ድለ

2025.12.04 Sede dello IOR 2025.12.04 Sede dello IOR 

ዓመታዊ ጸብጻብ ባንክ IOR 2025፣ ናይ 10 ዓመት መዝገብ ኣታዊታት ይገልጽ

ተቅዋም ንሃይማኖታዊ ኣገልግሎታት ተባሂሉ ዝፍለት ባንክ ሃገረ ቫቲካን፣ ናይ 2025 ዓ.ም. ዓመታዊ ጸብጻቡ ኣሕቲሙ፣ 51 ሚልዮን ዩሮ ሚዛናዊ ኣታዊን ምስ ኣታዊታት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እተኻፋለ ኣስታት 24.3 ሚልዮን ዩሮ መኽሰብን ከም ዝረኸበ ይገልጽ።

ዜና ቫቲካን

ባንክ ሃገረ ቫቲካን IOR  ትማሊ ሰኑይ ዕለት 11 ግንቦት፣ ዓመታዊ ጸብጻቡ ናይ 2025 ዓ.ም. ኣሕቲሙ ይርከብ።

እቲ ዝተሓትመ ቍጠባዊ ጸብጻባት፣ ናይቲ ዕለት 31 ታሕሳስ 2025 እተዛዘመ ቝጠባዊ ዓመት ብመሰረት መለክዒታት ዓለም ለኽዊ መምርሒታት ምስቲ ምስ ሳልሳይ ዓምዲ ናይ ባሰል ኣገባብ ኣሰራርሓ ዝሰማማዕ መግለጺታት ኣዳልዩ ኣሕተመ።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ ባንክ ሃገረ ቫቲካን ኣብ 2025 ዓ.ም.፣ 51 ሚልዮን ዩሮ ሚዛናዊ ኣታዊ መዝጊቡ፣ እዚ ድማ ምስቲ ዝሓለፈ ዓመት ኪነጻጸር ከሎ፣ 55.5 ሚእታዊት ወሰኽ ከም ዘርኣየን፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ካብ ዝነበር ሚዛን ከኣ እቲ ዝለዓለ እዩ።

እቲ ተቅዋም ቅድስቲ መንበር ከም ዝገለጾ፣ እቲ ውጽኢት ብእተመሓየሸ ናይ ስራሕ ውጽኢት ንጡፍን ስርዓት ዘለዎን ናይ ማዕከን ምምሕዳርን፣ ምቹእ ናይ ዕዳጋ ዅነታትን ከምኡውን ወሰኽ መጠን ገንዘብ ዓማዊል እተደገፈ እዩ።

ጠቕላላ መጠን ገንዘብ ዓማዊል 5.9 ቢልዮን ዩሮ በጺሑ ኣሎ፣ እዚ ድማ ምስቲ ኣብ 2024 ዝነበረ 5.7 ቢልዮን ዩሮ ኺነጻጸር ከሎ ዕቤት ኣርእዩ ይርከብ።

እዚ ባንክ እዚ ኣብ 2024 ካብ 29.4 ሚልዮን ዩሮ 32.3 ሚልዮን ዩሮ ወለድ ከም ዝረኸበ ጸብጻባት ኣቕሪቡ ምንባሩ ዝከር ኢዩ፣ እቲ ናይ ኮሚሽን ሕዳግ ግን 26.2 ሚልዮን ዩሮ እዩ ዝነበር፣ እዚ ኸኣ ምስቲ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ብሓፈሻ ተዛማዲ ኮይኑ ይርከብ።

እቲ ከም ማእከላይ ባንክ ኮይኑ ኣብ ዝዓዮ መክሰብ ድማ ናብ 66.3 ሚልዮን ዩሮ ከም ዝደየበን፣ እዚ ድማ ምስቲ ኣብ 2024 ዝነበረ 51.5 ሚልዮን ዩሮ ክነጻጸር ከሎ ዕቤት ኣርእዩ ይርከብ።

እዚ ተቕውማ ኣብ ዘዳለዎ ጸብጻብ መጠነ ቍጠባዊ ዝምድና - ቀንዲ መለክዒ ናይ ሓደ ፋይናንሳዊ ትካል ዘለዎ ካፒታላዊ ሚዛን ምስቲ ኣብ ሓደጋ ዝርከብ ንብረቱን ኺነጻጸር ከሎ - ናብ 71.9 ሚእታዊት ክብ ክብል ከሎ፣ እቲ ጽሩይ ካፒታል ከኣ ካብ 83.4 ሚልዮን ዩሮ ናብ 815.3 ሚልዮን ዩሮ ደይቡ ይርከብ ኣሎ።

እቲ ጸብጻብ ከም ዝገለጾ፣ ናይ እዚ ተቕዋም ካፒታልን ተንቀሳቓሲ ገንዘብን ንዓማዊል ንምዕቃብን ኣብ ህልው ግዜ ቀጻልነት ንምርግጋጽን ዝዓለመ ጥበባዊ ኣቀራርባ ዘንጸባርቕ ድማ ኢዩ።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ናይ 2025 ጸብጻባትን ናይዚ ተቕዋም ካፒታልን ድሌታትን ኣብ ግምት ብምእታው፣ ሽማግሌ ካርዲናላት ንቅዱስ ኣቦና፣ 24.3 ሚልዮን ዩሮ መኽሰብ ክኽፍል ኣጽዲቑ ኣሎ፣ እዚ ድማ ምስ 2024 ክነጻጸር ከሎ 76.1 ሚእታዊት ወሰኽ ገይሩ ይርከብ።

እቲ ጸብጻብ ከም ዘመልከቶ፣ ኵሉ ስትራተጂታት ምምሕዳር ማዕከን እዚ ባንክን፣ ናይ ኣወንታዊታት ጠቕላላ መኽሰብን ከም ዝረኸበን፣ እቲ ኢንስቲትዩት ምስ መሰረታዊ ስርዓታት እምነት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን፣ ማሕበራዊ ሰረተ-እምነት ቤተ-ክርስትያንን ዚሰማማዕ ኢንቨስትመንት የተባብዕ ኣሎ።

IOR ኣብ 2025 ምስ ሃይማኖታውያን ጉባኤታት ዝነበሮ ርክብ ብዝያዳ ኸም እተደልደለ ብምግላጽ ቍጽሪ እተን ዘገልግላ ጉባኤታትን፣ ኣብተን ምሕደራ ገንዘብን፣ ጥሪተንን ገንዘበንን ብሕድሪ ዝህባ ጉባኤታትን ማሕበራትን ከም ዝወሰኸ ገለጸ።

እቲ ፋይናንሳዊ ጸብጻባት ካብ Deloitte & Touche ጽሩይ ናይ ኦዲት ሓሳባት ተቐቢሉ፣ ብ28 ሚያዝያ 2026 ብቦርድ ተቘጻጻሪ ብሓደ ድምጺ ጸዲቑ ድማ፣ ብመሰረት እቲ ሕግታት ናብ ኮሚሽን ካርዲናላት ቅድሚ ምልኣኹ ኦዲት ከም እተገብረሉ ገሊጹ።

ኣብ ወርሒ ለካቲት 2026 እዚ ኢንስቲትዩት ምስ Morningstar ብምትሕብባር ኣብ መላእ ዓለም ንካቶሊካዊ ኢንቨስትመንት ከም መዐቀኒ ተባሂሉ እተዳለወ ኽልተ ሓደስቲ መሐበሬታት ኣክስዮን ኣውጺኡ ኣሎ።

ዣን-ባፕቲስት ደ ፍራንሲሱ ናይ 2025 ቍጠባዊ ጸብጻብ ምስ ጸደቐ፣ ነቲ ከም ኣቦ መንበር ባንክ ሃገረ ቫቲካን ኰይኑ ዝጸንሓሉ ዘመነ ኣገልግሎት ዛዚሙ ይርከብ።

እቲ ትካል ንኣገልግሎቱን መሪሕነቱን ተወፋይነቱን ልባዊ ምስጋና የቕርብ። ፍራንስዋ ፓውሊ ድማ ሓድሽ ኣቦ መንበር ኮይኑ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ እዩ።

12 May 2026, 15:35