ድለ

ቅድስቲ መንበር ኣብ ትሑት ምዕባለ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ኣገልግሎት ሕክምና ክብ ከብል ትጽውዕ ቅድስቲ መንበር ኣብ ትሑት ምዕባለ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ኣገልግሎት ሕክምና ክብ ከብል ትጽውዕ  (AFP or licensors)

ቅድስቲ መንበር ኣብ ትሑት ምዕባለ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ኣገልግሎት ሕክምና ክብ ከብል ትጽውዕ

"ኤይድስ ንምጥፋእ ሓድነት" ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኤችኣይቪ/ ሕማም ኤይድስ ንምጥፋእ ኣብ ዝመኸረ ላዕለዋይ ደረጃ ዓውደ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት 2026 ዓ.ም. ዝተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ተቓላዕትን ሕማም አይድስ ዘለወን ኣዴታትን ደቀንን እኹል መርመራን ቀጻሊ ጸረ - ረኽሲ ፍወሳን ክረኽባ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ዓለምለኻዊ መጠን ረኽሲ እናነከየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ 3 ሚእታዊት መጠን ተሰከምቲ ተህዋስ ኤችኣይቪ ምስ 12 ሚእታዊት ሞት ህጻናት ዝተኣሳሰር እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቃልሲ ኣንጻር ኤችኣይቪ/ኤይድስ ብደረጃ ዓለም ፍረ የፍሪ ኣሎ፡ ካብ 2010 ጀሚሩ ሓደስቲ ረኽሲ ምንካይ፡ ብዓቢኡ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ። ይኹን እምበር፡ ብዙሓት ሰባት ብፍላይ ኣብ ጎደና ምዕባለ ዝርከባ ሃገራት፡ ገና ካብ ጸረ - ረኽሲ ፍወሳ ተገሊሎም ከም ዘለዉን፡ ህጻናት ብፍላይ ተቓላዕቲ ኮይኖም ይቕጽሉ ኣለዉ፡ እቶም 3 ሚእታዊት ካብቶም ኣብ ግዜ ንእስነት ኤችኣይቪ ዘለዎም ህጻናት ምስ 12 ሚእታዊት ካብቶም ብሰንኪ እቲ ሕማም ዝሞቱ ይመጣጠኑ። እዚ መዓታዊ ትዕዝብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ 2026 ላዕለዋይ ኣኼባ ብዛዕባ ኤችኣይቪ/ኤይድስ "ሓድነት ኤይድስ ንምውጋድ" ዝብል ኣርእስቲ ኣማእኪሉ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዖ መደረ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ድሩይ ክንክን ሕክምና ንኣዴታትን ህጻናትን

ግዝያዊ ሓላፊ ጉዳያት ውሽጥን ወጻእን ቤት ጽሕፈት ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር የኔታ ማርኮ ፎርሚካ፡ "ጽሩይ ቅድመ ሕርሲ፡ ኣብ እዋን ሕርስን ድሕሪ ሕርስን ዝግበር ክንክን ጥዕና ንኣዴታትን ደቀንን ይከላኸል" ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ካብተን ኣብ ሓደጋ ዝርከባን ኤችኣይቪ ዘለወንን ኣዴታት ጀሚሩ እኹል መርመራን ቀጻሊ ሕክምናን ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ቅድስቲ መንበር "ኤችኣይቪ ዘለዎም ህጻናት ብኣግኡ ምርመራን ቀጻሊ ሕክምና ክረኽቡን፡ ምስ ዕድሚኦም ዝሰማማዕ ኣፋውስ" ውሕስነት ምሃብ ኣገዳሲ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ተራ ካቶሊካዊ ክንክን ጥዕና

ብወገኖም፡ ቀዋሚ ተዓዛቢ ተልእኾ ቅድስቲ መንበር፡ "ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት ርብዒ ካብ ኩሉ ምስ ኤችኣይቪ ዝተኣሳሰር ክንክን ዝህባ" ካቶሊካውያን ትካላት ጥዕና፡ ኩሎም ምስ ኤችኣይቪ ዝነብሩ ሰባት "ንባህርያዊ ሰብኣዊ ክብረቶም ኣኽቢረን ክንክንን ሓገዝን ክረኽቡ" እጃመን ኣብ ምቕራብ ክቕጽላ ምዃነን ድማ ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ውሕስነት ጸረ-ረኽሲ ኣፋውስ ምስፋሕ

የኔታ ፎርሚካ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ቅድስቲ መንበር "ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ምክልኻልን ሕክምናን ኤችኣይቪን ኤይድስን ዝተራእየ ምዕባለታትን ብሓፈሻ ኣብ 2001 ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ፈላሚ ላዕለዋይ ደረጃ ኣኼባ ካብ ዝካየድ ንደሓር ዝተራእየ ጭቡጥ ስጉምትታትን ኣፍልጦ ትህብ" እንክብሉ ኣነጺሮም። ሳላ ጸረ - ረኽሲ ፍወሳ፡ ሎሚ "ኤችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ነዊሕን ጥዑይን ህይወት ክነብሩ ይኽእሉ ኣለዉ፡" ቅድስቲ መንበር ግና "ዋጋታት ኣብ ምንካይን ተረባሕነት ሕክምና ኣብ ምስፍሕፋሕን ወሳኒ ኮይኑ ዝጸንሐ ብዙሕ ዓውድታት ዝሓቖፈ ምሕዝነት ዝያዳ ክድልድል ከም ዘለዎ ተተሓሳስብ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ንሰብኣዊ ክብሪ፡ ሓደ ዓይነት ሓልዮት ንኹሉ

ስለዚ ቀዋሚ ተዓዛቢ ተልእኾ ቅድስቲ መንበር ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መላእ ዓለም ብዙሓት ሰባት ክሳብ ሕጂ ካብ ክንክን ጥዕና ምዕባለ ምህዞን ምፍራይን ዓውድታት ተገሊሎም ከምዘለዉን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ  ሃገራት ስርዓታት ክንክን ጥዕና ምሕያልን "ንኹሉ ሓደ ዓይነት ክንክንን ኣተሓሕዛን ንምርግጋጽ ኣገዳሲ ምዃኑን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ህያብ ኣምላኽ ዝኾነ ክብሪ ደቂ ሰባት ምድንፋዕን ምሕላውን ኣበርክቶ ከምዝገብርን" ኣረጋጊጾም። እዚ እዩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ኣብ ታሕሳስ 2025 ኣብ ሊባኖስ ኣብ ዘካየድዎ ዑደት ኣብ ጃል ኤል -ዲብ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ደ ላ ክሮይስ ምብጻሕ ኣካይዶም "ብዙሕ ኩነታት ድኽነትን ተቓላዕነትን ሸለል እናበልና ኣብ ናይ ሓሶት ጽውጽዋያት ድሕንነት ተጣቢቑ ብናህሪ ዝጐዓዝ ሕብረተሰብ ክንሓስብ ኣይንኽእልን ኢና" እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ከም ዘዘኻኽሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

11 Jul 2026, 16:46