭቈናን ዝበቍል ዘሎ ጠጥዒ፣ ዝዀነ ይኹን ዓመጻ ነቶም ንገዛእ ርእሶም ብሕድሪ ናብ ኣላኽ ዘማዕቍቡ ሰባት፣ ንመለኮታዊ ህይወት ክዓግቶም ከም ዘይክእል መርትዖ ኢዩ" በሉ።
ብፁዕ ካርዲናል ቸርኒ ቀጺሎም፣ ንክቡር ኣባ ጃን ቡላን ንክቡር ኣባ ቫክላቭ ድሮቦላን ንምጽንባል "ኣእዳውና ኣብ ልዕሊ ህያው ቍስሊ ቤተ-ክርስትያንን ህዝቢ ሃገረ ቸክን ብምግባር፣ ማለት ነቲ ጐይታ "ኵሉ ሳዕ ምሳኻትኩም እየ" (ማቴ 28 20) ክብል ንዝኣተወልና መብጽዓ ምትንካፍ ማለት እዩ።
ኢድ ኣምላኽ ድማ ረድኤቶም ነበረ
ነቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝብልዎ ብምዝካር ድማ "ነፍሳት ጻድቃን ኣብ ኢድ ኣምላኽ እየን" (ጥበብ 3፡1) በሉ፣ ወሲኾም ድማ 'ኣእዳው ኣምላኽ' ግና ምናባዊ መዕቈቢ ኸም ዘይኰና ደጊሞም ገለጹ።
እዞም ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕብልና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኣስዒቦም፣ "ንጃንን ቫክላቭን ኣእዳው ኣምላኽ ብድሕሪ እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጂህላቫ ዝገበረሎም ደገፍ፣ ንነዊሕ እዋን ኣብ ዝተኻየደ መስርሕ መርመራ እውን ይከላኸለሎም ከም ዝነበረን ከምኡውን ኣብ መንጎ እቲ ኣዝዩ ዘሕስር ውርደት እውን ከይተረፈ ኽብረቶም ከይተተንከፈ ዝሓለዎም ኢዩ" በሉ።
ካርዲናል ቸርኒ፣ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናን ሓቢሮም ብዛዕባ ሰማእትነቶም ከስተንትኑ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።
ብጽኡነቶም ከም ዝገለጽዎ፣ "እቲ ሥርዓት ዴስነት ክቐትሎም ጥራይ ኣይደለየን። ነቲ ናይ ክህነት መንነቶም እውን ከጥፍኦ ኢዩ ዝደለየ። እምነቶም ክኽሕዱ እውን ኢዩ ዝደሊ ዝንበረ።"
ይኹን እምበር ይብሉ ብፁዕ ካርዲናል ቸርኒ፣ ኣምላኽ "ከም ወርቂ ኣብ እቶን ከም ዝፈተኖም"፣ እቲ ሓዊ እቲ ስርዓት ከኣ "ንወርቂ እምነቶም ኣይበልዖን፣" ኣብ ክንዳኡስ "ንራዕዲ ሰብኣዊ ፍርሂ ጥራይ ብምንዳድ፣ ንክርስቶስ ዘሎና ተወፋይነት ነቲ ዘርዕደና ኩነታ ዘብርሆ ከም ምዃኑ ብምግላጽ" ኣስተንተኑ።
ኣብዚ መዳይ እዚ፣ ብዙሓት ሰባት፣ ቅድሚ ሙማቶም ኣብ ዝነበረ ሰዓታት ክቡር ኣባ ያን ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘይኰነ ልዕለ-ባህርያዊ ሰላምን ህድኣትን ከም ዝረኸበ ይዝክሩ።
ብፁዕ ካርዲናል ቸርኒ ወሲኾም፣ እዚ ሓደ ሰማእትነት ምዃኑ ሓሳባቶም ኣካፈሉ - "ፈለማ ሰብኣዊ ጅግንነት ዘይኰነስ፣ ንገዛእ ርእስኻ ብጸጋ ኣምላኽ ክትመላእ ምፍቃድን "ንኣንነት" ቦታ ኽሳዕ ዘይህሉ፣ ንገዛእ ርእስኻ ብጸጋ ኣምላኽ ክትመልእ ብምፍቃድ ነቲ "ንስኻ" ናይ ኣምላኽን፣ "ንሕና" ናይ ቤተ-ክርስትያንን ጥራይ ምንባር ኢዩ" ክብሉ ኣመልከቱ።
ክርስቶስ ኩሉ ግዜ ክምስክር ይኽእል እዩ
ብፁዕ ካርዲናል ቸርኒ፣ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ኻህናት ድማ ብምስዐብ፣ ድሕንነትን ነቲ መዕቈቢ ዝኾነ ስቕታን ኪመርጹ ኸም ዚኽእሉ ኣዘኻኸርዎም፣ ኣብ ክንዳኡስ ይብሉ ብፁዕነቶም፣ "'ክስረቱ ብምፍቃድ' ንዝወርዶም ስቓይን መከራን ተቐቢሎም፣ ከምቲ ቅዱስ ተርቱልያን ዝበሎ ብቓላት ኣብዛ ሃገርን ኣብ ሃገሮምን ብዘይርአ ጸጋን ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ሓደስቲ ክርስትያናት ኰኑ።"
ዝኾነ ይኹን ሰማእትነት ንጐይታ ኺምስክር ዘይክእል ሰብኣዊ ዅነታት ከም ዘየለ ዜርኢ ምዃኑ እውን ደጊሞም ኣጕልሑ።
"ነቲ ቤት ፍርዲ ናብ መድረኽ መስበኺ፣ ነቲ ቤት ማእሰርቲ ድማ ናብ መሰውኢ ቀየርዎ" በሉ። ወሲኾም እውን፣ "ብሓጺን እተሰርሑ ሰባት ኣይነበሩን። ንሳቶም ከኣ ጸሎት ዝገብሩ ሰባት እዮም ነይሮም” ክብሉ እውን ኣመልከቱ።
በቲ ንክርስቶስ ጥራይ ዝነበሮም ፍቕሪ፣ ንጸለመን ከቢድ ጽምዋን ከምኡውን ንመቝሕ ክዋጽኡሉ ትብዓት ከም ዝረኸዉ እውን ኣስመሩሉ።
ስለዚ ድማ "ሓይሎም ኣብ ጭዋዳታት ዘይኰነስ፣ ኣብ ቅድሚ ማሕደር ኣላኽ ተምበርኪኾም፣ ብግዜ ጸበባኦም፣ ምስ ማርያም ኣብ ዝሐበረ ልቦም እዩ ዝነብረ" በሉ።
ብፁዕ ካርዲናል ቸርኒ ቀሲኾም፣ ሰማእትነቶም ብዓቢይ ተግባር ንኣምላኽ እሙን ምዃን ጥራይ ዘይኰነስ፣ ኣብ ንኣሽቱ ነገራት እውን ጽኑዕ ምርጫታት ከም ዝገብሩ ዝምህረና እዩ።
ሰማእትነቶም ኣብታ ብጽልኢ ዝመልአት ዓለም ወንጌል ይሰብኽ ኣሎ
"መስዋዕትነቶም ኣብ ኣገልግሎትን ይቕረታን ሓቅን ህይወትና ብኸመይ 'በጃ ከም እንገብር' ዝፈልጡ ክርስትያንን ዜጋታትን ንኽንከውን ይሕግዘና" በሉ። "መጋረጃ ፈተናን ሞትን ዘይብሉ፣ ድሙቕ ብርሃን፡ ፍቕራዊ ፍሽኽታ ኣምላኽን ከምኡ ውን ዋላ ሓደ ሰብ እኳ ካባና ኺወስዶ ዘይክእል ሓጐስን ይጽበየና ኣሎ" ክብሉ ድማ ኣተባብዑ።
ኣብ መወዳእታ ብፁእ ካርዲናል ቸርኒ፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ ተስፋ ናይዞም ክልተ ሰማእታት ከም ተባዓት መሰኻኽር እምነት ገይሮም ዘቕረብዎ ምስክርነት እውን ዘከሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብቲ ዘካፈልዎ ሓሳባት፣ ተስፋኦም "ዘይመውትን ምሉእን ስለ ዝዀነ ብሰማእትነቶም፣ ንወንጌል ኣብዛ ጽልእን ዓመጽን ውግእን ዝመልአት ዓለም ይሰብኽ ስለ ዘሎ እዩ። ምኽንያቱ ብስጋ እኳ እንተ ተቐትሉ፣ ዋላ ሓደ ሰብ ድምጾም ስቕ ከብል ወይ ነቲ ዝሃብዎ ፍቕሪ ኺድምስሶ ኣይክእልን እዩ። ምስክርነቶም ከኣ ሰናይ ኣብ ልዕሊ እከይ ከም ዚስዕር ዝገልጽ ትንቢት ኰይኑ ስለ ዚቕጽል እዩ።”