ድለ

16th Ordinary General Assembly of the Synod of Bishops in Vatican 16th Ordinary General Assembly of the Synod of Bishops in Vatican  (ANSA)

መራሕቲ ቤተ-ክርስትያን ነቲ ናይ 2027-2028 ኣቅላሲያዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ንምድላው ኣብ ሮማ ተኣኪቦም

ሓፈሻዊ ቤት ጽሕፈት ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ መራሕቲ ኣህጉራውያን ተቕዋማት ቤተ-ክርስትያን፣ ነቲ ንሲኖዳውነት ኣብ ግብሪ ንምውዓልን፡ ምዕባሌታቱ ንምግምጋምን ንዝካየድ፣ ናይ 2027-2028 ኣቅላሲያዊ ጉባኤ ንምስንዳው ኣብ ከተማ ሮማ ይእከቡ ኸም ዘለዉ ኣፍሊጡ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብመሰረት እቲ ትማሊ ሰኑይ ብሓፈሻዊ ቤት ጽሕፈት ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጵሳት ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ መራሕቲ ኣህጉራውያን ተቕዋማት ቤተ-ክርስትያን፣ ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ከተማ ሮማ ንዝቕጽል ምዕራፍ ናይ ሲኖዶስ ሲኖዳውነት እተወፈየ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ኣኼባታት ክገብሩ ምዃኖም ሓቢሩ።

እቲ ካብ ዕለት 23-25 ሰነ ዝካየድ ኣኼባ ካብ ላቲን ኣመሪካ ኣፍሪቃ እስያ ኣውሮጳ ኦሽያንያ ማእከላይ ምብራቕ ከምኡውን ሰሜን ኣመሪካ ዝመጹ ተወከልቲ ኣህጉራውያን ማሕበራት ቤተ-ክርስትያን ምስ ኣወሃሃድቲ ጕጅለታት ሲኖዶስ ኣኼባ የካየዱ ኣለዉ።

ናይ ትግባሬ መደባት

ብመሰረት እቲ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ እዚ ኣኼባ ቤተ-ክርስትያን ድሕሪ ምዝዛም ስሩዕ መበል 16 ሓፈሻዊ ኣኼባ ሲኖዶስ ጳጳሳት ኣብ ጥቅምቲ 2024፣ ኣብ ምትግባሬ ናይዚ ሲኖዶስ ሲኖዳውነት ዝቕጽል ዘሎ ምዕራፍ እዩ። እዚ መስርሕ እዚ "በቲ ኣብ 2027-2028 ዝካየድ ኣቅላሲያዊ ጉባኤ ቤተ-ክርስትያን ኣኼባታት" ብዝብል ፍሉይ ኣኼባ ክካየድ ኢዩ።

ተሳተፍቲ ነቲ ቐጺሉ ዘሎ ደረጃታት ናይዚ ሲኖዳዊ ጕዕዞ ንምምራሕ ተባሂሉ እተዳለወ ኣቅላሲያዊ ኣኼባታት 2027-2028፣ ንደረጃታትን፣ መዐቀኒታትን፣ ከምኡውን መሳርሒታትን ንምድላው ኣብ ግምት ብምእታው ጉባኤ ይካይዱ ኣለዉ።

እቲ ሓፈሻዊ ቤት ጽሕፈት ከም ዝገለጾ፣ እቲ ሰለስተ መዓልቲ ዝወሰደ ዕዮ "ኣብ ትግባሬ ናይ መወዳእታ ሰነድ ናይ መበል 16 ስሩዕ ሓፈሻዊ ኣኼባ ሲኖዶስ ጳጳሳት" ኣብ ምስማዕ ዘተኰረ ክኸውን ከሎ፣ ካብ እተፈላለዩ ዞባታት ዓለም ናይ ዝመጹ ተሳተፍቲ ተመክሮታት ምልውዋጥ፣ ከምኡውን "ሓባራዊ ቀላሲ ተወሳኺ ተሳትፎታትን፣ ሓባራዊ ኣስተንትኖ ዘድልዮ ጕዳያትን" ኣብ ምልላይን ዘተኰረ ክኸውን ኢዩ።

ንኣከባቢያውይን ኣብያተ-ክርስትያን ምስናይ

ገለ ክፋል ናይቲ ውጥን፣ ነቲ ናይ ሲኖዶስ መስርሕ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፣ ኣብ ዝቕጻሉ እዋን ኣብ ኣከባቢያውያን ኣብያተ-ክርስትያንን ዞባዊ ጕጅለታት ኣብያተ-ክርስትያንን ንምትሕብባር እተወፈየ እዩ። ነዚ ዕዮ እዚ ኣብ ምድጋፍን ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥን ዘለዎ ግደ እውን ፍሉይ ቈላሕታ ኺግበረሉ እዩ።

እታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ምይይጥ፣ ኣብቲ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝተመልከት፣ "ሓደ ደረጃ ናይቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2028 ዝካየድ ኣኼባ ዝዛዘም ዝሰፍሐ ጕዕዞ ናይ ቤተ-ክርስትያን ዘተግብር ኣኼባታት" ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ።

ተሳተፍቲ ብዛዕባ ተሳትፎን ውክልናን ትጽቢትን ዝግበረሉ ውጽኢት ከምኡውን ብዛዕባ እቲ መስርሕን፣ ምስዚ መስርሕ ዘለዎ ግደ ሓፈሻዊ ቤት ጽሕፈት ዘቅርቦ ሓሳባት ክካፈሉ ኢዮም።

እቲ ኣኼባ ሓሙስ ምሸት ክዛዘም ኢዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ቀቅድሚ ምዝዛም እቲ ኣኼባ፣ ምስቶም ተሳተፍቲ ኣብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ሓፈሻዊ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ጳጳሳት ክራኸቡ እውን ከም መደብ ተታሒዙ ኣሎ።

ብመሰረት እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ ቐትሪ ዕለት 25 ሰነ ምስቶም ኣብቲ ኣኼባ እተሳተፉ ናይ ዘተ ክፍለ ግዜ ክሳተፉ ኢዮም።

24 Jun 2026, 10:45