ድለ

ሓድሽ ሕጊ ናይ ቫቲካን ተቖጻጻርን ገንዘባውን ሓበሬታ በዓል መዚ ሓድሽ ሕጊ ናይ ቫቲካን ተቖጻጻርን ገንዘባውን ሓበሬታ በዓል መዚ 

ሓድሽ ሕጊ ናይ ቫቲካን ተቖጻጻርን ገንዘባውን ሓበሬታ በዓል መዚ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናይ ቫቲካን ተቖጻጻርን ገንዘባውን ሓበሬታ በዓል መዚ (ASIF) ስሩዕ ተሓድሶ ከም ዘጽደቑን፡ ናይ ኣቦ መንበርን ቤት ምኽርን ጽፍሕታት ብኣማኸርቲ ዝሕገዝ ብዋና ኣመሓዳርን ምክትል ኣመሓዳርን ብዝቖመ ምምሕዳር ኣካል ክትካእ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንጥፈታቱ ካብ ዝጅምር ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ዘቑጽር ናይ ቫቲካን ናይ ምቁጽጻርን ገንዘባዊ ሓበሬታን በዓል መዚ - Supervisory and Financial Information Authority  (ASIF) ናይ ኣቦ መንበርን ቤት ምኽርን ጽፍሕታት ብኣማኸርቲ ዝሕገዝ ብዋና ኣመሓዳርን ምክትል ኣመሓዳርን ብዝቖመ ምምሕዳር ኣካል ክትካእ ከም ዝገበሩን እቲ ዘጽደቕዎ ሕጊ ስሩዕ ተሓድሶ ክህልዎ ዝገብር ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ እንክሕብር፡ እዚ ስጕምትታት እዚ ንበይኑ እተገልጸ ተበግሶ ዘይኰነስ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ቫቲካንን ምስቲ ምሕጻብ ገንዘብን ምድጋፍ ግብረ - ሽበራን ምስፋሕ ጃምላዊ ጥፍኣት ዜምጽእ ኣጽዋር ንምክልኻልን ንምቅላስን ዚቈጻጸር ኣህጉራዊ መዐቀኒታት በብቝሩብ ዚሰማምዓሉ ንሓያሎ ዓመታት ዝወሰደ መስርሕ ምዃኑ ናይ ቅስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ይሕብር።

ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ተወፋይነት ንኣህጉራዊ ምኽባር

እቲ ጽገና ኣካል ናይቲ እናማዕበለ ዝኸይድ ዘሎ ኣህጉራዊ ምቁጽጻር ቅርጺ ኣብ ግምት ዘእተወ ኮይኑ፡

ምስ ግዜ ሓይሊ ዕማም ገንዘባዊ ስጉምቲ (FATF/GAFI)፡ ጉጅለ ኤግሞንት ኣሃዱታት ገንዘባዊ ስለያ፡ ከምኡ’ውን ነዚ ጉዳይ እዚ ዝምልከት ሕጊ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ ውሽጢ ስርዓተ ሕጊ ቫቲካን ምስቶም ናይ ቫቲካን ተቖጻጻርን ገንዘባውን ሓበሬታ በዓል መዚ (ASIF) ዝተዋህቦ ተልእኮ ዝመጣጠን ስራሕ ንዝፍጽሙ ሰበስልጣን ዝምልከት ረቛሒታት ዘመሓይሽን ዘደልድልን ምዃኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣተሓሒዙ፡ እቲ ሓድሽ ሕጊ ነዚ ምዕባለታት ምሉእ ብምሉእ ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ ብፍላይ ንኽልቲኡ ሻድሻይ መምርሒ ጸረ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ (AMLD VI) - ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ሕጋዊ ቅርጺ ቫቲካን ክሰጋገር እዩ - ከምኡ'ውን ኣብ ሕዳር 2025 ዝጸደቐ ሕጊ ጉጅለ ኤግሞንት ዝውከስ እውን ኮይኑ፡ እዚ ናይ ሕጊ እዋናዊ ሓበሬታ ቅድስቲ መንበር ምስ ቀንዲ ኣህጉራዊ ገንዘባዊ ተቖጻጸርቲ ትካላት ሃናጽን ቀጻልን ዘተ ንምዕቃብ ዘለዋ ተወፋይነት ዘንጸባርቕን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ዓለም ዝኣተወቶ ቃል ኪዳን ዘኽብር ምዃኑ የመላኽት፡

ስርሒታዊ ርእሰ-ምሕደራን ትካላዊ ተሓታትነትን፡ ኣድላዪ ሚዛን

ሓደ ካብ ማእከላይ ኣዕኑድ ናይቲ ተሃድሶ፡ ርእሰ-ምሕደራን ተግባራዊ ናጽነትን ናይ ቫቲካን ተቖጻጻርን ገንዘባውን ሓበሬታ በዓል መዚ (ASIF) ዝያዳ ምሕያል ኮይኑ፡ እዚ ድማ ብመሰረት ሕጊ ቫቲካን ንናይ ቫቲካን ተቖጻጻርን ገንዘባውን ሓበሬታ በዓል መዚ (ASIF) ብሓላፍነት ዝተዋህበ ናይ ምክትታልን ገንዘባዊ ስለያ ስርሓት ንዝፍጽሙ በዓል መዚ ብግልጺ ብዓለምለኻዊ ደረጃታት ዝተቐመጠ ጠለብ እዩ። ሓቀይና ናጽነት ዝጎደሎ በዓል መዚ ሓላፍነቱ ብኣድማዒ መንገዲ ክፍጽም ወይ ናይ ዓለምለኻውያን መዛኑኡ እምነት ክህልዎ ኣይክእልን እዩ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ እቲ ሓድሽ ስርዓት ድልዱል ቅርጺ ናይ ግዳማዊ ተሓታትነት የተኣታቱ፦ ሕጂ ናይ ቫቲካን ተቖጻጻርን ገንዘባውን ሓበሬታ በዓል መዚ (ASIF) ብመሰረት ዓንቀጽ 210 ሓዋርያዊ ቅዋም ስብኩ ወንጌል - Praedicate Evangelium  ብቐጥታ ናብ ቤት ምኽሪ ጉዳያት ቍጠባ ቅድስቲ መንበር ጸብጻብ ዝህብ እዩ።

እቲ ቤት ምኽሪ ዓመታዊ ጸብጻብ እቲ ብዓል ስልጣን ይቕበልን ገንዘባዊ ጸብጻቡ የጽድቕን ጥራይ ዘይኰነስ ብዛዕባ ንጥፈታት ናይ ቫቲካን ተቖጻጻርን ገንዘባውን ሓበሬታ በዓል መዚ (ASIF) በብእዋኑ ጸብጻባት ኪሓትት ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ኣብ መንጎ ስርሒታዊ ናጽነትን ትካላዊ ተሓታትነትን ንኣካል ቁጠባዊ ምሕደራ ቅድስቲ መንበር ዝተመጣጠነ ዝምድና ዝውክል እዩ፡ ክልተ ተጋራጫዊ ዘይኮኑ፣ እንታይ ደኣ ተመላላእቲ ዝኾኑ ጠለባት እያቶም።

ምሕደራ፦ ምስቲ ተልእኾ ዝመጣጠን መሓውር

ምስቲ ኣዝዩ ተግባራውን ፍሉይን ባህሪ ሓላፍነት ናይ ቫቲካን ተቖጻጻርን ገንዘባውን ሓበሬታ በዓል መዚ (ASIF)  ዝሰማማዕ፡ ከምኡ’ውን ምስ ቤት ምኽሪ ቁጠባ ቅድስቲ መንበር ዝደልደለ ናይ ተሓታትነት ዝምድና ዘንጸባርቕ፡ እቲ ሓድሽ ሕጊ ስሉጥ ኣገባብ ምሕደራ ይቕበል። ሕጂ ናይ ኣቦ መንበርን ቤት ምኽሪ ጽፍሕታት ብዋና ኣመሓዳርን ምኽትል ዋና ኣመሓዳርን ዝቖመ ምምሕዳር ተተኪኡ ኣሎ፡ እዚ ድማ ብኣማኸርቲ ተሓጊዙ፡ ብቑዕ ክእለት ናይ ምሃብ ዕማም ተዋሂብዎም ኣሎ። እዚ መሓውር እዚ ትካላዊ ምላሽ ንምዕባይ፣ መስመራት ሓላፍነት ንምንጽጻርን ምስ ናይ ደገ ተቖጻጸርቲ ኣካላት ዝያዳ ቀጥታዊ ርክብ ንምምችቻውን ዝተዳለወ ኮይኑ ልዑል ረግባራዊ ጽሬት ትንተናን ውሳነን ንምዕቃብ ዝዓለመ እዩ።

ንተግባራት ናይ ቫቲካን ተቖጻጻርን ገንዘባውን ሓበሬታ በዓል መዚ ዘንጸባርቕ መዋቕር

ውሽጣዊ ኣብያተ-ጽሕፈት እቲ ብዓል ስልጣን ብኣሰራርሓ ርእሰ - ምምሕዳርን ናጽነትን ንሰለስተ ቐንዲ መዳያት ንምንጽብራቕ እተወደበ እዩ፣ ንሳቶም ድማ ምክልኻልን ምምካትን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ፡ ምወላ ግብረሽበራውያንን ምብዛሕ ጃምላዊ ዕንወት ዘስዕብ ኣጽዋርን ዝምልከት ክትትልን ምቁጽጻርን፤ ገንዘባዊ ስለያ፤ ከምኡ’ውን ብጥንቃቐ ዝግበር ክትትልን ምቁጽጻርን ስሉጥ ምግባር እዩ። እቲ ሓድሽ ስግረ-ተግባራዊ መርገጺ ሓላፊ ጉዳያት ሕጊ፡ ሕጋዊ ምትእስሳር ኩሉ ንጥፈታት በዓል መዚ ዝያዳ የሐይል።

ናብ ተጠቀምቲ ተቕዋም ሃይማኖታዊ ተግባር - IOR ዝሰፍሕ ምቁጽጻር

ንሓለዋ ተጠቀምቲ ብዝምልከት፡ እቲ ሓድሽ ሕጊ፡ ኣብ መንጎ ተጠቀምትን ተቕዋም ሃይማኖታዊ ተግባር (IOR) ኣብ ዝፍጠር ዘይምርድዳእ፡ ንናይ ቫቲካን ተቖጻጻርን ገንዘባውን ሓበሬታ በዓል መዚ (ASIF) ኣብ ዘሎ ክትዓት ናይ ዳንይነት ስልጣን የስፍሕ። እዚ ስልጣን እዚ ኣቐዲሙ ኣብ ናይ ክፍሊት ስርዓት ጥራይ እተሓጽረ እኳ እንተ ነበረ ሕጂ ግን ናብ ተቕዋም ሃይማኖታዊ ተግባር - IOR ዝህቦ ምሉእ ገንዘባዊ ኣገልግሎታት ዝዝርጋሕ ኢዩ፡ በዚ ኸምዚ ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ ስርዓት ዝያዳ ስኒት ከም ዝህልዎምን ንተጠቀምቲ ዝያዳ ውጽኢታዊ ዕቝባን የረጋግጽ።

እቲ ብሓድሽ ሕግን እቲ ቐዳማይ ውሽጣዊ መምርሒታት ናይ ቫቲካን ተቖጻጻርን ገንዘባውን ሓበሬታ በዓል መዝን (ASIF) እተኣታተወ ሕዳሰታት ናይ መወዳእታ መስመር ዘይኰነስ ኣብ ቅድስቲ መንበር ገንዘባዊ ገበን ንምክልኻልን ገንዘባዊ ሓደጋታት ንምቍጽጻርን ድልዱልን ግልጽን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኣህጉራዊ ስርዓት እተኣሳሰረ ገንዘባዊ ትካላት ንምህናጽ ኣብ እትገብሮ ቐጻሊ ቘራጽነት ካልእ ኣገዳሲ ፍጻመ እዩ።

እዚ መገዲ እዚ ተግባራዊ ጽኑዕን ትካላውን ቈራጽነትን ብቐጻሊ እናማዕበለ ዚኸይድ ዘሎ ኣህጉራዊ መዐቀኒታት ንምምላእ ፍቓደይና ምዃን ዚሓትት እዩ።

01 Jul 2026, 16:26