ድለ

2026.08.01 ሴኡል ንፈለማ እዋን ክርስትያናዊ – ኮንፉቻዊ ዓውደ ዘተ ከተአንግድ እያ 2026.08.01 ሴኡል ንፈለማ እዋን ክርስትያናዊ – ኮንፉቻዊ ዓውደ ዘተ ከተአንግድ እያ 

ሴኡል ንፈለማ እዋን ክርስትያናዊ – ኮንፉቻዊ ዓውደ ዘተ ከተአንግድ እያ

ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓበር ዘተ ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፡ ንክርስትያንን ኮንፉችያውያን ሃይማኖታት መራሕትን ምሁራትን ኣኪቡ ክልቲኦም ልምድታት ዝያዳ ፍትሓውን ሰላማውን ሰብኣውን ዓለም ንምህናጽ ብኸመይ ክሕግዙ ከምዝኽእሉ ብሓበር ክዝትዩ ይገብር።

ዜና ቫቲካን

መራሕቲ ሃይማኖታይ ክርስትያናትን ኮንፉቺያውን ምሁራትን ተወከልትን ካብ ዕለት 4 - 5 ነሓሰ ኣብ ሴኦል ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ሶጋንግ ንመጀመርታ ግዜ ክርስትያናዊ - ኮንፉቺዊ ንዓውደ ዘተ ክራኸቡ ኢዮም።

እዚ ኣኼባ እዚ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓበር ዘተ ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምስ ጉባኤ ካቶሊካውያን ኮርያ መንበረ ጥበብ ሶጋንግ ከምኡውን ኮንፉቺያዊ ተቕዋም ኮርያ ብምትሕብባር ዝወደቦ ኮይኑ፡ እቲ ኣኼባ "ሓድሽ ሰማይ፣ ሓድሽ ምድርን ዓብዪ ስኒት ዓብዪ ሓድነትን ክርስትያናዊ  - ኮንፊቺያዊ ምይይጥ ንህንጸት ምቹእ ሕብረተሰብ” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዝካየድ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ብመሰረት እቲ ቀዳም ዝወጸ መግለጺ ተሳተፍቲ ክርስትናን ኮንፉቺያን ሃይማኖታት ንገለ ኻብቲ ሎሚ ሕብረተሰብ ዘጋጥሞ ዘሎ ኣዝዩ ህጹጽ ብድሆታት ብኸመይ ብሓባር ምላሽ ክህቡ ከም ዝኽእሉ ክምርምሩ ምዃኖም ክፍለጥ እንከሎ፡ ክልቲኡ ትውፊታት ኣብ እተፈላለየ ቲዮሎጊያውን ፍልስፍናውን መሰረት ዝቖመ እውን እንተኾነ፡ ይኹን እምበር ክልቲአን ሃይማኖታት ንሰብኣዊ ክብረት ግብረ ገባዊ ውህደትን ሓላፍነት ዝስምዖ መሪሕነት ከምኡውን ሓባራዊ ረብሓ ከም ዘተሓሳስበን ወሲኹ ይገልጽ፡

እቲ ምይይጥ ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ ምግምማዕ፡ ግብረ ገባዊ ዘይርጉጽነት ኣከባብያዊ ብልሽውና ከምኡውን ኣብ ስግኣት ሰላም ዘተኰረ ክኸውን ኢዩ።

እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝሕብሮ፡ እቲ ዓውደ ዘተ ኣብ ዓውዲ ትምህርትን ግብረ ገባዊ ምምስራትን ህንጸት ሰላምን ክርስትያናዊ - ኮንፊቺን ብቐጻሊ ምትሕብባር ክህሉ ጻውዒት ብምቕራብ ክዛዘም ትጽቢት ይግበረሉ።

ኣዳለውቲ እቲ ኣኼባ ኣብ መንጎ ሰዓብቲ ክርስትናን ኮንፉቺን ነባሪ ናይ ዘተ ባህሊ ዘበግስ ክኸውን ተስፋ ይገብሩ።

03 Aug 2026, 17:22