ድለ

ሶማሊያ ኣብ ትሕቲ ፖለቲካውን ሰብኣውን ቅልውላው ሶማሊያ ኣብ ትሕቲ ፖለቲካውን ሰብኣውን ቅልውላው 

ሶማሊያ ኣብ ትሕቲ ፖለቲካውን ሰብኣውን ቅልውላው

ርእሰ ብሔር ፋርማዦ ናይ ኣገልግሎት ዘመኖም ዕለት 8 ለካቲት ኣብቂዑን ብህዝባዊ ባይቶ ንኽልተ ዓመት ኣብ ስልጣኖም ክጸንሑ ዝብል ውሳኔ ጸዲቑን ላዕለዋይ ሓጋጊ ባይቶ ውድቂ ምስ ገበሮን ነዚ ስዒቡ ዝተኣታተወ ፖለቲካዊ ውጥረት እናበኣሰ ይኸይድ

ኣብ ሶማሊያ እቲ ክካየድ ዝነበሮ ህዝባዊ ምርጫ ድሕሪ ምስግጋሩ ፖለቲካዊ ውጥረት እናገደደ ይኸይድ ከምዘሎ ክንገር እንከሎ ኣህጉራውያን ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ግብረ ሰናይ ኣብ 2022 ዓ.ም. ልዕሊ 8 ሚሊዮን ዝግመት ህዝቢ እታ ሃገር ንዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅላውላው ክቃላዕ ምዃኑ ሓቢረን፡ ሰብኣዊ ኵነታት እታ ሃገር እዚዩ ዘሰክፍ ምዃኑ ኣብ ጸብጻብ እተመርኰዘ ሓበሬታ ብምቕራብ የረጋግጻ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሶማሊያ ኣብ ሓድሽን ጽንኵርን ፖለቲካዊ ቅልውላው ትርከብ! እታ ሃገር ድሮ በቲ ምስ ዓል-ቃይዳ ርክብ ዘለዎ ዓል ሻባብ እተሰምየ ጉጅለ ኣሸበርትን ካልኦቶ ጅሃዳውያን ዕጡቓት መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምናን ንዝተፈላለየ ሓደጋ እተቓልዐትን ናብ ዘስካሕክሕ ሰብኣዊ ቅልውላው ተብል ከም ዘላ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን ኣብ መንጐ ርእሰ ብሔር ሞሓመድ ኣብዱላሂ ሞሓመድ ፋርማዦን ብግብረ ብልሽውና ጥርጠራ መሰረት ብውሳነኦም ዕለት 27 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ስልጣኖም ዝኣገድዎም መራሔ መንግስቲ ሞሓመድ ሑሴን ሮብለን ዝተፈጥረ ብርቱዕ ውጥረት ምኽንያት እታ ሃገር ናብ ዝኸፍኤ ፖለቲካዊ ቅልውላው ተብል ከምዘላ ዜና ቫቲካን ምንጪ ዜናታት ሶማሊያ ጠቒሱ ይሕብር።

እተደናጐየ ሕዝባዊ ምርጫ

ርእሰ ብሔር ፋርማዦ ናይ ኣገልግሎት ዘመኖም ዕለት 8 ለካቲት ኣብቂዑን ብህዝባዊ ባይቶ ንኽልተ ዓመት ኣብ ስልጣኖም ክጸንሑ ዝብል ውሳኔ ጸዲቑን ላዕለዋይ ሓጋጊ ባይቶ ውድቂ ምስ ገበሮን ነዚ ስዒቡ ዝተኣታተወ ፖለቲካዊ ውጥረት እናበኣሰ ይኸይድ ከምዘሎን ዝሓለፈ ዕለት 25 ሚያዝያ ኣብ መንጐ ተጻባእቲ ጉጅለታት ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል እተፈጥረ ግጭት ዓሰርተ ሰባት ከም እተቐትሉን ክንገር እንከሎ ርእሰ ብሔር ፎርማዦ ስልጣኖም ክናዋሕ ዝብል ውሳኔ ኣይፋል ቢሎም ነቲ ንኽካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ሕዝባዊ ምርጫ ናይ ምድላው ሓላፍነት ንመራሔ መግንስቲ ሮብለ ብሓላፍነት ሂቦም እንከብቅዑ እቲ ክካየድ ዝነበሮ ሕዝባዊ ምርጫ እናተሰጋገረ ይኸድ ይገብሩ ብምህላዎም እዚ ነታ ሃገር ናብ ከቢድ ፖለቲካዊ ቅልውላው ይመርሓ ከምዘሎ ዜና ቫቲካን ምንጪ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ጠቒሱ የመላኽት።

ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ

ሮብለን ተቓወምቲ ናይ ፖለቲካ ውድባት፥ ርእሰ ብሔር ፋርማዦ ናይ ሓላፍነት ዘመኖም ኣብቂዑ ነታ ሃገር ብዕልዋ መንግስቲ እዮም ዝመርሕዋ ዘለዉ እንክብሉ ብርቱዕ ተቓውሞን ክስም ከስምዑ ከም ዝጀመሩን እዚ እውን ኣብታ ሃገር ብርቱዕ ፖለቲካዊ ቅልውላው ክብገስ ይገብር ከምዝሎ ክፍለጥ እንከሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለምን ሕብረት ኣፍሪቃን ሕብረት ኤወሮጳን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ብዘተ ፍታሕ ክግበረሉን ሰላምን ምርግጋእን ዘዳኽም ዝኾነ ይዅን ምስሕሓባትን ሓይሊ ምጥቓምን ክውገድ ጻውዒት የቕርቡ ከምዘለዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጅሃዳዊ መጥቓዕቲ

እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ጅሃዳውያን መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ንዝፍጽምዎ መጥቓዕቲ በሪ ይኸፍተሎም ከምዘሎን ዕጡቓት ሓይሊ ኣል ሻባብ መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ናይ ሶማሊያ ዝበዝሐ ከባቢ ገጠራት  ዝቆጻጸር ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብ ሞቓድሾ ኣዘውቲሮም እውን ግብረ ሽበራ ይፍጽሙ ከምዘለዉን ቅድሚ ሒደት መዓልታት ሶማሊያ ምስ ኬንያ ኣብ ዘዳብው ገማግም ላሙ ብዝፈጸመዎ መጥቓዕቲ ሽዱሽተ ሰባት ከምእተቐሉ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ሶማሊያ ጠቒሱ ይሕብር።

07 January 2022, 16:34