ድለ

ብጹዓን ጳጳሳት ቺለ፥ ሓድሽ ርእሰ ብሔር ቦሪስ ሓላፍነቶም ነገልግሎት እታ ሃገር! ብጹዓን ጳጳሳት ቺለ፥ ሓድሽ ርእሰ ብሔር ቦሪስ ሓላፍነቶም ነገልግሎት እታ ሃገር! 

ብጹዓን ጳጳሳት ቺለ፥ ሓድሽ ርእሰ ብሔር ቦሪስ ሓላፍነቶም ነገልግሎት እታ ሃገር!

ኣብ ቺለ ድሕሪ ዝተኻየደ ህዝባዊ ምርጫ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር እቶም ብዕድመ ዝነኣሱ ንዅሎም መወዳድርቶም ብዘፊሕ ዝሰዓሩ ወዲ 35 ዓመት ሓድሽ ርእሰ ብሔር ቺለ ጋብሪኤል ቦሪክ ዕለት 11 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ሓላፍነትም ብወግዒ ክርከቡ ምዃኖም

ዕለት 19 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ኣብ ቺለ ቅድም ክብል ዝተኻየደ ህዝባዊ ምርጫ ሰዓርን ተዓሳርን ዘረጋግጽ ቅዋም ናይታ ሃገር ዝሓቶ ሚእታዊ ድምጺ በዘይ ምርኻቡ ድሕሪ ዝተኻየደ ዳግማይ ሕዝባዊ ምርጫ ወዲ ሳላሳን ሓሙሽተን ዓመት ናይ ተመሃሮ ምንቅስቓስ  መራሒ ዝነበሩ ናይ ጸጋም ዘመም ፖለቲካዊ ሰልፍ መራሒ ቦሪክ ኣብ ልዕሊ ቶም ናይ ክቱር ኣቃብን ክቱር ናይ የማን ዘመም ፖለቲካ ሰልፊ መራሒ ኾሰ ኣንቶኒዮ ካስት ብዝለዓለ ምልጫ ድምጺ ከም እተዓወቱን ብዙሓት ህዝቢ እታ ሃገር በቲ ዝተረኽበ ውጽኢት ህዝባዊ ምርጫ እውን ኣብ ኣደባባይት እታ ሃገር ሓጐሱ ከም ዝገለልጸን ብጹዓን ጳጳሳት ቺለ ድሕሪ ውጽኢት ህዝባዊ ምርጫ፥ ነቶም ሃገረ ቺለ ንኽመርሑ ዝተመርጹ ሃደስቲ ኣካላት ኣብ ለግስን ጻዕራማት ንሃገርን መስተውዓልትን ክዀኑ ሓደራ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቺለ ድሕሪ ዝተኻየደ ህዝባዊ ምርጫ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር እቶም ብዕድመ ዝነኣሱ ንዅሎም መወዳድርቶም ብዘፊሕ ዝሰዓሩ ወዲ 35 ዓመት ሓድሽ ርእሰ ብሔር ቺለ ጋብሪኤል ቦሪክ ዕለት 11 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ሓላፍነትም ብወግዒ ክርከቡ ምዃኖም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቦሪክ ከም ዝሰዓሩ ብወግዒ ምስ ተሓበረ እቶም መወዳድርቶምን ብሰፊሕ ዝተሳዕሩ ናይ ክርስቲያናዊ ማሕበረሰብ ግንባር ናይ የማን ኣኽራሪ ፖለቲካዊ ውድብ መራሒ ኾሰ ኣንቶኒዮ ካስት ንቦሪክ  ከም እተሰዓሩ ኣሚኖም ሰናይ ናይ ሓላፍነት ዘመን ተመንዮም እቲ ዝተረኽቢ ውጽኢት ድማ ኣብ ቺለ “ናይ ፒኖቸ መልካዊ ስርዓት” ምሉእ ብምሉእ ከምእተቐብረ ዘረጋገጽ እዩ እንክብሉ ናይ ርእሰ ብሔር ኣገልግሎት ዘመኖም ዘብቅዑ ፒኘራ እውን፥ “እቶም ሓድሽ ርእሰ ብሔር ብጥበብ ብልሓት ብርታዐ ከምኡ እውን ብሚዛናዊ ኣተሓሳስባ ከመይ ከም ዝመሓደር ከም ዝፈልጡ ተስፋ እገብር” ከም ዝበሉን እቶም ተዓዋቲ ጋብሪኤል ቦሪክ “ናይ መላእ ሃገረ ቺለን ህዝባን ርእሰ ብሔር ክኸውን እየ” እንክብሉ ከም ዝገለጹ ኣፍሊጡ።

ናይ ቺለ ብጹዓን ጳጳሳት መግለጺ

ናይ ቺለ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ሃገሮም ሕዝባዊ ምርጫ ዘዕተሮ ውጽኢት መሰረት ገይሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፥ ቅድም ቀዳድም ነቶም ሓድሽ ርእሰ ብሔር ንኽኾኑ እተመርጹ ቦሪክ እንቋዕ ሓጐሰኩም ቢሎም እታ ሃገር ኣብ ምትእምማን ዝመርሑን ከም ስልጣን ነገልግሎት ዝብል ዓቢይ ሓላፍነት ዝተረክቡን ከምዝበሉን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ናይ ሳንቲያጐ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ቺለ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ቸለስቲኖ ኣዐዝ ብራኮን ናይቲ ቤት ምኽሪ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ናይ ቺላን ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ሰርጆ ፐረዝ ደ ኣርሰ ኣሪያጋዳን ክታም ዝተነበሮ መግለጺ፥ “እግዚብሔር ነቲ ብዘይ ጥርጥር ዘድልየኩም ጥበብን ብርታዐን ክጽግወኩም ንጽሊ። እቲ ተልእኾ ወትሩ ካብ ዓቕምናን ክእለትናን ዝዓቢ እዩ እንተዀነ ግን ምስ ዜጋታትን ምስ እተፈላለዩ ማሕበራውን ፖለቲካውን ተዋሰእቲ ምትሕብባርን ከምኡ እውን ካብ እምነትን ካብ ዓሚቝ እምነት ዜጋታት ዝምንጨው መንፈሳዊ ብርታዐ ነቲ ዕላማ ብልግሲ ቈራጽነት ከምኡ እውን ብብልሓትን ምስትውዓልን ዘድልዮ እዩ እሞ ብዚ መገዲ እዚ እትነብርዎ ሓላፍነት ክኸውን ንምነ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

20 December 2021, 23:40