ድለ

2026.06.27 Concistoro Straordinario - IV Sessione

ካርዲናል ግሬች፦ ሲኖዶስ ምልክት ህዱእ ምስማዕ እዩ!

ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ጳጵሳት ብፁዕ ካርዲናል ማሪዮ ግሬች፣ ኣብ ራብዓይ ኣኼባ ፍሉይ ጉባኤ ሲኖዶስ ካርዲናላት ኣብ ዘካፈልዎ ምደረ፣ ተሳተፍቲ ነቲ ናይ ኣፈጻጽማ ደረጃታት ኣብ ህይወት ማሕበረሰብ ዘሎ ኣስተንትኖን ከም መስርሕ ገይሮም ክርእይዎ ጻውዒት ኣቕረቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ዕቢት ናይ ምስማዕ ኣብቲ ተራን ንኡስነቱን ኢዩ ዝግለጽ፣ ማለት ኣብ ትሕትና ናይ ርክባትና እዩ ዚምርኰስ፣ ምስቲ ንውግእን ቍጠባዊ ጸቕጥን ዝለመደን፣ ጂኦፖለቲካዊ ኩነታትን ክነጻጸር እንከሎ ድማ ኢዩ።

እዚ ትምህርቲ እዚ ብሲኖዳዊ ጕዕዞ ንቤተ-ክርስትያን ዝሃበን ዝቕጽልን ዘሎ ትምህርቲ እዩ፣ ሕጂ ድማ ንውሳነታት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ጥራይ ዘይኰነስ፣ እቲ ኣብ ጕዕዞ እተረኽበ ተመኵሮ ንምስትውዓል፣ ኣብ ህይወት ማሕበረሰብ ንኺበስል ንምሕጋዝ፣ ኣብ ግብሪ ንምውዓሉን እዩ። እዞም ማሕበረሰባት እዚኣቶም ብግዲኦም ኣብ መላእ ዓለም ምስ ዝርከባ ኣብያተ ክርስትያን ዝርርብ ብምስፋሕን ብምትሕብባርን ተወሳኺ ስጕምቲ ክወስዱ ተጸዊዖም ኣለዉ። ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ጳጵሳት ብፁዕ ካርዲናል ማሪዮ ግሬች፣ ኣብቲ ዕለት 27 ሰነ ድሕሪ ቀትሪ፣ ኣብ ዝተኻየደ ራብዓይ ክፍላ ኣኼባ ፍሉይ ጉባኤ ካርዲናላት ኣብ መእተዊ ነዚ ሓሳባት እዚ ኣካፈሉ።

ትጽቢታት ካብ ሲኖዶስ

ብፁዕ ካርዲናል ኣብቲ ዘካፈልዎ ሓሳባት፣ ሲኖዶስ ሲኖዳውነት ኣብ 2021 ኪጅምር ከሎ፣ "ክሳዕ ክንደይ ስፍሓት ዘለዎ ተሳትፎ ኸም ዘምጽእ ዝሓስቡ ዝነበሩ ውሑዳት ኣይነበሩን" ድማ በሉ። ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን ዘሎ እተፈላለየ ክውንነታት፣ ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ንመጀመርታ ግዜ ኣብ "ናይ ምስማዕን ናይ ቤተ-ክርስትያንን ምስትውዓልን" ተሳቲፎም፣ እተፈላለየ መገድታት ብምስዓብ ድኻምን ምጽራርን የጋጥሞም እኳ እንተ ንበረ፣ ግን ከኣ "ንውህበትን ሓላፍነትን ናይ ኵሉ ወድሰብ ኣኽቢርካ ብምሕሳብ፣ ብሓባር ናይ ምጕዓዝ" ባህጊ ኣፍልጦ ብምሃብ እዩ ዝተገብረ።

ናይ ምትግባሬ ምስርሕ

ብፁዕ ካርዲናል ግሬች ቀጺሎም፣ እቲ ሲኖዶስ ዘሕለፎ ተመክሮ በቲ ኣብ መንፈስ ዚግበር ዝርርብን ሜላታቱን ኣጸቢቑ እተደገፈ እዩ። እዚ ኣስተንትኖ እዚ "ኣብ መንጎ ጭቡጥ መንፈሳዊ ዝርርብን፣ ኣብ መንጎ እቲ ብመንፈስ ዝግበር ዘተን፣ ማለት ኣብ መንጎ እቲ ዝተንስአ ጐይታ ኸም ዕዮ መንፈስ ቅዱስ ገይሩ ኣብ ማእከልና ዘካየዶ ዘሎ ሓባራዊ ምዝርራብን ምክፋልን ዓብዪ ፍልልይ" ንምርዳእ ስለ ዝሓገዘ ብሉስ ብስለት ረኪቡ ኣሎ ክብሉ እውን መስከሩ።

እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ናይ ምትግባሬ ደረጃ፣ ኣብያተ ክርስትያን ህያባተንን ተመክሮታተንን ንኽለዋወጣ ዘኽእለን ኢዩ፣ እዚ ድማ "ሓደ ህዝቢ ኣምላኽ ናይ ምዃን ስምዒት" ከስፍሕ ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር ነፍሲ ወከፍ ባህሊ፣ ነቲ "ኣብ ባህልታትን ትካላትን ጕስነታዊ ልምድታትን ርክባትን ቤተ-ክርስትያን" ብመሰረት እዚ ዘመን እዝን መገድታቱን ዝመንጨወ ናይ ምስትውዓል መስርሓት ስለ ዚቕበልን፣ ስለ ዝትርጕምንን፣ ብኡንብኡ ዚካየድ መስርሕ ኣይኰነን ድማ በሉ።

ዝርርብ ምስፍሕፋሕ

ነዚ መስርሕ እዚ ንምስዓብ ሓፈሻዊ ቤት ጽሕፈት ጉባኤ ሲኖዶስ፣ ናብቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2028 ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ኣቅላሲያዊ ጉባኤ ዝመርሕ መገዲ ድማ ዘርዚሮም። እቲ ዕላማ፣ ነቲ ኣብ ጕዕዞ ሲኖዶስ ዝማዕበለ ኣስተንትኖ በብቝሩብ ናብ ህይወት ማሕበረሰብ ምትርጓምን ከምኡውን ኣብ መንጎ ጂኦግራፍያውን ባህላውን ርሕቀት ዘሎ ክውንነታት እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ምልውዋጥን ንምድንፋዕ ኢዩ።

ኣብዚ መስርሕ እዚ ኣገልግሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ንመላእ ህዝቢ ኣምላኽ ተሳትፎ ኣብ ምትብባዕ መሰረታዊ ምዃኑ እውን የጕልሕ። ኣብ ጐኒ ጐኒ እዚ ድማ ጕጅለታት መጽናዕቲ ሲኖዶስን ተሳትፎ ካህናትን ቅቡኣት ኣገልገልትን፣ ሰብ ውፉይ ሕይወት ሰብኡትን ኣንስትን፣ ኣቅላሲያውያን ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን፣ ትምህርታዊ ትካላትን ስድራቤታትን መንእሰያትን ከምኡውን ኣብቲ ኸባቢ ዝርከቡ ማሕበረሰባትን ዝሳተፍዎ ኢዩ።

ኣርባዕቲኡ ግስታት ናይዚ ጉዕዞ

እዚ ትባሬ እዚ ኣብ እተፈላለየ ደረጃታት ዝቘመ፣ ብኣርባዕተ ግስታት ዘመልክት ድማ ኢዩ። ቀዳማይ "ምዝካር" ንማሕበረሰብ "ኣብ መንጎ ኣብያተ-ክርስትያን ሕብረት ዝምዕብለሉ ተልእኾ ዝድግፍን ናይ ምልውዋጥ ቀላሲ ሓይሊ" ንኺነብሩ ምሕጋዝ፣ ነቲ ናይ መጀመርታ ናይ ምስማዕ ደረጃ ብምድጋም ዘይኰነስ ነቲ ድሮ ዝወጸ ቅውም ሓሳባት "ብምቕባል" እዩ። ድሕሪኡ ሓባራዊ ተግባራትን ውጥረትን ንምንባብን "ምትርጓምን"፣ ንቤተ-ክርስትያን ንሓደስቲ ኣመለኻኽታታት ብምኽፋት ድማ፣ ኣብ መወዳእታ ነቲ እተገብረ ጕዕዞ ናብ ሸቶ ሓድነት ንምምላስ "ንምጽንባል" እዩ ክብሉ ድማ መስከሩ።

ኣብ መንጎ ሲኖዶስን ፍሉይ ጉባኤ ካርዲናላትን ዘሎ ምትእስሳር

ብፁዕ ካርዲናል ግሬች ከም ዝገለጽዎ፣ ኣብ መንጎ ተመክሮ ፍሉይ ጉባኤ ካርዲናላትን ጕዕዞ ሲኖዳውነትን ዘሎ ምትእስሳር፣ እቲ ጉባኤ ካርዲናላት "ካብ ብሱል መንፈሳውነት ቤተ-ክርስትያን ወጻኢ ብሰፊሑ ብሲኖዳዊ መንገዲ" ስለ ዘይካየድ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ሓባራዊ ህላወ መንፈስ ቅዱስ "ክልተ መስርሓት ናይ ሓደ ሕብረት" እዩ ዝገልጽ፦ በቲ ሓደ ሸነኽ እቲ "ህያው ተዘክሮ ናይቲ መምህርና ክርስቶስ፣ ነቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቱ ከም ዝምድናዊ ኣገባብ ምምሕዳር ዝሃቦም፣ ጉባኤያዊ ሕብረት" ተባሂሉ ተጸዊዑ ይርከብ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ሲኖዶስ ዓበይቲ ኣኼባታት "ህያው ዝኽሪ ናይቲ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ከባቢ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ዝፍጸምን፣ ኣብ ውህበት ድሕነት ብቅዱስ ቍርባን ከም እትሳተፍን ዝገብር ሕውነታውን ስነ-መለኮታውን ሕብረት" ኮይኑ፣ ሕጂ ናብ ሓድሽ ኣስተንትኖን ምስክርነትን ተጸዊዑ ኣሎ።

ብሓባር ምስማዕን ምስትንታንን

ብፁዕ ካርዲናል ግሬች፣ ንቶም ብጾቶም ካርዲናላት ብቐጥታ ብምዝራብ ድማ መደረኦም መደምደሙ። ገሊአን ነዚ ናይ ምትግባሬ ደረጃ ክመርሓ እተጸውዓ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝርከባ ኣብያተ-ክርስትያን ክመራሕ እንከሎ፣ ካልኦት ከኣ ብላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኩርያ ሮማና  ኣቢለን ንኣድማሳዊ ቤተ-ክርስትያን የገልግላ። ይኹን እምበር ኵላቶም "ናይ ቤተ ክርስትያን ሕብረት ናይ ምሕላውን ንተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ናይ ምድጋፍን ሓላፍነት" ኣለዎም።

በዚ ምኽንያት እዚ ጉባኤ ካርዲናላት ኣብ ኣፈጻጽማ መስርሕ ሲኖዳውነት ዝገብሮ ኣበርክቶ፣ "ብፍላይ ኣገዳሲ" ክኸውን ኢዩ። ኣብዛ ዓሚቝ ለውጥታትን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ብድሆታትን ዝመልአት ዓለም፣ ሲኖዳውንት ንማሕበረሰብ ቤተ-ክርስትያን ንሕቶታት ደቅሰብ ንኽሰምዕን ነቲ ክውሰድ ዘለዎ ስጕምትታት ብሓባር ንኽፈልጥን ክሕግዝ ዝኽእል "ሚስዮናዊ ምንጪ" ኢዩ ዝመስል።

30 Jun 2026, 16:26