ድለ

2026.05.19 ካርዲናል ፓሮሊን ኤውሮጳ ንሰላም ዘለዋ ተወፋይነት ከተሐድስ ይላበዉ 2026.05.19 ካርዲናል ፓሮሊን ኤውሮጳ ንሰላም ዘለዋ ተወፋይነት ከተሐድስ ይላበዉ  (©European Parliament)

ካርዲናል ፓሮሊን ኤውሮጳ ንሰላም ዘለዋ ተወፋይነት ከተሐድስ ይላበዉ

ኣብ ሕዝባዊ ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ሽልማት ብቑዕነት፡ ሓደ ካብቶም ተሰለምቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኣብዚ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓለማዊ ወጥሪ ሰላም ንምሕላው ዳግማይ ጻዕሪ ክግበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዘቕረብዎ ጻውዒት ደጊሞም የሐድሱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሰላምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ምሉእ ጉባኤ ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ዘብጽሑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣብ መንጎ ህዝብታት ስኒት ኣብ ክብርታት ሕብረት “ዝተመስረተ መብጽዓ” ምዃኑን ሰላም ንምሕላው ብዝዓለመ ጭቡጥ ምርጫታት “ብቐጻሊ ክድልድል ኣለዎ” ዝብል ሓሳብ የጒልሑ። ምክልኻልን ክብርታት ኤውሮጳን ልዑል ኣበርክቶ ንዝገበሩ ውልቀሰባት ዝወሃብ ፈላሚ “ኣውሮጳዊ ስርዓት ብቕዓት” ካብ ተሰለምቲ ንኽኾኑ ዝተሓረዩ ካርዲናል ፓሮሊን፡ ኣብ መሰረት ናይቲ ሰላም ምድንፋዕን ምሕላውን ኣድላይነት ናይቲ ውድብ “ሓባራዊ እምነት” ኣብ ክርስትያናዊ ታሪኽ ኤውሮጳ ሱር ዝሰደደ ክብርታት ከምዘሎን ሎሚ እውን ተባዕ ምስክርነት ክህቡ ዝኽእሉን ክብርታት ከምዘለዉ ኣስተብሂሎም፡ “ካብዚኣቶም፡ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ምርግጋጽ ሰብኣዊ ክብርን፡ ዘይግሃስን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደረጃ ህይወት ወትሩ ክሕሎ ዘለዎን” ብምዝኽኻር፡ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ መደምደምታ መደረኦም፡ ቅድስቲ መንበር ምስ ትካላት ኤውሮጳ ብምትሕብባር ብሓባር “ናይ ሰላም ኢደ ጥበበይናታት” ክኾና ድሌት ከምዘለዋ ደጊሞም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሽልማት ብቑዕነት

እቲ ብሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብቑዓት ተባሂሎም ንዝሕረዩ ዝወሃብ ሽልማት ስርዓት ብቝዕነት ኤውሮጳ ብምኽንያት መበል 75 ዓመት ኣዋጅ ሹማን - መበገሲ ሓድነት ኤውሮጳ መሰረት ዝገበረ ክይኑ፡ ከምቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ዝተገልጸ፡ ብትካላት ሕብረት ኤውሮጳ ዝዋሃብ ብዓይነቱ ናይ መጀመርታ ከም ዝኾነን፡ ንኤውሮጳ ብሓፈሻ ዘሐይል ጻዕርታት ኣፍልጦ ዝህብን ኣብዚ ዓለማዊ ዘይርጉጽነት ኣብ ዘለሉ እዋን፡ ዕላምኡ ነቶም ንሰላምን ደሞክራስን ሰብኣዊ ክብርን ዝጣበቑ ብምኽባር ናይ ሓባር ክብርታት ዳግማይ ንኽረጋገጽ ዝድርኽ እዩ። ካብቶም ዕስራ ዝተሓረዩ ተሰለምቲ፡ ጎኒ ጎኒ ካርዲናል ፓሮሊን፡ መራሒት መንግስቲ ፈደራላዊት ጀርመን ነበር ኣንጀላ መርከል፡ ናይ ፖላንድ ርእሰ ብሔር ነበር ለክ ዋሌሳን መራሔ መንግስትን ርእሰ ብሔርን ፖርቱጋል ነበር ኣኒባል ካቫኮ ሲልቫን ይርከብዎም።

20 May 2026, 14:34