ድለ

2026.01.08 Concistoro Straordinario - Terza Sessione

ቅድስቲ መንበር ነቲ ር. ሊ. ጳ. ምስ ካርዲናላት ዘካይድዎ ፍሉይ ጉባኤ ዝምልከት መደባት ኣውጺኣ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካብ ዕለት 26 ክሳብ ዕእልት 27 ሰነ ምስ ኣባላት ጉባኤ ካርዲናላት ክራኸቡ ኢዮም፣ ኣባኡ ድማ ኣብ ህሉው ኵነታት ቤተ-ክርስትያንን ዓለምን ዘተኮረ፣ ብዛዕባ ሰላምን ከምኡውን ኣብ ትግባሬ ሲኖዳውነት ዘተኰረ ፍሉይ ዘተ ከካይዱ ኢዮም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር፣ ቀቅድሚ እቲ በዓለ ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ካብ ዕለት 26 ካሳብ ዕለት 27 ሰነ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ፍሉይ ጉባኤ ካርዲናላት ዝምልከት መርሓ ግብር ኣውጺኡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ካርዲናላት ኣብ ዝላኸቡሉ ጉባኤ፣ ብዛዕባ እቲ ንዓለም ዘሳቕያ ዝለኦ ግጭታትን፣ ብዛዕባ እቲ ቤተ-ክርስትያን፣ ሰላምንን ዕርቅንን ንምህናጽ ብደረጃ ቛንቋን ኣተሓሳስባን ብኸመይ ክትረዳዳእ ከም ዘለዋ ክመያየጡ ኢዮም።

እዚ ጉባኤ እዚ ደድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ዝተኻየደ ፍሉይ ጉባኤ ካርዲናላት ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ፣ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ 170 ካርዲናላትን ድምጺ ምርጫ ዘለዎምን ዘይብሎምን ዝሳተፍዎ ጉባኤ ክኸውን ኢዩ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝተኻየደ ፍሉይ ጉባኤ ካርዲናላት ድማ፣ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ነዚ ሕጂ ክካይርድ ተመዲቡ ዘሎ ናይ ወርሒ ሰነ ጉባኤ ኣዊጆም፣ ነቶም ካርዲናላት ከአ "ኣባኻትኩም ክውከል ከም ዘሎኒ ይስምዓንን ይኣምንን ኢየ" ከም ዝበልዎም ዝዝከር ኢዪ።

ብመሰረት እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መርሓ ግባር፣ ዕዮ ናይዚ ፍሉይ ጉባኤ ካርዲናላ ብጸሎትን ጽሞና ብሕታዊ ኣስተንትኖና፣ ብጕጅላዊ ምይይጥን ከምኡውን ሓፈሻዊ ኣኼባታትን ዝካየድ ክኸውን ኢዩ፣ ነቲ "ሲኖዳዊ" ሜላ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣገባብ ድማ ክስዕብ ኢዩ።

ብፁዓን ካርዲናላት ሕውነታዊ ምልውዋጥ ምእንቲ ኺህሉ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣዳራሽ ዘካየድዎ ዘተ "ምስጢራውነት" ክሕልዎን፣ ኣብ እዋን ኮንሲስቶሪ ንመራኸቢ ብዙሓን ዝኾነ መግለጺ ከይህቡ ተሓቲቶም ኣለዉ።

ኣርባዕተ ጉባኤታት ኣስተንትኖ

ተሳተፍቲ እዚ ጉባኤ፣ ኣብ 20 ጕጅለታት ክከፋፈሉ እዮም። ትሽዓተ ጕጅለታት በቶም ተራ ዝዀኑ ካርዲናላት መረጽቲ ዝቘሙ ድማ ክዀኑ እዮም፣ ገለ ኻብዚኣቶም ኸኣ ሓዋርያውያን ልኡካን ቅድስቲ መንበር ካርዲናልት መረጽትን ከምኡ ውን ተራ ኣገልግሎቶም ዝወድኡ ካርዲናላትን ክኾኑ ኢዮም።

እቶም ዝተረፉ ዓሰርተው ሓደ ጕጅለታት ካርዲናላት መረጽቲ፣ ኣባላት ኩርያ ሮማናን ድምጺ ምርጫ ዘይብሎም ካርዲናላትን ዘጠቓለለ ክኸውን ኢዩ።

ነፍሲ ወከፍ ጕጅለ፣ ነቲ ዘካየድዎ ዘተ ዝመርሑን ግዜ ዝቆጻጸቱን ኣቦ መንበራትን፣ ንሓሳባት ተሳተፍቲ ዝእክብን ናይ መወዳእታ ጸብጻብ ጕጅለታቶም ዜዳልፍን ጸሓፊቲ እውን ኺህልውዎም ኢዮም።

እዚ ፍሉይ ጉባኤ ካርዲናላት ዝመጽእ ዘሎ ዓርቢ ዕለት 26 ሰነ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዝምራሕ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ባዜሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ክጅምር ኢዩ።

ብድሕርዚ እዞም ካርዲናላት፣ ነቲ ናይቲ ጉባኤ መኽፈቲ ሥነስዓት ንምስታፍ፣ ናብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ክኸዱ ኢዮም፣ ኣባኡ ድማ መደባቶም ብመዝሙር “ንዓ ኦ ፈጣሪ መንፈስ ቅዱስ” (Veni Creator Spiritus) ክኸፍትዎ ኢዮም፣ ሕለቃ ጉባኤ ካርዲናላ ብፁዕ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ሬ ዘቕርብዎ መደረን ከምኡውን ብቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝቐርበሎም ናይ መእተዊ ቃለ ምዕዳንን ብምክፋል ድማ ጉባኤኦም ክጅምሩ ኢዮም።

እቲ ቐዳማይ ኣኼባ፣ "ኣብ ኣየነይቲ ዓለም ኢና ወንጌል ክንሰብኽ እተጸዋዕና?" ኣብ ዝብል ሕቶ ዜተኵር ክኸውን ኢዩ። ብፁዕ ካርዲናል ዜጎሽ ሪሽ ሜጥሮፖሊታን ሊቀ ጳጳሳት ክራኮቭ ቅዱስ መጽሓፋዊ ኣስተንትኖ ከካፍልዎም ኢዮም፣ ድሕርዚ ናይ ጽሞና ጸሎትን ዘተ ጕጅለታትን ከምኡውን ኣብ ሓፈሻዊ ኣኼባ ጸብጻባት ምቕራብን ክስዕቡ ኢዮም።

ዓርቢ ድሕሪ ቐትሪ እቲ ኻልኣይ ኣኼባ፣ "ባህሊ ስልጣንን ስልጣኔ ፍቕርን" ብዝብል ኣርእስቲ ከስተንትኑ ኢዮም። ብፁዕ ካርዲናል ቪክቶር ማኑወል ፈርናንደዝ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፣ ኣብ ሓምሻይ ምዕራፍ ናይ “ግሩም ሰብኣውነት” (Magnifica humanitas) ተመርኲሶም ኣስተምህሮ ከካፍልዎም ኢዮም።

ንሓባራዊ ረብሓ ምህናጽ

ቀዳም ንግሆ ድሕሪ እቲ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብብፁዕ ካርዲናል ሬ ዚምራሕ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ ብፁዓን ካርዲናላት ናብ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ብምኻድ ዕዮኦም ኪቕጽሉ እዮም።

እቲ ሳልሳይ ኣኼባ፣ "ኣብ ሠናይ ምህናጽ፦ ናይ ዘመና ቦታታት ስራሕ" ብዝብል ኣርእስቲ ብፁዕ ካርዲናል ስቲቨን ብሪስሊን ሊቀ ጳጳሳት ሜጥሮፖሊታን ጆሃንስበርግን ኣቦ መንበር ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣስተንትኖ ክቐርበሎም ኢዩ።

እቲ ዝስዕብ ዘተ ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ንምህናጽ ዘጸግም ምክፍፋላት፣ ካብ ህዝብታትን ማሕበረሰባትን ዝለዓል ሕቶታት፣ ከምኡውን ኣከባቢያውያን ኣብያተ-ክርስትያንን ኣድማሳዊት ቤተ-ክርስትያንን ክህባኦ ዝኽእላ ደገፍ ኣብ ዘተኰረ ፍረ-ነገር ክኸውን ኢዩ።

እቲ ራብዓይን ናይ መወዳእታን ኣኼባ ድማ ቀዳም ድሕሪ ቐትሪ፣ ኣብ ሓድሽ ኣዳራሽ ሲኖዶስ ክካየድ ኢዩ፣ "መገዲ ትግባሬ ሲኖዶስ" ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዘተኮረ ድማ ክኸውን ኢዩ። ዋና ጸሓፊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት፣ ብፁዕ ካርዲናል ማሪዮ ግሬች ካብቲ ናብ ኣቅላሲያዊ ጉባኤ ብዛዕባ ሲኖዳውነት 2027-2028 ብዝብል ኣርእስቲ፣ መድረኻትን፡ መዕቀናትን፡ ከምኡውን መሳርሒታት ምድላው ንዝብሉ ኣርእስትታት ናይቲ ሰነድ ኣመልኪቶም መደረ ከቕርቡ ኢዮም።

እዚ ጉባኤ እዚ፣ ናይ መብርሂ መሕትታት፣ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ዝካርየድ ዘተ፣ ከምኡውን ካብ ሰለስተ ደቒቕ ዘይበዝሕ ናጻ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መደባት ዘጠቓልል ክኸውን ኢዩ።

በቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘቕረብዎ ናይ መደምደምታ መደረ ድማ፣ እዚ ፍሉይ ጉባኤ ካርዲናላት ክዛዘም ኢዩ፣ ስዒቡ ድማ መዝሙር “ስብሓት ለከ” (Te Deum)  ክዝምሩን ቀጺሎም ድማ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ብምኻድ ናይ ድራር እንግዶት ክካፈሉ ኢዩም።

ሰኑይ ዕለት 29 ሰነ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ብዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንክብረ በዓል ቅዱሳን ሓዋርያት ጴጥሮስን ጳውሎስን መሥዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ኢዮም።

24 Jun 2026, 10:47