ካርዲናል ግሬች ኣብ ካቶሊከንታግ፦ 'ሕቶታት ተስፋ ከቝርጸና የብሉን'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ቤት ጽሕፈት ጉባኤ ሲኖዶስ ብፁዕ ካርዲናል ግሬች፣ ኣብቲ ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብቲ ኣብ ዉርዝበርግ ጀርመን ኣብ እተኻየደ መበል 104 ጉባኤ ካቶሊከንታግ ከም ዝለዓለ ተወካሊ ቅድስቲ መንበር ኮይኖም ኣብቲ ጉባኤ ተሳቲፎም።
ዝሓለፈ ቀዳም ብፁዕ ካርዲናል ግሬች ኣብቲ ኣብ ማእከል ኮንግረስ ዎርዝበርግ ብዛዕባ ሲኖዶሳ እተገብረ ዘተ ተሳቲፎም፣ ኣብኡ ድማ ቀንዲ መደረኦም ኣቕሪቦም። ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ድማ ነቲ ናይ መዛዘሚ መደብ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ መርሕዎ፣ ኣብቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ድማ ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዝተላእኸ ልበዋን ሓዋርያዊ ቡራኬን ኣካፈልዎም።
"ቅዱስነቶም ኣብ ምሳኹም ኢዮም ዘለዉ፣ ንሓድነትን ሕብረትን ንምድጋፍ ድማ ብምሉእ ልቦም ኣብ ጐንኹም ደው ኢሎም ኣለዉ" ክብሉ ኣመልከቱሎም። ሎሚ ኣብዚ ምሳኻትኩም እንተ ዝርከብ ነይሩ 'ኣጆኹም ተንስኡ' ምበለኩም ነይረ ንዝብለዎም ቃላት እውን ኣዘካኸርዎም።
ብፁዕ ካርዲናል ግሬች ከም ዝገለጽዎ፣ ሓቀይና ሲኖዶሳዊት ቤተ-ክርስትያን፣ ንመንፈስ ቅዱስ ክፉቲ እንተ ዀይና፣ መጻኢ ኣለዋ። "ብኣገልግሎት ናይዚ ከባቢ ጳጳስን ናይታ ኣብዚ ከባቢ እትርከብ ካቶሊካዊ ቤተ-ክርስትያንን ከምኡ ውን ብቅዱስ ጴጥሮሳዊ ብኣገልግሎት ናይ ኣድማሳዊ ቤተ-ክርስትያንን ብዙሕ ተባሪኽና ኢና። ብሓባር ኴንና ፍቓድ ኣምላኽ ከም እንፍጽም ከነረጋግጽ ድማ ንኽእል ኢና" በሉ።
ካርዲናል ግሬች ቀቅድሚ ናብቲ ጉባኤ ምቕራቦም፣ ነቲ ኣብ ማእከል ከተማ ዉርዝበርግ እተዘርግሐ ሓያሎ መድረኻትን ተበግሶታትን ዑደት ብምክያድ ግዜ ወሲዶም ተዓዘብዎ፣ ምስ ተሳተፍቲ ንምርኻብን ኣብ ምይይጥ ንምስታፍን ድማ ግዜ ወሲዶም ተሳተፉ።
ኣብቲ ዘካፈልዎ ሓሳባት፣ ተሳተፍቲ ንሲኖዳውነት ነፍሲ ወከፍ መሳርሒ ናይ ገዛእ ርእሱ ግደን ሕጋውነትን ዘለዎ፣ ግን ከኣ ስኒት ዝያዳ ኣገዳስነት ከም ዘለዎን፣ ከም ሓደ ናይ ውህደት መንገዲ ገይሮም ክቕበልዎ ጻውዒት ኣቕረቡሎም። ተሳትፎን ሕብረትን ኣጸቢቑ ኺተኣሳሰር ከም ዘለዎ እውን ኣጕልሑ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ቤተክርስትያን ንተግባር መንፈስ ቅዱስ ቦታ ኽትህብን፣ ተልእኾ ወንጌላዊ ስፍሓታ ዕሽሽ ክትብልን ይብላን ክብሉ ተላበው።
ብፁዕነቶም ልክዕ ከምቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ኣብያተ-ክርስትያን፣ ካብ ኣድማሳዊ ቤተ-ክርስትያን ተፈልየን ክርድኣ ዘይክእላ፣ ሲኖዶውነት ብዘይ ተሳትፎ ናይ ኣከባቢያውይን ኣብያተ-ክርስትያን ዘይከኣል ምዃኑ ገለጹ። ናይ ሲኖዶስ ውሳነ ምግባር ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ወይ ናይ ብዙሕነት ድምጺ ክኸውን የብሉን፣ የግዳስ ኣብ ምስማዕን ርክባትን እተመስረተ መንፈሳዊ ምስትውዓል ከምጽ ከም ዘለዎ እውን ኣጠንቀቑ።
ኣብ ርእሲ እዚውን ንከቢድ ሕቶታት ክፈርሑ ከም ዘይብሎም እውን ኣትሮም ተዛረቡ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት፣ ንቤተ-ክርስትያን ንዝቐርቡላ ጕዳያት ኣዕሚቓ ንኽትምርምርን፣ ሲኖዶውነት ብኸመይ ናብ መዓልታዊ ህይወት ከም ዝትርጐም ብዝሓሸ መገዲ ንኽትርዳእን ከም ዚሕግዛ እውን ኣመልከቱ። ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን ዘሎ ዝተፈላለየ ኣረኣእያታትን ኣቕዋምን፣ ምንጪ ምስትውዓልን ሓባራዊ ብልጽግናን ክኸውን ኣለዎ። ኣስዕብ ኣቢሉውን ብፁዕ ካርዲናል ግሬች፣ ክርስትያን ምእመናን ኣብ ወንጌል ሱር ሰዲዶም ብጽንዓት ብምንባር፣ ንማሕበረሰቦም ዜድልዮም ነገራት ብፈጠራን ብትንቢትን ምላሽ ክህቡ ተጸዊዖም ኣለዉ ክብሉ ተላበውዎም።
ጐኒ ጐኒ እቲ እተኻየደ ጉባኤ ምስ ጋዜጠይናታ ኣብ ዝገብርዎ ዝዝርርብ ድማ፣ ብፁዕ ካርዲናል ግሬች ብዛዕባ ግደ ህዝቢ ኣምላኽ ምስትንታን፣ ኣብ ትምህርቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እተመስረተ ክኸውን ከም ዘለዎ ኣስመሩሉ። ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳ ብዛዕባ ሲኖዳውነት፣ ኣብ ፍሉይ ጕዳያት ዘተኰረ ሓደ ዝተዛዘመ ሲኖዶስ ዘይኰነስ፣ ኣብቲ ኣብ 2028 እውን ዝካየድ ኣቅላሲያዊ ጉባኤ ዕዮኡ ዝቕጽል ዘሎ፣ ቀጻሊ መስርሕ ምዃኑ ገለጹ።