ድለ

ቅድስቲ መንበር: ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ንምድንፋዕ ስድራ ቤት ምድጋፍ ቅድስቲ መንበር: ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ንምድንፋዕ ስድራ ቤት ምድጋፍ  (AFP or licensors)

ቅድስቲ መንበር: ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ንምድንፋዕ ስድራ ቤት ምድጋፍ

ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ድኽነት "ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ዝሃቦ ሰብኣዊ ክብሪ ዝወርድ ከቢድ ገበን" ዝውክል ምዃኑ ኣስሚሮም፡ ንመዋቕራዊ ጸገማት ድኻታት ሃገራት ድማ "ኪኖ ሓጺር ግዜ" ምፍታሕ ብዘይብል ኣገባብ ክብዳህ ድማ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ስድራቤት ከም "ሕመረት ሕብረተሰብን ኣገዳሲ ምንጪ ጽንዓትን ምድጋፍ ድኽነት ንምጥፋእ፡ ማሕበራዊ ምርግጋእ ንምድንፋዕን ምሉእን ዘይነጻጸልን ሰብኣዊ ምዕባለ ንምዕዋት ኣበርክቶ ኣለዎ እክብሉ ኣብ ኒው ዮርክ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ዕለት 8 ሓምለ፣ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ውሑድ ምዕባለ ዘለወን ሃገራት፣ ኣብ ጎደና ምዕባለ ዝርከባ ሃገራት፣ ማእከላይ እቶት ዘለወን ሃገራት፣ ዕላማታት ዘላቒ ልምዓት ንምቅልጣፍ ኣሚቱ ብላዕለዎት ኣካላት ፖለቲካ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ተሳቲፎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ድኽነት ኣብ ልዕሊ ክብሪ ደቂ ሰባት ገበን እዩ

ነዚ ሸቶ እዚ ንምዕዋት ተወከልቲ ቅድስቲ መንበር "ኣብ ሃገራውን ኣህጉራውን ስርዓተ ሕጊ" ንስድራቤት ኣብ ዝምልከት ስርዓት ወፍሪ ክገብሩ ኣተባብዑ። ድኽነት ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት "ብፍላይ ከኣ ኣንስትን ቈልዑን" "እኹል ምግብን ዝስተ ማይን ክንክን ጥዕናን ትምህርትን ግቡእ ስራሕን" ከይረክቡ ዝገብር ከም ዝኾነን ወሲኾም ብምጒላሕ፡ እዚ ድማ "ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ውሽጣዊ ኽብረት ደቂ ሰብ ዘሕስርን ከቢድ ገበንን" ምዃኑ ብኣጽንዖት ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንመዋቕራዊ ዕንቅፋታት ልምዓት ምፍታሕ

ኣብ መወዳእታ ቀወምቲ ተዓዘብቲ ቅድስቲ መንበር ነተን ብቝጠባዊ መዳይ ተኣፋፍቲ ዝዀና ሃገራት "ካብ ናይ ሓጺር ግዜ ስጕምትታት ሓሊፍካ ነቲ ነባሪ ምዕባለ ዝዕንቀጽ መዋቕር ዕንቅፋታት ምፍታሕ " ደገፍ ምሕዳስን ምድልዳልን ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕሊሖም፡ እዚ ድማ ተበጻሕነት ቁጠባ ምምሕያሽ፡ ዝያዳ ፍትሓዊ ስርዓት ንግዲ ምትብባዕ ምትሕልላፍ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ተኻኣሊ ምግባር፡ ከምኡውን ኣገዳስን ርኡይን ስጉምትታት ምሕረት ዕዳ ምርግጋጽ ዘጠቓልል ክኸውን ኣለዎ እንክብሉ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

09 Jul 2026, 15:42