ድለ

2026.06.27 Cጉባኤ ካርዲናላት ራብዓይ ውዕሎ ኣብ ሲኖዶስን ክህነትን ዘተኮረ 2026.06.27 Cጉባኤ ካርዲናላት ራብዓይ ውዕሎ ኣብ ሲኖዶስን ክህነትን ዘተኮረ  (@Vatican Media)

ጉባኤ ካርዲናላት ራብዓይ ውዕሎ ኣብ ሲኖዶስን ክህነትን ዘተኮረ

ድሕሪ ቐትሪ ዕለት 27 ሰነ ዝተኻየደ ራብዓይ ውዕሎ ናይቲ ካብ ዕለት 26 – 27 ሰነ ፍልዩ ጉባኤ ካርዲናላት፡ ንካህናት “ጽቡቕ፡ ፈጠራዊ፡ ወንጌላዊ፡ ብተመሳሳሊ እዋን ካብ ቀሲሳውነት ዝረሓቐ” ምስሊ ክህነት ምቕራብ ኣድላይነቱ ከም ዘስተንተኑን። ብተወሳኺ ንቤተ ክርስቲያን ልክዕ ኣብቲ ንዓለም ክትምስክር ኣብ ዝተጸውዓሉ እዋን፡ ዝተሓላለኸ መስርሕ ምምኽኻር ከቢድ ሸኽሚ ኮይኑ ንክስምዓ ክገብር ዝኽእል ሓደጋ ዘተ ከም እተገበረሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ቀዳማይ ክፋል ናይቲ ራብዓይ ውዕሎ ፍሉይ ጉባኤ ካርዲናላት ዕለት 27 ሰነ በቆጻጽራ ሮማ ሰዓት 16፡00 ተጀሚሩ ከም እተኻየደን ገለ ካብቶም ኣብቲ ውዕሎ ዝተላዕሉ ኣርእስታት ሰቂለ ህሊናውን ታሪኻውን ሸነኻት ሲኖዳውነት ምዕማቕ፣ ንምእመናን ወንጌላውን ዘይቀሲሳዊ ምስሊ ክህነት ምቕራብ ዘጠቓልል ምንባሩ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ እቲ ውዕሎ (ሓድሽ ኣዳራሽ ሲኖዶስ) ከም ዝተኻየደን፡ ብካርዲናል ጆሴፍ ዊልያም ቶቢን ድማ ከም ዝተመርሐ የመላኽት።

ርህውቲ ቤተ ክርስቲያን

ድሕሪ እቲ ናይ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ጳጳሳት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ማሪዮ ግሬች ዘቕረብዎ ናይ መእተዊ ጸብጻብ ብዙሓት ካርዲናላት መደረ ከም ዘስምዑን፡ ብመሰረት ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን እቶም ካርዲናላት "ሕልኽላኻት ምምኽኻር ንቤተ-ክርስትያን ምስክርነት ክትህብ ኣብ እተጸውዓሉ እዋን ከበድ ዝፈጥረላ ክኸውን ይኽእል ኢዩ" ዝብል ዘለዎም ስግዓት ገሊጾም። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ፡ ክልቲኡ ሃይራርቃዊ ስርዓት ዘለዋ ቤተ ክርስቲያን ይኹን ህዝቢ ኣምላኽ፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ እኳ እንተዀነ፡ “መንፈስ ቅዱስ ንቤተ ክርስቲያን ዝብሎ ንምልላይ ኣብ ዝግበር መመያ” ከም ዝሳተፋ ደጊሞም ከም ዘረጋገጹን፡ እቶም ካርዲናላት ነቲ ናይ ምብራቕ ስርዓት ናይ ዝኽተል ካቶሊክ ማሕበረሰብ ኣበርክቶ ኣጕሊሖም፣ እቲ ናይ ሲኖዶስ ተመክሮኦም ንምልእቲ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ዚግበር ጕዕዞ ዓብዪ ኣበርክቶ ምዃኑ ብምምልካት፡ እቲ ራብዓይ ውዕሎ ሰዓት 17፡00 ከም እተዛዘመን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

29 Jun 2026, 15:54