ድለ

ጴጥሮሳዊ ምጽዋት 2025፡ ንተልእኾ ግብረ ሰናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምድጋፍ ጴጥሮሳዊ ምጽዋት 2025፡ ንተልእኾ ግብረ ሰናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምድጋፍ  (@Vatican Media)

ጴጥሮሳዊ ምጽዋት 2025፡ ንተልእኾ ግብረ ሰናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምድጋፍ

ናይ 2025 ዓመታዊ መግለጺ ጴጥሮሳዊ ምጽዋት ከም ዝሕብሮ ንቕዱስ ኣቦና ንኵላዊት ቤተ-ክርስትያን ኣገልግሎቶም ዝድግፍን ከምኡ እውን ቅዱስነቶም ኣብ 74 ሃገራት ንዝካየድ ውጥናት ቀጥታዊ ረድኤት ከምዝደገፉ ዘርእይ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጴጥሮሳዊ ምጽዋት ኣብ 2025 57.6 ሚልዮን ኤውሮ ኣታዊ ክረክብ እንከሎ፡ 59.8 ሚልዮን ኤውሮ ከም ዘውጸአ ወግዓዊ ዓመታዊ መግለጺ 2025 ይሕብር።

እቲ ጸብጻብ  ጴጥሮሳዊ ምጽዋት ር.ሊ.ጳጳሳት ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ምግልጋል ተልእኾኦም ንምቕጻልን ነቶም ሓገዝ ንዘድልዮም ዝጠቅም ብዙሕ ተበግሶታት ንምድጋፍን ንር.ሊ.ጳ. ዝወሃብ ምጽዋት እዩ።

ወጻኢታት ካብ እቶት ብ2.2 ሚልዮን ኤውሮ እኳ ክብ እንተበለ፡ እቲ ዝቕባበ ድማ ብሰንኪ ምልውዋጥ ሸርፊ ወጻኢ ከም ዝኾነን፡ እቲ ዝተረኸበ ወፈያታት 54.5 ሚልዮን ኤውሮ ብሰለስተ ቀንዲ መንገድታት ማለት፡ ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ኣብ ሰበኻታት ዝእከብ ምጽዋት ቀጥታዊ ወፈያታትን ንኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ብዝወሃብ ውርሻታትን ዝርከብ ኮይኑ፡ እቲ ዝዓበየ ብጽሒት ካብ ሰበኻታት ዝመጸ ኮይኑ፡ እዚ ድማ 3.7 ሚልዮን ኤውሮ ወይ 63.6 ሚእታዊት ካብ ጠቕላላ ኣበርክቶ ዝሽፍን እዩ። ናይ ብሕቲ ለገስቲ 5.4 ሚልዮን ዩሮ ክህቡ እንከለዉ፡ ትካላት ሓገዛት ድማ 13 ሚልዮን ኤውሮ፡ ሃይማኖታዊ ትካላት እውን 1.4 ሚልዮን ከም ዘበርከታ እቲ ዝወጸ ጸብጻብ ይሕብር።

ካብ ሰበኻታትን ውልቀሰባትን ዝተዋጽአ ወፈያታት፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝበዝሐ ገንዘብ ከም ዝወፈየትን እዚ ድማ 14.2 ሚልዮን ኤውሮ ከም ዝኾነን፡ ኢጣልያን ብ3.1 ሚልዮን ኤውሮ፡ ብራዚል ድማ ብ2.1 ሚልዮን ኤውሮ ይስዕባ።

ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓዋርያዊ ተልእኾ ምድጋፍ

ኣብ 2025 ጴጥሮሳዊ ምጽዋት ብድምር 54.5 ሚልዮን ኤውሮ ከም ዝረኸበን ካብዚ መጠን ገንዘብ እዚ 41.2 ሚልዮን ኤውሮ ንጥፈታት ቅድስቲ መንበር ኣብ ኣገልግሎት ሓዋርያዊ ተልእኾ ቅዱስ ኣቦና ንምድጋፍ ዝተመደበ ክኸውን እንከሎ፡ 13.3 ሚልዮን ኤውሮ ድማ ንዝተጸገሙ ቀጥታዊ ሓገዝ ዝገብሩ ውጥናት ዝቐንዐ እዩ።

እቲ ጸብጻብ ምስ ምድጋፍ ተልእኾ ቅዱስ ኣቦና ዝተኣሳሰር ወጻኢታት ኣብ 2025 ብድምር 404.5 ሚልዮን ኤውሮ ከምዝነበረ ይሕብር። ጴጥሮሳዊ ምጽዋት ካብቲ መጠን ገንዘብ ኣስታት 10 ሚእታዊት ከምዝሸፈነ ይሕብር።

እዚ ንጥፈታት እዚ ንከባብያዊ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ጸገምን ኣብ ፍሉይ ኵነታትን ስብከተ ወንጌል፡ ኣምልኾ፡ ንዝርጋሐ መልእኽትታትን ንሓዋርያዊ ልኡካንን፡ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት፡ ምዕቃብ ታሪኻዊ ቅርስታት፡ ስነ ትምህርታዊ ትካላት፡ ምዕባለ ሰብ፡ ትምህርቲ፡ ስነ ምርምርን ባህልን፡ ከምኡ’ውን ምስ ህይወትን ስድራቤትን ዝተኣሳሰር ተበግሶታት ዘጠቓልል እዩ።

ኣብ 74 ሃገራት ዝካየድ ውጥናት

ትካል ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ምጻዋት ብተወሳኺ ኣብ 74 ሃገራት ንዝካየዱ 252 ውትናት ቀጥታዊ ሓገዝ ብምምዋል ብድምር 13.3 ሚልዮን ኤውሮ ኣታዊ ከም ዝገበረን፡ እዞም ውጥናት እዚኣቶም ኣብ ሰለስተ መዳያት ተጠርኒፎም፡ ምስፋሕ ህላወ ወንጌላውነት፡ ማሕበራዊ ውጥናት፡ ከምኡ’ውን ንህላወ ወንጌላዊ ምድጋፍ።

እቲ ምወላ ንህንጸት ኣብያተ ክርስቲያናት፣ ገዳማት፣ ማእከላት ሓዋርያዊ ጉስነት፣ ኣብያተ ትምህርትን፣ ከምኡ’ውን ንቓዛ ዝኸውን ሓገዝ፣ ንማሕበረሰባት ከባቢ ደገፍ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ሃገራት ተልእኾን ፍሉይ ድሌት ዘለዎም ከባቢታትን ንዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት ሓገዝ ዘጠቓለለ እዩ።

ኣፍሪቃ ዝዓበየ ብጽሒት ቀጥታዊ ሓገዝ ምወላ ዝረኸበት ኮይና፡ ን73 ውጥናት 5.2 ሚልዮን ኤውሮ ከም እተወሃበትን። እስያ 3 ሚልዮን ኤውሮ፡ ኤውሮጳ 2.6 ሚልዮን ኤውሮ፡ ኣመሪካ 2.4 ሚልዮን ዩሮ፡ ኡቻይና ድማ 100 ሽሕ ዩሮ ከም እተወሃባን፡ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ፡ ኣብ ኤውሮጳ፡ ካብ ኣፍሪቃ፡ ላቲን ኣመሪካን እስያን ንዝመጹ ካህናት፡ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ኣብ ጳጳሳዊ መናብርተ ጥበብ ንኽመሃሩ ሓያሎ ናይ ትምህርቲ ዕድል ከም ዝተዋህበን፡ ንህዝቢ ዩክሬን ድማ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዝተዋህበን ሓቢሩ፡ እቲ ጸብጻብ “ኩላትና ብዘተን ርክብን ድልድላት ክንሃንጽ፡ ከም ሓደ ህዝቢ ክንጥርነፍ፡ ኩሉ ግዜ ብሰላም ክንነብር ደግፉና!” ብዝብል ብናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ጻውዒት ይዛዘም።

01 Jul 2026, 16:31