ድለ

2026.07.09 ማሪና ናታለ 2026.07.09 ማሪና ናታለ 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ተቕዋም ሃይማኖታዊ ተግባር - IOR ሓድሽ ኣባል ተቖጻጻሪ ኣካል ሸምዮም

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንማሪና ናታለ ናይ ተቕዋም ሃይማኖታዊ ተግባር ቅድስቲ መንበር - IOR ተቖጻጻሪ ሽማግለ ኣባል እንክብሉ ከም ዝሰመይዋን ናታለ እቲ ሰፊሕ ናይ ቀጠባን ምሕደራ ገንዘብን ኣመራርሓ ተመክሮኣ ኣብ ምሕያል ምሕደራን ስነ ምሕንጻጽ ውጥን ቀዳምነታትን እቲ ተቕዋም ኣብ ምድልዳል ዝህልዎ ግደ ኣብ ግምት ብምእታው ከም ዝሰመይዋ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ማሪና ናታለ ናይ ቅድስቲ መንበር ተቕዋም ሃይማኖታዊ ተግባር  - IOR ሓዳስ ኣባል ሽማግለ ተቖጻጻሪት እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ከም ዝሰመይዋን እዚ ስጉምቲ ምሕደራን ስነ ውጥንን ኣንፈትን እቲ ተቕዋም ንምሕያል ተወሳኺ ጸዓት ምዃኑ ናታለ ኣብ ጽላታት ባንክን ምሕደራ ሃብቲ ገንዘብን ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ዘለዋ ተመክሮ ኣብ ግምት ዘእተወ ውሳነ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ተቕዋም ሃይማኖታዊ ተግባር ዘውጸኦ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ናታለ ኣብ ምሉእ ዕድሚኣ ኣብ ገለ ካብ ፍሉጣት ትካላት ምሕደራ ሃብቲ ገንዘብ ኢጣልያ ኣብ ላዕለዎት ናይ መሪሕነት ጽፍሕታት ዘገልገለት ኣብ ስነ ውጥን፡ ሃብቲ ገንዘብ፡ ምሕደራ ትካላት፡ ውህደትን ምግዛእን ትካላትን ለውጢ ትካላትን ክእለት ዘማዕበለትን ኣብዚ መዳይ ሰፊሕ ተመክሮ ዘለዋ ምዃኑ ተቕዋም ሃይማኖታዊ ተግባር ዝሃቦ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን፡ ብመሰረት እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ፓውሊ፡ ምሻማ "ብመሰረት እቲ ተቕዋም ሃይማኖታዊ ተግባር ኣብ ኣገልግሎት ቅድስቲ መንበርን ቤተ ክርስቲያንን ኣብ መላእ ዓለም ንዝገብሮ ንጥፈታት ዝመርሕ መትከላት ግሉጽነትን ተሓታትነትን ቅንዕናን፡ ንዕላማታት ተቕዋም ሃይማኖታዊ ተግባር - IOR ንምስዓብ ኣገዳሲ ኣበርክቶ ዝውክል'ዩ" ምዃኑ ይሕብር።

ተቕዋም ሃይማኖታዊ ተግባር - IOR ኣብ ግዝኣት ከተማ ቫቲካን ሞያዊ ቁጠባዊ ንጥፈታት ንምክያድ ስልጣን ዝተዋህቦ እንኮ ትካል ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ 110 ሃገራት ምስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንዝተኣሳሰሩ ልዕሊ 12 ሽሕ ዓማዊል ናይ ባንክን ወፍርን ኣገልግሎት ከም ዘቕርብን ብመሰረት ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ኣህጉራዊ ደረጃታትን ቤተ ክርስቲያን ብሓላፍነት እትህቦ ንብረት ዘመሓድር ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን የዘኻክር።

10 Jul 2026, 11:32