ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ጋለገር ናብ ሩስያ ምብጻሕ ከካይዱ ጀሚሮም
ዜና ቫቲካን
ምስ ሰበ-ስልጣን ሃገረ ሩስያን ምስ ተወከልቲ መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶ ዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ሞስኮን ካቶሊካውያን ምእመናንን ርክባት ኣብ ምክያድ ብስራሕ ትሑዝ ዝዀኑሉ መዓልትታት ይጽበዩም ድማ ኣሎ።
እዚ መደባት ናይ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ጸሓፊ ርክባት ቅድስቲ መንበር ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ውድባትን ናብ ፈደራላዊት ሃገረ ሩስያ ንምብጻሕ ዝቐረበ ውጥን ኢዩ ዝንበረ።
ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ትማሊ ናብ ሞስኮ በጺሖም ኣለዉ፣ ብዕለት 28 ነሓሰ ድማ ናብ ሮማ ክምለሱ ኢዮም።
ሎሚ ሰሉስ ዕለት 25 ነሓሰ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ምስ ሰርጌ ላቭሮቭ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈደራላዊት ሃገረ ሩስያ ክራኸብን፣ ቀጺሎም ድማ ምስ ኣቦ መንበር ክፍሊ ርክባት ወጻኢ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ናይ ሞስኮ መንበረ ፓትርያርክ ዝኾኑ፣ ብፁዕ ሜጥሮፖሊሳዊ ሊቀጳጵሳት ኣንቶኒ ብዓል ቮሎኮላምስክ ክራክራኸቡ ኢዮም።
ጽባሕ ረቡዕ ዕለት 26 ነሓሰ ድማ ሊቀ ጳጳሳት ጋለገር ምስ ዩሪ ኡሻኮቭ ተራዳኢ ርእሰ ብሔር ኣብ ናይ ወጻኢ ፖሊሲታት ፈደራላዊት ሃገረ ሩስያ ክራኸቡ ኢዮም።
እቲ ውጥን ቅድስቲ መንበር ሓደ ኻብቲ ኣብ ዓለምለኻዊ ርክባት ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዝኾነ እዋናት እውን ከይተረፈ ብመገዲ ዘተ ንምቕጻል ዝገበረቶ ቘራጽነት ዘረጋግጽ ኢዩ።
ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ጋለገር ዝገብርዎ ዘለዉ ምብጻሕ፣ ምስ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ እውን ዝመጽእ ዘሎ ሓሙስ 27 ነሓሰ ንኽራኸቡ ኣጋጣሚ ክኸፍተሎም ኢዩ።
ኣብታ ዕለት እቲኣ ምስ ካህናትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት ሰብኡትን ኣንስትን ብዝግበር ርክብ ክትጅምሩ ኢዮም፣ ስዒቡ ድማ ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ደበረ ንጹህ ጽንሰታ ዘቅድስት ድንግል ማርያም መሥዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ኢዮም።
ብድሕርዚ እዞም ጸሓፊ ርክባት ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ውድባትን ምስ ጳጳሳት እታ ሃገር ክራኸቡ ኢዮም።
ኣብ ሩስያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ብቝጽሪ ንእሽቶ ማሕበረሰብ እያ፣ ብጂኦግራፍያዊ መገዲ ድማ ኣብ ሰፊሕ ዞባ ተበቲና እትርከብ ዘላ ቤተክርስቲያን ኢያ። ዞባዊ ውድባታ ኣብ ሞስኮ ዝርከብ ሰበኻ እመ ኣምላኽን ዘመስኮን ከምኡ ውን ሰበኻ ዘቅዱስ ቀለሜንጦስ ዘ ሳራቶቭን፣ ሰበኻ ዘደብረ ታቦት ኣብ ኖቮሲቢርስክን፣ ሰበኻ ቅዱስ ዮሴፍ ኣብ ኢርኩትስክን ዘጠቓለለ እዩ።
ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ጋለገር ናብ ርእሰ ከተማ ሩስያ ክበጽሑ ንፈለማ እዋን ኣይኮነን። እቲ ናይ መወዳእታ ግዜ ዘካየድዎ ምብጻሕ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2021 እዩ ተፈጺሙ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ብፁዕነቶም ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሚካኤል ሚሹስቲን፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ሰርጌ ላቭሮቭን ከምኡ ውን ምስ ኣብቲ ግዜ እቲ ሓላፊ ክፍሊ ጉዳያት ናይ ወጻኢ ርክባት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ፓትርያርክ ሞስኮ ብፁዕ ሜጥሮፖሊሳዊ ሊቀጳጵሳት ሂላርዮን ተራኺቦም ምንባሮም ዝዝከር ኢዩ።