ድለ

2026.08.20  Croce degli Sportivi a Taranto per i Giochi del Mediterraneo 2026. 2026.08.20 Croce degli Sportivi a Taranto per i Giochi del Mediterraneo 2026.  (cem)

ውድድራት ዞባ ማእከላይ ባሕሪ፣ "ስፖርት ንምስሊ ሕውነታዊ ዓለም የንጸባርቕ"

ኣብ ድሮ ውድድራት ስፖርት ታራንቶ ኣብ እተኸፍተሉ እዋን፣ ብብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር እተኸተመ ናይ ቴለግራም መልእቲ ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ልዮን መበል 14 ተላእከት፣ ኣብቲ ምልክት ናይቲ መደባት ዝኾነ መስቀል ስፖርተይናታት እተቐመጠሉ ካቴድራል ኣብ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ድማ እዛ መልእኽቲ ተነበበት። ካብዚ ውድድራት እዚ ንመንፈስ ዕርክነትን ተኣማንነትን ተመኲርናዮ ኣሎና፣ "ሓድሽ ንፋስ ተስፋ" ኪነፍስ ድማ ይኽእል እዩ ዝብል ምስክርነታት ይስማዕ ኣሎ።

ዜና ቫቲካን

ኣብ ከርማ ታራንቶ ኢጣልያ መበል 20 ዙር ውድድራት ስፖርት ዞባ ማእከላይ ባሕሪ ቅድሚ ምጅማሩ፣ ሒደት ሰዓታት ጥራይ ኣሪፍዎ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ ትማሊ ረቡዕ ዕለት 24 ነሓሰ፣ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ናይታ ሰበኻ "ክልተ ባሕሪ" ተባሂሉ ዝፍለጥ ሃገረ ስብከት ብፁዕ ኣቡነ ሲሮ ሚኒሮ ናይ መኽፈቲ መሥዋዕተ ቅድሴ ዓሪጉ። ብፁዕነቶም ኣብ ዘካፈልዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ድማ "ስፖርተይና ተወዳዳሪ  ትብዓት የርኢ፣ ጌጋታት ከይገብር ድማ ኣይፈርህን እዩ " ክብሉ ኣመልከቱ። እቲ ብመዝሙራት መንእሰያት ስፖርተይናታት ህያው ኰይኑ፣ ኣብ ካቴድራል ደበረ ቅድስቲ ካታልዶ ታራንቶ ኣብ ዝዓረፈ መሥዋዕተ ቅዳሴ ይስማዕ ንበረ፣ ነቶም ኻብ ዞባ ማእከላይ ባሕሪ ዝመጹ ተወዳደሪ ናይ 26 ሃገራት ከምኡውን ናይታ ናይ ቅድስቲ መንበር ኣትለቲካዊት ጋንታ ሃገረ ቫቲካን እትስመ ብዙሕ ስፖርታዊ ውድድራት ዝሳተፉ ተወዳደርቲ ዘለዋ ንእሽቶ ጋንታ ዝሳተፍዎ ውድድራት ስፖርት ዞባ ማእከላይ ባሕሪ ከም ዝጀመረ ድማ ዘመልክት እዩ ዝንበረ።

ኣብ ዞባ ፑልያ እትርከብ ከተማ ታራንቶ ብዓይኒ ስፖርት ጥራይ ዘይኰነስ፣ ኣብ ማእከል ኣህጉራዊ ኣቓልቦ ዜእትዋ ሓደ ፍጻመ ትጽበ ኣላ። ኣብዚ እዋን እዚ ከተማ ታራንቶ ኣብ ጐደናታትን ኣደባባያትን ምስ ስፖርታዊ ምንቅስቓሳት ትመሳስል እኳ እንተ ሓለወት፣ ነቲ ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ ፋብሪካ ብረት ዘጋጠመ ናይ ስራሕ ቅልውላው ዝኣመሰለ ማሕበራዊ ጕዳያት ግን ኣይረስዓቶን። ብፁዕ ኣቡነ ሚኒየሮ ነዚ ነጥቢ እዚ ድማ ኣብቲ ዘካፈልዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ኣጕልሖ። ምዕባለን ምሕዳስን እታ ኸተማ ኣብ ዕርቂ እተመርኰሰ እዩ፣ ከምቲ ኣብቲ ምሳሌ ናይቲ ምክሊት ከም እንረኽቦ፣ ንዓቃባውነትን ፍርህን ከኣ ናብ ፈጠራን ስጉምትታት ናይ ምውሳድ ክእለትን ክኣቱ ኣለዎ።

ውድድራት ስፖርት፣ ናይ ሓድነት ድልድል ኢዩ

እዚ ውድድራት ስፖርት እዚ ካብ ሎሚ ዕለት 25 ነሓሰ ክሳዕ ዕለት 3 መስከረም ኣብ ካቴድራል ሳን ካታልዶ ተተኺብሉ ዝርአ ናይ ስፖርት መስቀል፣ ብዛዕባ እቲ ልዕሊ ኣርባዕተ ሽሕ ተወዳደርቲ ዝረኸብዎ ዓወታት ከንጸባርቕ ኢዩ። ስፖርታዊ ውድድራት ዞባ ማእከላይ ባሕሪ ልክዕ ከም ካልእ ፍጻመታት ግጭትን ውጥረትን ዘይፍትሓውነትን የጋጥሞ ኣሎ። ይኹን እምበር እዘን ስፖርታዊ መዓልትታት እዚኣተን "ኣብ መንጎ ባህልታትን ህዝብታትን ድልድል ንምህናጽ፣ ተቐባልነትን ሓድነትን ሰላምን ንምድንፋዕ " ብመሰረት እቲ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ልዮን መበል 14 ብመንገዲ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ኣብ እተኸተመ ናይ ቴለግራም መልእኽቲ ከም ዝገለጽዎ ከምኡውን ኣብ መወዳእታ እቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ናይቲ ኣብ ታራንቶ ንስፖርታዊ መስቀል ዓቂቡ ዘሎ ካቴድራል ተነቢቡ።

"ትንቢት ሰላምን ሕውነትን"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ጸሎት መልእኣከ እግዚአብሔር ከም ዘመልከትዎ፣ ስፖርትዊ ውድድራት ዞባ ማእከላይ ባሕሪ "ትንቢት ሰላምን ሕውነትን" ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጾም። ብተወሳኺውን ነቶም ኣብ ሥርዓተ ኣቀባብላ መስቀል ስፖርት እተሳተፉ መንእሰያት ፍሉይ ሰላምታ ብምቕራብ፣ ናብ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ሚኒየሮ ኣብ ዝለኣክዎ ናይ ቴለግራም መልእኽቲ፣ "ነዚ ትጽቢታትን ተስፋታትን ሓጐስን ጻዕርን ኵሎም እቶም ስፖርታዊ ተመክሮታት ዝካፈሉ ዝሕብር ምልክት ድሕነት ብእምነት ኬስተንትኑ " ተማሕጸንዎም፣ " ብመንፈስ ዕርክነት ከኣ ነቲ  ውድድር ከካይድዎ ጻውዒት ኣቕረቡሎም። ሕውነትን ተኣማንነትን " ከም ሓቁ እኳ ደኣስ፣ ካብ ስፖርት እዩ ሓድሽ ንፋስ ተስፋ ከንፍስ ዚኽእል፣ እዚ ኸኣ ኣብ ቀረባ ግዜ፣ ነቲ ኲናት ደው ኬብሎ ኣይክእልን እዩ፣ የግዳስ ዝያዳ ሕውነት ዘለዎ ሰብኣውነት ንምህናጽ ተኽእሎ ክህልዎ ይኽእል እዩ ክብሉ ኣመልከቱ። ካብቲ ኣብ 2012 ኣብ ለንደን እተኻየደ ኦሎምፒካዊ ውድድራት ኣትሒዙ ትጽቢታትን ተስፋታትን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዘጣመረ ስፖርታዊ መስቀል፣ ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ ግጭት ካብ ዝርርብ ንላዕሊ ቐዳምነት ዝወሃቦ ከም ምዃኑን፣ ሕብረተሰብ ንምቕያር ዘደሊ ቋንቋ ስፖርት ምዃኑን ይገልጽ።

ካብ ውድድር ንላዕሊ ሕውነት

እቲ መስቀል ንብፁዕ ኣቡነ ሚኒየሮ ብኽልተ ተወከልቲ ኣትለቲካዊ ጋንታ ሃገረ ቫቲካና ኣብ ቅድሚ ብፁዕ ሊቀጳጵሳት ፖል ቲጌ ጸሓፊ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ባህልን ትምህርትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፍት ቅድስቲመንበርን ከምኡውን ካብ መደረ ታራንቶ ዝመጹ ቘልዑን ህጻናትን ኣቕረቡሎም። ክሳዕ መወዳእታ እቲ ጸወታታት ድማ ኣብቲ ካቴድራል ክጸንሕ ኢዩ። ብፁዕ ኣቡነ ሚኒየሮ ኣብቲ ዘካፈልዎ ስበከት ቃል ኣምላኽ፣ "ንስፖርታዊ ውድድራት ጥራይ ኣይኰንኩምን መጺእኩም ዘሎኹም፣ ንዓለም ሓያል ምስክርነት ሰላምን ተሳትፎን ሕውነትን ንምሃብ ኢኹም" በሉ። "እዚ  ፍጻመ እዚ ኣብዘን መዓልትታት እዚኣተን እንታይ ከም ዚፍጸም፣ ኣብ ታሪኽ ኪምዝገብ እዩ፣ ልዕሊ ዅሉ ግና በቲ ዝሓደጎ መንፈሳዊ፣ ማሕበራዊ፣ ሥነ-ምግባራውን ባህላውን ውርሻን፣ ነቲ ኻብ ገማግም ባሕሪ ኢዮንያ ናብ መላእ ዓለም ዜመሓላልፎ መልእኽትን፣ ናብ ወሰን ምድሪ ኺበጽሕ እዩ" ክብሉ መስከሩ። እዘን ቃላት እዚኣተን ነቲ ብዙሓት ሰባት ከም ጸወታ ገይሮም ዚርእይዎ መሰረታዊ ማሕበራዊ ግደ ኸም ዘለዎም ዝገልጻ ኢያተን። ብፁዕነቶም ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ እተዛረቦ ቓላት ብምዝካር፣ "ስፖርት ንኣካላትካ ምቍጽጻር ከም ውጽኢቱ ኸኣ ንገዛእ ርእስኻ ምቍጽጻር፣ ናብ ዝለዓለ ሸቶታት ዚመርሕ መገዲ ይኸውን ኢዩ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ምምዕባል መንእሰያት ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ " በሉ።

ምስ ፍልልያት ምንባር

ነቲ ኣብ ወንጌል ዚርከብ ብዛዕባ እቲ ምክሊት ዝገልጽ ምሳሌ ብምጥቃስ ድማ፣ ንስፖርት ከም ሓደ ኻብቲ ጐይታ ዝህቦ መክሊት ገይሮም ክርእይዎ ጻውዒት ኣቕረቡሎም፣ እዚ ኸኣ "ንጥቕሚ ርእስኻ ንምግልጋል ምስሊ ርእስኻ ንምምዕባል፣ መዝገብ ንምፍራስ ኣርእስተ ዜና ንምውጻእ ከምቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝዅንኖ ብኸንቱነት ተበጊሱ ብኻልኦት ከም ዝድነቑ ክግበሮም ይኽእል እዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ምስ ድኹማትን ድኻታትን ብምትሕብባር፣ ንምክፋል ግዜ ንምሃብ ንሰላም ኣብ ምህናጽ ኣበርክቶ ንምግባር ክውዕል ይኽእል ኢዩ።" ብተወሳኺውን ብፁዕነቶም ከም ዝገለጽዎ፣ ኣብ መደምደምታ - "ስፖርታዊ ውድድራት ብምክያድ፣ ካብ ኵሉ ባህልታትን ሃይማኖታትን ማሕበራዊ ድሕረ-ባይታን ምስ ዝመጹ ስፖርተኛታት ናይ ምርኻብ ኣጋጣሚ ኣሎካ። ኣብ በበይኑ ዝዓይነቱ ፍልልያት ጽባቐ ናይ ሕብረት፣ ብሉጽነት ይርክብ፣ ዕላማ ድማ ብሰላም እትነብርን፣ ሓርነት ከአ ብምኽባር ሰብኣዊ ስድራቤት ናይ ምፍጻም ሕልሚን ንምፍጻም ኣበርክቶ ንምግባርን እዩ።" ስለዚ ሳላ ስፖርታዊ ውድድራት ዞባ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ከትማ ታራንቶ ናብ መላእ ዓለም "ጭቡጥ መልእኽቲ ተስፋ" ክንልእኽ ንኽእል ኢና ክብሉ ተላበዉ።

25 Aug 2026, 11:03