ካህናትን ለፈብቭርያንን ምመናንን ናብ ካቶሊካዊ ሕብረት ንምምላስ ዝግበር ኣገባብ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ድሕሪ እቲ ዕለት 1 ሓምለ ዝተፈጸመ ናይ ምፍንጫል ተግባር፡ ናብ ካቶሊካዊ ሓድነት ምምላስ፡ ከም ኣብ ዝሓለፈ እዋን Ecclesia Dei - ቤተ ክርስቲያን ኣምላኽ ዝኣመሰሉ ፍሉያት ሽማግለታትን ተመክሮ ምድጋም ኣየድልዮን እዩ፡ ምኽንያቱ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ድሮ ንኽልቲኦም ካህናትን ዓለማውያን ምእመናንን ዝኸውን ኣገባብ ኣቐሚጡ ኣሎ፡ እዚ ድማ ብቐጥታ ንናይ ሰበኻ ጳጳሳትን ነቶም ነቲ ጥንታዊ ጽምብል ዝስዕቡን ምስ ሮማ ዝሓበሩን ሕውነትን ዘጠቓለለ እዩ።
እቲ መምርሒታት ኣብዘን መዓልትታት እዚኣተን በቲ ዕለት 2 ሓምለ ብናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዐልዋይ ቤት ጽሕፈት እተሓትመ መብርሂ ጽሑፍ ተገሊጹ ዘሎ ብናይ ቅድስቲ መንበር ልኡካን ኣቢሉ ከም እተመሓላለፈ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ዕርቂ ንካህናት
ካብ ዕለት 1 ሓምለ 2026 ጀሚሩ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዐልዋይ ቤት ጽሕፈት ዘቐመጦ ኣገባብ፡ ካብ ናይ ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ክህነታዊ ህውነት ክወጽእ ዝወሰነ ካህን - ከምኡ’ውን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ሕጋውነት Novus Ordo Missae - "ሓድሽ ስርዓት ቅዳሴ" (ብር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ 1969 እተኣወጀን ኣብ መጀመርታ 1970ታት ድሕሪ ኻልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እተኣታተወን ሮማዊ ስርዓተ ቅዳሴ ጽምብል ካቶሊካዊት ቤተ - ክርስትያን እዩ) ክቕበል ፍቓደይና ዝኾነ፡ ምስቲ ጥንታዊ ስርዓት ሊጡርጊያ ዝተጣበቐ እውን እንተኾነ - “መደበይና - ናይ ሃገረ ስብከት ጳጳስ፣ ናይ ጳጳሳዊ መሰል ዘለዎም ናይ ማሕበረሰብ ካህናትን ናይ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ላዕለዎት ኣሕሉቕ ወዘተ - ad experimentum - "ብፈተነ" ወይ "ንፈተነ" ክቕበልዎ ፍቓደይናታት ክኾኑ ኣለዎም።” እቲ ካህን “ብኢዱ ናብ ቅዱስ ኣቦና ደብዳበ ክጽሕፍ ኣለዎ፡ ኣብኡ ድማ ንቅዱስ ኣቦና ገዛእ ርእሱ ብምቕራብ ናብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ክምለስን ተቕባል ክረብን፡ ኣብኡ ድማ ብሰንኪ እቲ ካብ ቤተ ክርስቲያን ዝተሰጎገ ወይ ዘይስሩዕ ጳጳስ ዝረኸቦ ቅብኣት፡ ወይ ድማ ብብቕዑን ብሕጋዊ መንገዲን ማዕርገ ክህነት ዝተቐበለን፡ ብድሕሪኡ ኣባል ክህነታዊ ሕውነት ቅዱስ ፒዮስ 10 ስለዝኾነ፡ ዘጋጠሞ ነቐፌታታት ምሕረት ክግበረሉ ይሓትት።”
ሞያ እምነትን ቀመር ምትእስሳርን
እቲ ካህን ነቲ ናይ ክህነት ሽመት ምስክር ወረቓቕቱ እውን ኬጣምር ከምኡውን "Professio fidei - መግለጺ እምነትን Formula adhaesionis - ጸሎት ኣባልነትን ብምርግጋጽ ክታሙን ዕለትን ከንብር ኣለዎ። እዚ ንትሕዝቶ እምነት ካቶሊክ ኣሕጽር ኣቢሉ ዝገልጽ ጸሎተ ሃይማኖትን ከምኡውን እቲ ካህን ንር.ሊ.ጳ. ጳጳስ እሙን ምዃኑ ተመባጺዑ ንዕኦምን ንስልጣናዊ ትምህርቶምን ከየጥቅዕ ቃል ይኣትውን ናይ ሰዓብነትን ቃልን የንብር።
ንትምህርቲ ቍጽሪ 25 ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ሃምነናዊ ቅዋም ብርሃነ ኣህዛብ ንመምህር ቤተ-ክርስትያን ብዛዕባ ምስዓብ ዝገልጽ ውሳኔ ክቕበል ኣለዎ። ብመሰረት እቲ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ ከምኡውን ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማውን እተኣወጀ ኣበዓዕላ ሊጡርጊያ ቅኑዕ ከም ዝዀነን ነቲ ብር.ሊ.ጳ. ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማይ እተኣወጀ ኣብ ሕገ ቀኖና ዝተነብሩ ከም ዝስዕብን ክገልጽ ኣለዎ። ከምኡ እውን ኣብቲ ዝልእኮ ደብዳበ ኣብ ሰበኻ ወይ ኣብ ማሕበር ሰብ ውፉይ ህይወት ከም ተመካሪ ተቐባልነት ክረክብ ድልው ምዃኑ ክረጋግጽ ኣለዎ። ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት እቲ ሰነዳት ምስ በጸሖ ብኡንብኡ ኣብ ልዕሊኡ ዘንበሮ እገዳ ኣልዒሉ፡ ብናይ ሰበኻ ጳጳስ “ብውሑዱ ናይ ሓደ ዓመትን ካብ ሰለስተ ዓመት ዘይበዝሕን ናይ ፈተነ ግዜ ክወሃቦን ኣብ መወዳእታኡ ድማ ናይ ሰበኻ ኣባል ውሉደ ክህነት ናይ ምዃን መስርሕ ክጅመር ንዝምልከቶ ጳጳስ ይሓትት።
ዕርቂ ንዓለማውያን ምእመናን
እቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኸም ዝገለጾ እቲ መስርሕ"ብዛዕባ እቶም ብወግዒ ንክህነታዊ ሕውነት ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ዚስዕቡ ወይ ዝሳተፉ ምእመናን ምስ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ምሉእ ሕብረት ኪገብሩ ዚሓቱ ዚምልከት ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ናይ ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ሕውነት ካህናት ዝዀኑ ምእመናን እገዳ ምውሳድ "ብኡንብኡ ክውሰድ ኣይክእልን ኢዩ የግዳስ በብውልቂ ክግምገም ዘለዎ ጉዳይ እዩ ዝኸውን፡ ተኣማንነት ምሉእ ምርድዳእን ኮነ ኢልካ ስምምዕን ስለ ዝሓትት፡" ንኣብነት እቲ ምእመን "ኣባል ሳልሳይ ማሕበር ዓለማውያን ምእመናን ቅዱስ ፒዮስ 10 ድዩ ወይ ኣብ ሊጡራጊያዊ ጽምብል ካህናት ቅዱስ ፒዮስ 10 ብቐጻሊ ዝሳተፉን ምሉእ ብምሉ ሰዓብን ድዩ ናይቲ ማሕበር ጠመቓዊ ትምህርቲ ዝካፈል ድዩ ብንጹር ክሕብር ኣለዎ ይብል።
እቲ ክኽተል ዘለዎ ኣገባብ
እቶም እገዳ ዝተገበረሎም ምስ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ምሉእ ሕብረት ክገብሩ ዝሓተቱ ምእመናን ናይ ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ክህነታዊ ሕውነት ክስዕብዎ ዝግብኦም መስርሕ፡ "ንሰረተ - እምነት ካቶሊክ ምሉእ ብምሉእ ናይ ምምልላስን ንካቶሊካዊ ሃይራርቂ ምእዛዝን ኣብ ትሕቲ ስልጣን ናይቲ ከባቢ ተራ ኣካል ውሕስነት ሓድነት ናይታ ቤተ - ክርስትያን ዘጠቓልል ወግዓዊ ተግባር ዘመልክት ኢዩ።"
ስለዚ ካብ ክህነታዊ ሕውነት ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ክወጽእ ዝወሰነ ምእመን ንጳጳሱ መግለጺ እምነትን ጸሎት ኣባልነትን ዘረጋግጽ ክታምን ዕለትን ዝተነብሮ ደብዳበ ከቕርብ ኣለዎ።
"እቲ ሰነዳት ሓንሳእ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ምስ በጸሐ እቲ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ተራ ኣካል - ኣቡን ነቶም ምእመናን ኣብ ግዜኡን ብመገድታቱን ኪቕበሎም እዩ።”
ከም ኩሱሳት ዘይቁጸሩ ዓለማውያን ምእመናን
እቲ ሰነድ ኣስዒቡ እቶም "ኣብ ናይ ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ክህነታዊ ሕውነት ብቅዳሴ ወይ ብመንፈሳዊ ምኽንያታት ጥራይ እተኻፈሉ ምእመናን፤ ነቲ ምስ ቅድስቲ መንበር ዘሎ ውጥረት ዚፈልጡ እኳ እንተ ዀኑ ንስልጣናዊ ትምህርቲ ወይ ንስልጣን ጳጳስ ሮማ ዘይነጽጉ ምእመናን "ከም ተሓተትቲ ክቝጸሩ ዘይብሎም” ቢሉ ብምግላጽ፡ ነዚ ዳሕረዋይ ጕዳያት ብዝምልከት "ኣብ መጻኢ ኣብ ናይ ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ሕውነት ከይካፈሉ ውሳነ ብምግባር ናብ ሓደ ምሉእ ሕብረት ዘለዎ ካህን" ጥራት ምቕራቦም እኹል ምዃኑ የጒልሕ።