ድለ

2026.05.21 ኣብ ግዜ አብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ከመይ ጌርና ሰብኣውነትና ንዕቅቦ፡ ሕሰብ፡ ተሓባበር፡ ተማሃር 2026.05.21 ኣብ ግዜ አብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ከመይ ጌርና ሰብኣውነትና ንዕቅቦ፡ ሕሰብ፡ ተሓባበር፡ ተማሃር   (@Fatima Mesaud Barreras)

ኣብ ግዜ አብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ከመይ ጌርና ሰብኣውነትና ንዕቅቦ፡ ሕሰብ፡ ተሓባበር፡ ተማሃር

ዕለት 21 ግንቦት ድሕሪን ቐትሪ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምስ ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ባህልን ትምህርትን ትካል ዮሓንስ መበል 23ን ብምትሕብባር ኣብ ጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ ኣብ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ - ሓደሽ ስነ ኣሃዛዊ ምዕባለን ኣማእኺሉ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ መደረ ዘስምዑ ኣካላት፡ እዚ እዋናዊ ተበጽሖታትን ምዕባለን ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣመክንዮኣዊ ኣእምሮ ክደልድል ከም ዘለዉ የስተንትኑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ቀረባ እዋን “Magnifica humanitas - ግሩም ሰብኣውነት ብዝብል ኣርእስቲ ክግስዎ ዝኾነ ኣብ ግዜ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንሰብኣውነት ምሕላው” ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ዓዋዲ መልእኽትን ከምኡ እውን ኣብ ቀረባ እዋን “ምዕቃብ ገጽን ድምጽታትን ደቂ ሰባት” ብዝብል መርሕ ቃል ኣብ ዓለማዊ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን" ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ወሳኒ ጕዳይ ማለት ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንረብሓ ደቂ ሰብ ዝመርሕ ክኸውን ኣለዎ ንዝብል ኣገዳስነት ንጹር ምልክት እዩ።

“ምዕቃብ ገጽን ድምጽን ደቂ ሰባት” ዝብል ኣርእስቲ’ውን ናይቲ ዕለት 21 ግንቦት ኣብ ጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ጉባኤ መርሕ ቃል ምንባሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ። እዚ ዓውደ ጉባኤ እዚ ብቐንዱ ማእከል ዝገበሮም ኣዕኑድ ሓላፍነት ምትሕብባርን ትምህርትን - ህንጸትን ዝብል ኮይኑ እዚ ድማ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ኣክንዲ ንሰብኣዊ ፍጥረት ዝመልኽ መጋበርያ ሓባራዊ ረብሓ ኮይኑ ክቕጽል ዘኽእል መገዲ ንምልላይ ዝኣተመ እውን ምንባሩ ኣመላኺቱ፡ ሓላፍነት፡ ስነ-ምግባራዊ ውሕስነት ኣብ ልዕሊ መኽሰብ፡ ማለት ወጅሂ ሰብ ብቀመራዊ ምዕሪት ክቕየር፡ ድምጺ ወዲ ሰብ ድማ ብጸማሪ መቓልሕ ክዕበጥ ከም ዘይብሉ ዘጒልሕ ምዃኑ ይሕብር።

ስለዚ "ሓላፍነት ማለት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደረጃ ምዕባለ ተሓታትነት ምምራጽ ማለት እዩ፡ ሰብ ሰርሖ ኣሰውዕሎ ንኽብሪ ወዲ ሰብ ንምምዝማዝ ዘይኮነ ነዚ ክብሪ እዚ ከም ዘገልግል ምርግጋጽ" ዘልዎ ኣገዳስነት ዝሕብርን ጽልሙት መጻኢ ዓሚቝ ምድንጋርን ዓሚቝ ማሕበራዊ ምግላልን - ዘተኣታትው ክኸውን ከም ዘይብሉን ነዚ ንምምካት ድማ ኣብ መንጎ ዓበይቲ ትካላት እደ ጥበብ፣ ሓንጸጽቲ ሕግን ስርዓትን፣ ናይ ቲዮሎጊያ ተመራመርትን በርገሳዊ ማሕበራትን ምሕዝነት ክህሉን ብተወሳኺ ምዕባለ ቀመራዊ ምዕሪት ምስ ግብረ ገባዊ ምዕባለ ክመዓራረ ከምዘለዎ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ከም እተሰመረሉን ኣብ ምትሕግጋዝ ናብ ዝተሰረተ ዓለማዊ ምትሕብባር ዝድርኽ ክኸውን ከም ዘለዎ እውን ከም ዝጎለሐ ዜና ቫቲካን ይሕብር።  

22 May 2026, 13:21