ድለ

ምዝብልናን ስደትን ኣብ ዓለም፥ መስጒግቲ ደው ይበል! ምዝብልናን ስደትን ኣብ ዓለም፥ መስጒግቲ ደው ይበል! 

ምዝብልናን ስደትን ኣብ ዓለም፥ መስጒግቲ ደው ይበል!

ፊሊፖ ግራንዲ ይብሉ፥ “እቲ ብዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝቐርብ ጸብጻብ እዚ ኣዕናዊ ግጭታት ንምፍታሕን ነቶም ኣብቲ ግጭት ኣብ ዘለሉ ከባቢ ዚርከቡ ንምክልኻልን መስጐጒቲ ንምውጋድን ከምኡ እውን ንንጹሃት ሰባት ካብ ኣባይቶ ንኺሃድሙ ዜገድዶም ጠንቅታት ንምፍታሕ ከም ናይ መጠንቀቕታ ጻውዒት ኮይኑ ከገልግል ኣለዎ”

ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣብ ውሽጢ ሒደት እዋርሕ ቍጽሪ ናይቶም ድሮ ኣብ ዓለም ካብ መረበቶም እተመዛበሉ ክውስኽ ይገብር ምህላዉ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጒዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ድርገት ሓላፊ ፊሊፖ ግራንዲ ገሊጾም፥ ንዝመዛበሉን ዝስደዱን ረድኤት ኣገዳሲ እውን እንተዀነ እቲ ናይ ጸገማቶም ቀንዲ መፍትሒ ሰላምን ርግኣትን እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዓቢይ ናይ መጠንቀቕታ ደወል፥ መስጐጒቲ ደው ምባል!

ፊሊፖ ግራንዲ ይብሉ፥ “እቲ ብዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝቐርብ ጸብጻብ እዚ ኣዕናዊ ግጭታት ንምፍታሕን ነቶም ኣብቲ ግጭት ኣብ ዘለሉ ከባቢ ዚርከቡ ንምክልኻልን መስጐጒቲ ንምውጋድን ከምኡ እውን ንንጹሃት ሰባት ካብ ኣባይቶ ንኺሃድሙ ዜገድዶም ጠንቅታት ንምፍታሕ ከም ናይ መጠንቀቕታ ጻውዒት ኮይኑ ከገልግል ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሓልዮ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ላዕለዋይ ድርገት ዘውጸኦ ሓድሽ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ከም ኢትዮጵያ ቡርኪና ፋሶ ሚያንማር ናይጀሪያ ኣፍጋኒስታን ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ዝኣመሰላ ሃገራት ዘጋጠም ዘሎ ሓድሽ ማዕበል ዓመጻ ወይ ነዊሕ ግጭት ኣብ መወዳእታ 2021 ዓ.ም. ቍጽሪ ናይቶም ብግዲ እተመዛበሉ ሰባት ድሮ ናብ 90 ሚሊዮን ክድይብ ከም ዝገበረ ነቲ ናይቲ ማሕበር ጸብጻብ ጠቒሱ የመላኽት።

ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም እቲ ሓደ ሚእታዊ ዝሽፍን ካብ መረበቱ ዝተመዛበለ እዩ

ልዕሊ ሓደ ሚእታዊ ህዝቢ ዓለም ካብ ቤቱን ንብረቱን ዝተመዛበለ ክኸውን እንከሎ እዚ ብቝጽሪ ክቕመጥ እንከሎ ብብዝሒ ህዝቢ መበል 14 ኰይና ናይ እትስራዕ ሃገር መላእ ህዝቢ ዝሽፍን ምዃኑ ናይ ውሽጢ ሃገር ተመዛበልቲ ጒዳይ ዝከታተል ማእከል ክሕበር እንከሎ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ እዚ ኣሃዝ እዚ ንስደተይናታት ነቶም ዕቝባ ዚደልዩ ሰባትን ነቶም ብሰንኪ ግጭት ካብ ዶቦም እተመዛበሉ 53.2 ሚሊዮን ሰባት ዜጠቓልል ምዃኑ ከም ዝሕብር ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ረድኤት መልሲ ኣይኮነን እንኮ መፍትሒ ሰላም እዩ!

ነቲ ጸብጻብ ዘቕረቡ ናይ ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጒዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ድርገት ላዕለዋይ ሓላፊ ግራንዲ፥ “እቲ ነቶም ኣብ ዩክረይን ካብ ውግእ ዝሃድሙ ዘለዎ ሰባት ዝወሃብ ዘሎ ኣህጉራዊ ምላሽ ኣዚዩ እወታዊ እዩ” ቢሎም “ከምዚ ዓይነት ምቅስቓስ ሓገዝን ድጋፍን ነቲ ኣብ ዓለም ዘጋጥም  ቅልውላው ከነቕርብ ኣሎና፥ ኣብ መወዳእትኡ ግን ግብረ ሰናይን ረድኤትን መዐገሲ ፈውሲ ደኣ እምበር ፍቱን መድሃኒት ኣይኮነን፥ ነዚ ኣንፈት እዚ ንምቕያር ንጹሃት ሰባት ኣብ ቤቶም ከቢድ ሓደጋ ኬጋጥሞም ከሎ ወይ ከኣ ኬምልጡን ኪማረኹን ምእንቲ ከይግደዱ ሰላምን ርግኣትን ጥራዩ እዩ እቲ መፍትሒኡ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ጸብጻብ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሓልዮ ላዕለዋይ ድርገት

ናይ ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጒዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ድርገት ብዛዕባ እቲ ኣብ 2021 ዓ.ም. ብግዲ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንኸግዕዙ ዝተገዱ ጒዳይ ዚገልጽ ሰፊሕ ዓለምለኻውን ዞባውን ሃገራውን ክሳዕ ሚያዝያ 2022 ዓ.ም. ብዝርዝር ዝሕብር ዓመታዊ ጸብጻብ ዕለት 16 ሰነ 2022 ዓ.ም. ብወግዒ ንንባብ ከቕርብ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ናይቲ ላዕለዋይ ድርገት መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

24 May 2022, 16:51