ሲኖዶስ ጳጳሳት ብዛዕባ ናብ ናይ 2028 ኣቅላሲያዊ ጉባኤ ዘምርሕ ሰነድ ኣሕቲሙ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ምዝኽኻር፡ ምትርጓም፡ ምእንፋትን፡ ምጽንባልን፣ እዞም ኣርባዕተ ቐንዲ ደረጃታት እዚኣቶም፣ ምስቲ ኣብ ውርሒ ጥቅምቲ 2028 ኣብ ሃገረ ቫቲካን ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ኣቅላሲያዊ ጉባኤ፣ ንኣብያተ ክርስትያናትን፡ ንጉባኤታት ጳጳሳትን፡ ንኣህጉራዊ ጕጅለታትን ዘሰንዩ ኣርባዕተ ቐንዲ መድረኻት እዮም።
ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ቤት ጽሕፈት ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት፣ በቲ ኣብ ዕለት 20 ግንቦት እተሓትመ ናይ 2027-2028 ዓበይቲ ኣኼባታትን መድረኻትን፣ መዐቀኒታት ከምኡውን መሳርሒታት ንምድላው ዝቐረበ ሰነድ ኣቢሎም ነቲ ናይ ትግባሬ መደባት ንምድጋፍ ዝቐረበ ድማ እዩ።
እቲ ጽሑፍ ከም ዘመልክቶ፣ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ኣብያተ-ክርስትያናትን ሃገራውያንን ኣህጉራውያንን ጕጅለታት፣ ፍረ ናይቲ ደድሕሪ ናይ መወዳእታ ሰነድ ናይ 2021-2024 ሲኖዶስ ዝጀመረ ጕዕዞ፣ ናብቲ ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2028 ኣቅላሲያዊ ጉባኤ ከምርሓሉ ዝጀመራ ጕዕዞ ንምክፋል ዝጽውዕ ዓውደ-ኣዋርሕን ሜላታን መለክዒታትን እውን ይገልጽ።
እቲ ጕዕዞ
እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደረጃ ዓበይቲ ጉባኤታት ንምጽንባል ዘመርሕ መስርሕ፣ ኣብ ኣርባዕተ ህሞት ተኸፋፊሉ እዩ ክካየድ፣ እዚ ኸኣ ንኣቅላሲያውን መንፈሳውን ዕላማኦም ዜጕልሕ ቀንዲ ግስታት ዝሓዘ ሰነድ ድማ እዩ።
ቀዳማይ መፋርቕ ናይ 2027 ዓ.ም. ንምዝኽካር እተወፈየ ክኸውን እዩ። ኣብ ሰበኻታትን ኤጳርቅናታትን ዝካየድ ናይ ገምጋም ኣኼባታት፣ ነቲ ናይ መወዳእታ ሰነድ ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓል ተመክሮ፣ ብዛንታታትን ጸብጻባትን ናብ ካልኦት ኣብያተ-ክርስትያን ብደብዳበ መልክዕ ዝተላእከ እንደገና ከንብቦ ተጸዊዕና ኣሎና።
ኣብ ካልኣይ መፋርቕ 2027 ዓ.ም. ናይ ምትርጓም ግዜ ክኸውን እዩ። ኣኼባታት ጉባኤታት ጳጳሳት (ሃገራውያንን ወይ ዞባውያንን) ስነ-መለኮታዊ ናይ ሓዋርያዊ ጕስንርት ጸብጻባተን ናብ ካልኦት ኣብያተ-ክርስትያን ዘመሓላልፋኦ ከሰናድዋ ኢያተን።
ምእንፋት
ናይ መጀመርታ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ናይ 2028 ዓ.ም.፣ ኣህጉራዊ ኣኼባታት ሓባራዊ ቀዳምነት ኣብ ዝወሃቦ ነገራትን ኣንፈታትን ንምልላይ ዘኽእል፣ ንቕድሚት ዝጥምት ጸብጻባት ከዳልዉ ኢዮም።
ወርሒ ጥቅምቲ 2028 ድማ ናይ ምጽንባል ግዜ ክኸውን ኢዩ። ናይ መላእ ቤተ ክርስቲያን ኣቅላሲያዊ ጉባኤ ድማ ምስ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሃገረ ቫቲካን ክካየድ እዩ። በዚ ኸምዚ እቲ ዝካየድ ጉዕዞ፣ ናብ ሓድነት ዝመርሕ ዘተ ብምክያድ መሜያ ከካይድን፣ ንመላእ ቤተ-ክርስትያን ሕድሪ ክወሃብን ኢዩ።
ኣብ ኵሉ ደረጃታት እቲ ጉባኤ፣ ነቲ ናይ መወዳእታ መድረኽ ናይቲ መስርሕ ዘይኰነስ፣ ናይ ምግምጋምን ውህደትን፣ ልዕሊ ዅሉ ድማ ንሲኖዶስ ናይ ቤተ-ክርስትያን ከም ለውጢ ሓድሽ ድራኸ ክህልዎ ዝገብር እዋን ክኸውን ኢዩ።
ዕቝባ ምሃብ
ሓደ ካብቲ ሓባራዊ ሕቶ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መድረኻት ሕዳሴ ዝግበረሉ፣ ሓድነት ናይቲ መስርሕ ምዕቋብ ኢዩ - ነቲ ካብ ምዝዛም ሲኖዶስ 2021-2024 ኣትሒዙ እተገብረ ጕዕዞ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ከምኡውን ፍረኡ ንኻልኦት ኣብያተ ክርስትያናትን ቅዱስ ኣቦን ከም ህያብ ንምቕራብ፣ እንታይ ጭቡጥ ገጽ ናይ ልእክትን ሲኖዶሳዊትን ቤተ-ክርስትያን ገጽ ከም ዝገልጽ፣ ኣብ ነፍስወከፍ ማሕበረሰብ እንታይ ሓደስቲ መገድታት ሲኖዶሳ ይፍጠር ዘሎ ድማ ዝምርምር ክኸውን ኢዩ።
እዚ ሰነድ እዚ፣ ነቲ ናይ ሲኖዶስ ዘተታት ምድግጋም ወይ ኣብ ህይወት ማሕበረሰባት ተወሳኺ ዕዮታት ምውሳኽ ዘይኰነስ፣ ነቲ ድሮ እተራእየ ዳግመ ምንባብ ፍረኡን ጸገማቱን ኣፍልጦ ምሃብን፣ ነቲ ኣብ መንጎ ኣብያተ-ክርስትያን ናይ ውህበት ተሳትፎ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ዝረኽበሉ ተመክሮ ምልውዋጥን ምዃኑ የነጽር።
ጸብጻባት ኣህጉራውያን ጉባኤታት
እተን ቀዳሞት ክልተ ጉባኤታት ማለት ኣብ ከባብያውን ሃገራውን ደረጃ ዝርከባ፣ ክልተ መመላእታ ጽሑፋት ከዳልዋ ኢየን - ናይ ኣስተንትኖ ሰነድ (ናይ ዛንታታት ጸብጻብ ንሰበኻታትን ኤጳርቅናታትን፣ ስነ-መለኮታዊ ናይ ሓዋርያዊ ጕስነት ጸብጻብ ናይ ኤጲስቆጶሳውያን ጉባኤታትን) ከምኡ'ውን ናብ ካልኦት ኣብያተ-ክርስትያን ዝለኣኽ ደብዳበታት ኣብ እዋን እቲ ኣኼባ እተዳለወ ክኸውን እዩ።
እዚ ዳሕረዋይ ሰነድ እዚ እዩ እምበር፣ ጭቡጥ መሳርሒ ናይ ህያባት ምልውዋጥ ዝኸውን፦ ነፍሲ ወከፍ ማሕበረሰብ ነቲ ዘሰላሰልዎን ዘብሰልዎን ጉዳያት የቕርቡ፣ ነቲ ብኻልኦት ኣብያተ ክርስትያን ዝቐረበ ድማ ንምቕባል ድልዋት ይኾኑ።
እዚ ኸምዚ ኢሉ እንከሎ ኣህጉራውያን ጉባኤታት፣ ንናይ 2028 ኣቅላሲያዊ ጉባኤ ኣብ ምድላው ዘገልግል ንቕድሚት ዝጥምት ጸብጻባት ከዳልዋ ኢያተን።
እዞም ኩሎም ጽሑፋት ብመሰረት እዚ ዝስዕብ ሰሌዳ ግዜ፣ ናብ ሓፈሻዊ ቤት ጽሕፈት ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ክለኣኽ ኢዩ፣ ክሳዕ ዕለት 30 ሰነ 2027 ንመድረኻት ሰበኻታትን ኤጳርቅናታት፣ ክሳዕ ዕለት 31 ታሕሳስ 2027 ድማ ንመድረኻት ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት፤ ከምኡ ውን ክሳዕ ዕለት 30 ሚያዝያ 2028 ድማ ነቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2028 ዝካየድ ኣቅላሲያዊ ጉባኤ ንምድላው ኣህጉራዊ መድረኽ ንምክያድ ክኸውን ኢዩ።
ካርዲናል ግሬች፦ ሓባራዊ ሜመያ ዝግበረሉ እዋን
ዋና ጸሓፊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ማሪዮ ግሬች ከም ዝገለጽዎ፣ "ንኣብያተ-ክርስትያን ተወሳኺ ዕዮ ዘይኰነስ፣ ኣብ ክንዳኡስ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ቤተ-ክርስትያን እንታይ ከም ዝዓዩ ዘሎ ብሓባር እነንብበሉን፣ ነቲ ኽንወስዶ እተጸዋዕና ስጕምትታት ኣፍልጦ እንህበሉን፣ ሓባራዊ ኣስተንትኖን ምስጋናን ዚግበረሉ እዋን እዩ ዝኾነና ዘሎ። ኣኼባታት ማሕበራዊ ዘተታት ናይ ምይይጥ መስርሕ ወይ ተክኒካዊ ገምጋም እውን ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ ዓሚቝ ናይ ቤተ-ክርስትያንን መንፈሳውን ተመክሮ ንምስትንታን እዩ፦ ኣብ መንጎ ኣብያተ-ክርስትያን ዝግበር ተሳትፎታት ውህበት ጭቡጥ ተመክሮ ምእንቲ ክኸውን፣ ሲኖዶሳት ድማ ናብ ተራ ኣገባብ ናይ ቤተ-ክርስትያን ህይወትን፣ ኣብ ኣገልግሎት ወንጌላዊ ተልእኾን ክትርጐም ይኽእል ኢዩ" ክብሉ የመላኽቱ።
እቲ ሰነድ፣ መስርሕ ጉባኤታት ምስ ዕላማኦም ዝሰማማዕ ክኸውን ከም ዘለዎን፣ እቶም ድምጺ ዘለዎም ተሳተፍቲ፣ ነቲ ኣብ መንጎ ሰብኡትን ኣንስትን ከምኡውን ኣብ መንጎ እተፈላለዩ ወለዶታት ዘሎ ርክብ ኣብ ባህላውን ቤተ-ክርስትያናውን ፍልልያት ግቡእ ቈላሕታ ክግበረሉ ከም ዘለዎ የጕልሕ።
እዚኣቶም ድማ ካህናት፡ ዲያቆናት፡ ሰብ ውፉይ ሕይወት ሰብኡትን ኣንስትን፡ ኣባላት ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ሓደስቲ ማሕበረሰባትን፡ ከም ኣባላት ሓደ እተወደበ መዋቕር ዘይኰኑስ፣ ምእመናን ከምኡ'ውን ኣብ ተኣፋፊ ወይ እተገለሉ ዅነታት ዝነብሩ ሰባት እውን ከሳትፉ ይከኣል ኢዩ።
ሓላፍነት ናይዚ መስርሕ፣ ናይ ሰበኻዊ ወይ ኤጳርቅናቲ ጳጳስ፡ ናይቲ ከባቢያዊ ጉባኤ ጳጳሳት፣ ንኣቦ መንበር ጉባኤ ጳጳሳት ሃገራዊ ወይ ዞባዊ ክኸን ይኽእል ከምኡውን መራሕቲ ኣህጉራዊ ኣካላት ናይ'ዚ ኣካላት ዝምልከት እዩ። ኣብ ኵሉ ደረጃታት እተመስረተ ጕጅለታት ጉባኤ ሲኖዶስ ንውዳቤን ምትሕብባርን እዞም ኣካላት ከአ ክቈጻጸር ኣልዎ።