ድለ

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሰብ ሓዳር፥ ነፍሲ ወከፍኩም ፍሽኽታ ሓድሕድ የድልየኩም! መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሰብ ሓዳር፥ ነፍሲ ወከፍኩም ፍሽኽታ ሓድሕድ የድልየኩም! 

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሰብ ሓዳር፥ ነፍሲ ወከፍኩም ፍሽኽታ ሓድሕድ የድልየኩም!

ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ንስኻትኵም እትርከብሉ ጽንኵር ኵነት እዚ ንነፍሲ ወከፍ ሰብን ንሰብ ሓዳርን ብትሕትናን ብፍቕርን ብግልጽነትን ከሰንይ እደሊ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 19 መጋቢት 2021 – ዕለት 26 ሰነ 2022 ዓ.ም. ዓመት ስድራ ቤት - ናይ ፍቕሪ ሓሴት ምኽንያት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ በዓል ቅድስቲ ስድራ ቤት ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት 26 ታሕሳስ ንሰብ ሓዳር ቅርበትን ሓልዮን ቤተ ክርስቲያን ዘረጋግጽ ይቕረ ምባል ንዅሉ ቝስሊ ዜሕውይ ምዃኑ ዘዘኻኽር፥ ጸዋዕታ ተኽሊል ኣብቲ ገለ ገለ እዋን ነታ ጀልባ ኣብ ዘርይጉእ ማያት ባሕር ንቕድሚት ንኽትብል ዝወሃብ ጸዋዕታ ከምዝኾነን ኣብዚ ኵነት ህይወት እዚ ኢየሱስ ህልው ከምዝኾነ ክስትውዓል ዝላበው  መልእኽቲ ንሰብ ሓዳር ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም መጻምድንቲ -  ሕጹያትን ብፍሉይ ዝምልከት መልእኽቲ ዕለት 26 ታሕሳስ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድስቲ ስድራ ቤት ኣብ ዘብዓለትሉ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከም ዘመሓላለፉ ባዕሎም ብወግዒ ሓቢሮም፥ እዚ እውን ናብቲ ዓመት ስድራ ቤት - ናይ ፍቕሪ ሓሴት ዝዛዘመሉ ናብቲ ዕለት 26 ሰነ 2022 ዓ.ም. ናብ ዝካየድ ኣህጉራዊ ጉባኤ ስድራ ቤት ዘሰንይን ንመጻምድቲ - ሕጹያት ብፍሉይ ዝምልከት ኮይኑ፡ ብቐዳምነት ኣብዚ ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ ጽንኵር እዋን፡ብተደጋጋሚ ብዝእወጅ ሕጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ምፍንታትን መሸጐርን ምውሻብን ዝሓትት ድንጋገ ኣብ ልዕሊ ኣባይቲ ስድራ ዘስዕቦ ጸገም ቀሊል ከምዘይኮነ ብምዝኽኻር ኣብዚ ፍልዩ እዋን እዚ ፍቕሮምን ቅርበቶም እንክገልጹ፥

ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ንስኻትኵም እትርከብሉ ጽንኵር ኵነት እዚ ንነፍሲ ወከፍ ሰብን ንሰብ ሓዳርን ብትሕትናን ብፍቕርን ብግልጽነትን ከሰንይ እደሊ!

ዝብል ሓሳብ የመላኽቱ።

እግዚኣብሔር ንሰብ ሓዳር ዘለዎ ዘይ-ቅድመ ኵነታዊ ፍቕሪ

ቅዱስነቶ እቲ ንሰብ ሓዳር ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ህላወ ክርስቶም ኣብ መዓልታዊ ናብራ ስድራ ቤት ዘተኰረ ኮይኑ፡ ኵሎም ሰብ ሓዳር ካብ ቤት ወለዶም ወጺኦም ኣብ ሓዳር ሓድሽ ህይወት ክሃንጹ ከለዉ ልክዕ ከም ኣብርሃም ዝወጹ እያቶም።

እቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ይቐርጸና የሰንየና ብደረጃ ውልቅን ኣብ መወዳእታ ካብ ምድርና ንኽንወጽእ ይሕግዘና፡ እንተዀነ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ቅድሚ እዚ ሓድሽ ጽዋዕታ እዚ ፍርሂ ከጋጥም ዝከኣል እዩ - ካብ ምድርኻ ምውጻእ ዝፈጥሮ ፍርሂ!

ይዅን እምበር ግዜ እናሓለፈ ብዝኸይድ መጠን ኢየሱስ ኣብቲ ምውጻእ ስለ ዘሎ ቈልዑ ይውለዱን ይዓብዩን ሕማም ስቓይ ዘጋጥም እውን እንተዀነ ኣብ ሓዳር ኣብ ዘጋጥም ኵሉ ብድሆታት በይንና ከም ዘይኰንና ክርስቲያናዊ እምንትና የዘኻኽረና።

ምርዑዋት ሰብ ሓዳር “ናብታ ኣምላኽ እተመባጻዓ ምድሪ ብምባል ክልተ ግና ኣብ ኽርስቶስ ሓደ ይዀኑ - ህይወትካ ካብ ንጽል ናብ ንሕናውነት ይቕየር። እዚ ንሕናውነት እዚ ኣብ ህያውነት ክርስቶስ ዝንበር ኰይኑ መላእ ህይወትና ድማ የሰንየና።

ኣምላኽ ወትሩ ኣብ ጐድንኵም እዩ። ብዘይ ቅድመ ኵነት የፍቅረኵምን ንበይንዅም ኣይ ሓድገኵምን እዩ!

ምልክት ፍቕሪ ኣምላኽ ዝጸምኡ ቈልዑ

ድሕሪ እዚ ቅዱስነቶም ነቶም ውላድ ዘለዎም ሰብ ሓዳር እናሓሰቡ፥ ውሉድ ወትሩ ኵሉ ነገር ዝበሃልን ዝርእይዎን ናቶም ዝገብሩን ዘቃልብዎን ስለ ዝዀኑ ኣብ ስድራ ቤት በቲ ዝርእይዎም ዝሰምዕዎም ዝቕረጹ እውን ብምዃኖም፡ ወለዲ ኣብ ኵሉ ርክባቶም ፍቕሪ ክርስቶስ ንኽነብሩ እንክማሕጸኑ፥

ቈልዑ ወትሩ ውህበት እያቶም። ንታሪኽ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት ዝቕይሩ። ጽምኢ ፍቕርን ሞሳን ኣኽብሮትን ምትእምማንን ዘለዎም እያቶም። ወለዲ ስለ ዝዀንኵም ደቅኹም ውሉዳት ኣምላኽ ምዃኖም ብምስትውዓል ዝርከብ ሓጐስ ከተመሓላልፉሎም ትጽውዑ!

ቢሎም ኣስዒቦም፥ ቈልዑ ምዕባይ ቀሊል ዕማም ከም ዘይኩነ እሙን እዩ፡ እንተዀነ ግን ወለጺ ንደቃቶም ኣብ ምዕባዮም እንከሰንይዎም ብዘለዎም ናይ ወለዲ ሓላፍነት መሰረት ውሕስነትን ምትእምማንን ክስምዖም ዝገብሩ ክኹኑ የተሓሳስቡ።

ኢየሱስ ኣብታ ብማዕበል እትናጸወጽ ጀልባ ህያው እዩ

ሰብ ሓዳር ኣብ ቁምስናታቶም ንጡፋት ክኾኑ ቅዱስነቶም ተማሕጺኖም፥ ቤተ ክርስቲያን ነቶም ብዛዕባ ህላወ ኣምላኽ ብዙሕ ንዘይፈልጡ ኣባይቲ ስድራ ናይ ምስናይ ተልእዀ ኣለዋ። ንስኻትኵም ሰብ ሓዳር ኣብ ዕለታዊ ዕዮን ስራሕን እትዋፈሩ ብምዃንኵም ንሕብረተሰብ ናይ ምቕያር ተልእኾ ኣለኵም። ሓዳር ጸዋዕታ እዩ፡ ኣብ ማያት ባሕሪ ከም እትጓዓዝ ጀልባ፡ ብዙሕ ነገር ከጋጥሞ ዝከኣል እዩ። ኢየሱስ ወትሩ ኣብታ ጀልባ ህልው እዩ። ነቲ ዘናውጽ ማዕበል ከህድን እግሩ ምእንቲ ክትስዕቡን ኣብኡ ንኽርከብ ዕድመና ይጽበይ። ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ንበይንዅም ኣይኰንኵም!

የዕንትዅም ናብ ኢየሱስ ከቃልባ ኣገዳሲ እዩ። በዚ ከምዚ ጥራይ እዩ ሰላም ክርከብን ግጭታት ክስገርን ንጸገማት ፍታሕ ክርከብ ዝክእል፡ ልክዕ እዩ ጸገም ወትሩ ክህልው እዩ። እንተዀነ ግን በተን ናብ ኢየሱስ ዘቃልባ የዕንቲ መሰረት ዝርአይ ጸገም ብምዃኑ እታ ጀልባ ኣይክትጥሕልን እያ!

ሓዳር መዕቈቢ ኣብ እዋን ለብዒ!

ቅዱስነቶም ብዛዕባ እቲ ንስድራ ቤት ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ዘጋጥም ዘሎ ጸገማት እናሓሰቡ፥ ነዚ ዘሎ ህልው ኵነታት ስዒቡ ብዝሕንጸጽ ኣገባብ ሕይወት ማሕበራውን ስድራ ቤታዊ ህይወት ብዙሕ ከም እተተንከፈን ገና እውን ዝቕጽል ዘሎ ከምዝኾነን ወለዲ ካብ ቤቶም ኰይኖ ዕዮም ከሳልጡ ቈልዑ ካብ ቤቶም ኰይኖም ትምህርቲ ክከታተሉ ኣገዲዱን እዚ እውን ንብዙሓት ኣባይቲ ስድራ ንጸገም ከም ዝዳረገ ዝረአይን ዝንገርን ሓቂ እዩ። ይዅን እምበር ስድራ ቤት - ሓዳር ኣብ እዋን ለብዒ እውን መዕቆቢ ከምዝኾነ ተመስኪሩ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት ምቕባልን ምርድዳእን ዝህልዎ ቦታ ይዅን። ይቕረታ ሰላም ከይተበሃሃልካሉ ዘይድቀሶ ቤት ይዅን፡ ሰብ ሓዳር ኣብ ፊት ቅዱስ ቁርባን እውን ተንበርኪኾም ጸሎት ዝገብርሉ ግዜ ይሃልዎም።

ይቕረ ምባል ንዅሉ ቝስሊ ከም ዜህዊ ንዘክር። ይቕረ ምባል ቍስሊ ይፍውስ፡ ሓድሕዳዊ ይቕረ ምብህሃል ፍረ ናይቲ ብሱል ጸሎትን ምስ ኣምላኽ ናይ ዘሎና ርክብን እዩ!

እቲ ዝርአይ ዘሎ ለብዒ ገሊኦም ሰብ ሓዳር ኪጻወርዎ ናብ ዘይምክእልሉ ኵነት ደሪኽዎምን ክሳብ ምፍልላይ ከም ዘብጸሖምን እዚ ኵነት እዚ ኣብ ልዕሊ ውላድ እውን ድሩብ ጸገም ከስዕብ ይርአ ኣሎ፥ እዚ ኵነት እዚ ድማ ጓሂ ከም ዝፈጥረሎም ቅዱንቶም ገሊጾም፡ ነቶም ዝተፈላለዩ ሰብ ሓዳር እውን ቅርበቶም ፍቕሮም የረጋግጹ።

ናይ መሃዝነት ትብዓትን ፍሽኽታን

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ነቶም ንሓዳር ዝዳለዉ ዘለዉ ሕጹያት ናብ ሓዳር ንምብጻሕ ካብ ቀደም ሎሚ ኣዚዩ ጽንኩር ዝኾነ ጒዕዞ ከም ዘጋጥሞም ከስተውዕሉ ሓቢሮም። ስለዚ ኣብዚ ጒዕዞ እዚ ናይ መሃዝነት ትብዓት ክህልዎም ኣተባቢዖም፡ ነቶም ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ንኽንጸሉ እተገዱ ኣቦ ሓጐታትን ኣደ ሓጐታትን ብፍሉይ ህያው ተዘክሮ ደቅሰብ እንክብሉ ዘኪሮምን  ሰላምታኦም ድሕሪ ምቕራብ። ሰብ ሓዳር ጸዋዕታኦም ወትሩ ብፍሽኽታን ብውዕውዕ ስምዒት ኪነብሩ ብምትብባዕ በዚ ኣገባብ እዚ ኣብ ገጾም እናዓበየ ዝኸይድ ጓሂ ወይ ቕዛነት ከይህሉ መታን፥

ቅዱስ ዮሴፍ ንዅለን ኣባይቲ ስድራ ኣብዚ ዓቢይ ለውጢ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ መዋዕ ል ናይ መሃዝነት ትብዓት ንኽህልወን ኣስተንፎ ይዅነና፡ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ነቲ ሎሚ ዘጋጥም ዘሎ ጸገም ንኽንሰግሮ ብህጹጽ ዘድልየና ናይ ምርኻብ ባህሊ ኣብ ሓዳርኩም ንኸተዕብዩ ትሓግዙኩም!

ብዝብል ጸሎት መልእኽቶም ይዛዝሙ።

28 December 2021, 16:24