ድለ

2026.05.15 Dicastero per la Comunicazione conferenza internazionale “Custodire voci e volti umani”

'ድምጽን ገጽን ደቂ ሰብ ምዕቃብ' ኣህጉራዊ ዋዕላ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ኣብ ኡርባንያና

እቲ ብዛዕባ ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ምስቲ ብዛዕባ ባህልን ትምህርትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን ከምኡውን ማሕበር ምትሕግጋዝ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ብምትሕብባር ዝተወደበ መደባት ኣብ ዕለት 21 ግንቦት ክካየድ ተመዲቡ ኣሎ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ዓለምለኻዊ መዓልቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ንምዝካር፣ እቲ ብዛዕባ ጉዳያት መራከቢ ብዙሓን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፣ ንሓሙስ ዕለት 21 ግንቦት ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ኡርባኒያና ኣህጉራዊ ጉባኤ ኣዳልዩ ይርከብ ኣሎ።

"ድምጽን ገጽን ደቂ ሰብ ምዕቃብ" ብዝብል ቴማ ነቲ  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ንዓለምለኻዊ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዘቃልሕን ከምኡውን ኣዳለውቲ እቲ መደብ ካብ ሊቃውንትን ምሁራትን ተወከልቲ ትካላትም፣ ክኢላታት ልዑል ተክኖሎጂዊ ፈጠራታትን ከምኡውን ጋዜጠኛታትን ብምስታፍ፣ ብዛዕባ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ኣብ ህይወት ውልቀ-ሰባትን ማሕበረሰባትን ሃገራትን ዘለዎ ጽልዋን ኣስተምህርቶታት ንኸቕርቡ ዝዓደሙሉ መንፈስ የጕልሕ።

ናይ ኣስተንትኖን ዘተታትን ግዜ

እዚ መደብ እዚ ምስቲ ብዛዕባ ጉዳያት ባህልን ትምህርትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን ምስ ማሕበር ምትሕግጋዝ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ብምትሕብባር ብዕለት 21 ግንቦት ምሉእ መዓልቲ ኣብ ቀንዲ ኣደራሽ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ኡርባኒያና ክካየድ እዩ።

ዕላማ ናይዚ መደብ እዚ ድማ፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ "ንውህበት ናይ ርክባትን ሓሳብ ንሓብ ናይ ምልውዋጥ ጸጋ፣ ከም ዓሚቝ ኩነት ናይ ደቂ ሰብ ኣኽቢርና ንርኣዮ፣ ኵሉ ተክኖሎጅያዊ ምህዞታት እውን ናብኡ ዘተኰረ ክኸውን ኣለዎ" ብምባል ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ምላሽ ንምሃብን፣ ናይ ኣስተንትኖን ዘተን ህሞት ንምፍጣር ክኸውን ኢዩ።

እቲ ጕባኤ ብዶ/ር ፓውሎ ሩፊኒ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን ከምኡውን ብብፁዕ ካርዲናል ሆሴ ቶለንቲኖ ደ መንዶንካ ህየንታ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ባህልን ትምህርትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝቐርብ ኣስተምህርቶታት ክስነ ኢዩ።

19 May 2026, 09:53