ድለ

ውግኣትን ጽንፋዊ ፍጻሜታት ቅልውላው ከባቢያዊ ኣየርን ኣብ ስርዓታት መግቢ ዘለዎ ጽልዋ ውግኣትን ጽንፋዊ ፍጻሜታት ቅልውላው ከባቢያዊ ኣየርን ኣብ ስርዓታት መግቢ ዘለዎ ጽልዋ  

ውግኣትን ጽንፋዊ ፍጻሜታት ቅልውላው ከባቢያዊ ኣየርን ኣብ ስርዓታት መግቢ ዘለዎ ጽልዋ

ቅድስቲ መንበር ኲናት፣ ቁጠባዊ ምንቁልቋል፣ ጽንፉው ፍጻመታት ከባቢያዊ ኣየርን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ኣብ ስርዓታት ሕርሻዊ መግቢ ዓለም ዘስዓቦ ጽልዋ ብምጒላሕ፣ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝርከቡ ስርዓታት መግቢ ሰብኣዊ ክብሪ ማእከል ዝገበረ ክኸውን ጻውዒት ተቕርብ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 12 ግንቦት ኣብ ታጂኪስታን ከተማ ዱሻንቤ ኣብ ዝተኻየደ መበል 35 ኣኼባ ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት ንኤውሮጳ ኣብ ዝምልከት ዞባዊ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉን መደረ ዘስምዑን ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ኣብ ትካል መግብን ሕርሻን ውድብ ሕቡራት ሃገራት - FAO፡ ዓለም ሓቆፍ መዋሊ ልምዓት ሕርሻ - IFADን ዓለም ሓቆፍ ትካል መርሓ ግብሪ መግቢ - WFPን ሊቀ ጳጳሳት ፈርናንዶ ቺካ ኣሬላኖ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ርኡይ ምዝንባዕ ኣብ ዝረኣየሉ ስርዓታት ሕርሻዊ መግቢ ጽንዓት ክህሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ነቲ ዋዕላ "ኵሉ ሰብ ህዱእን ምሉእን ህይወት ንኺመርሑ ዘኽእሎ ምግቢ ምእንቲ ከይስእን" ስርዓት ሕርሻ ምድንፋዕ ዝብል ንዘንበሮ ሸቶ ድጋፍ ቅድስቲ መንበር ኣረጋጊጾም፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ዓለምለኻዊ ቅልውላው ድሕንነት መግቢ ንምድንፋዕ ጭቡጥ ስጕምትታት ምውሳድ ዘለዎ ኣገዳስነት ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ሓያሎ ግጭታት ንዓለምለኻዊ ዕዳጋታት መግቢ ክም ዝሃሰዮን፣ ገለ ካብዚ ኸኣ እቲ ንሰደድ እኽልን ቀረብ ድዅዕን ክቋረጽ ዝገብር ዘሎ ውግእ ሩስያን ዩክረይንን ከምኡውን ዋጋታት ነዳድን ድዅዕን ከም ዚውስኽ ዝገበረ ዘሎ ኣብ መንጎ ኢራንን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ - እስራኤልን ዘሎ ውግእ ጠቒሶም፡ ኣብ ስርዓት መግቢ ዕንቅፋት ዘስዕብ ካልእ ግጭታት ከኣ ንኣብነት ኣብ ሱዳን ዘሎ ውግእ፡ ኣብ ዓበይቲ ኸተማታት ከቢድ ሕጽረት መግብን ብርቱዕ ጥሜት ክውስኽ ይገብር ምህላዉ ገሊጾም፡ ኣብተን ዝጠቐሱወን ሃገራት "ሕውነታዊ ስኒት" ተመሊሱ ብምትሕብባር ነዚ "ኣዝዩ ኣሉታዊ ዝንባለ" ኪቃለሳ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እቲ ቐንዲ ሸቶ ኵሎም ሰባት እኹል ውሑስን ዝተመጣጠነን መግቢ ምርካብ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ሃገራት ኣውሮጳ "ማሕበራዊ ፍትሒ፣ ምህዳራዊ ቀጻልነት ከምኡውን ንሰብኣዊ ፍጥረት ኣኽብሮት ከም መምርሒ ናይ ኵሉ መንግስታውን ናይ ብሕቲ ስጕምትታትን" ዘጠቓለለ ኣገባብ መግቢ ንምርግጋጽ ዝድርኽ ሕጋዊ መሰረት ከህሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዓለምለኻዊ ስርዓት ሕርሻ መግቢ ተጻዋርነት ምህናጽ ሓደ ኻብቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ኣዝዩ ህጹጽ ቀዳምነት ክወሃቦ ዘለዎ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ሓደ ዓይነት ናይ ምህርቲ ሜላታት ኣብ ክንዲ ምጥቓም ካብ ስስዐ ምዝመዛ ርሒቑ ናብ ዝያዳ ተኣፋፍን እተረስዐን ገጠራት ሃብቲ ብምውፋር እቲ መግቢ ንምፍራይ ዝስዓብ መገዲ ምቕያርን ምእዋንን ኣገዳስነቱ ብምምልካት፡ "ሕርሻ ብጥበባዊ ቍጠባውን ፖለቲካውን ውሳነታት ክድገፍ ኣለዎ፣ እዚ ኸኣ መንእሰያት ኣብ ሕርሻ ውዕዉዕ ሓይሎም ንኽውፍዩ ከምኡውን ኣብ ገጠራት ብተስፋ ምቑራጽ ናብ ከተማታት ንኸይስደዱ ዝድግፎም ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ ኣብ መወዳእታ ሊቀ ጳጳሳት ኪካ ኣሬላኖ ምህርቲ ሕርሻ መግቢ ንኽብረት ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ማእከል ክዕቅብ፣ ንመጻኢ ኣብ ሓደጋ ኸየእተወ ድሌት መግቢ ከማልእ ከምኡውን ኣብቲ ኸባቢ ግቡእ ስራሕ ከተባብዕ ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

13 May 2026, 14:40