ድለ

ኣህጉራዊ መዓልቲ ኣንጻር ሽቕሊ ሕጻናት፡ ር.ሊ.ጳ.፥ ነዚ መዓት እዚ ምውጋድ! ኣህጉራዊ መዓልቲ ኣንጻር ሽቕሊ ሕጻናት፡ ር.ሊ.ጳ.፥ ነዚ መዓት እዚ ምውጋድ! 

ኣህጉራዊ መዓልቲ ኣንጻር ሽቕሊ ሕጻናት፡ ር.ሊ.ጳ.፥ ነዚ መዓት እዚ ምውጋድ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ . . . አዚ መዓት እዚ ደው ንምባል ዝተኣትወ መብጽዓታትን ኣድላዪ ቘራጽነትን ብምዝካር፡ ዝሓለፈ ዕለት 19 ሕዳር ቈልዑ ኣብ ናይ ምህርቲ መስርሕ ዓለምለኻዊ ቝጠባ ብኸመይ ይምዝመዙ ከም ዘለዉ ብምዝካር ዓለም ለኻዊ ቍጠባ መኽሰብን ኣታውን ምርካብ ኣብ ዝክብል ኣምር ዝቘመ ብምዃኑ ሕጻናት ናይዚ ኪደት ኤኮኖሚ እዚ ኣደዳ ኮይኖም . . .

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 12 ሰነ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መላኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ዕለቱ ዓለም ሓቆፍ ኣንጻር ሽቕሊ ሕጻናት ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥ ኣብ ዓለም 160 ሚሊዮን ዝዀኑ ብፍላይ ከኣ ካብ ሓሙሽተ ክሳዕ ዓሰርተ ዓመት ዝዕድመኦም ሕጻናት ኣብ ሽቕሊ ሕጻናት ከምእተዳጐኑ መንግስታትን ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ መዓት እዚ ንምውጋድ ኣበርቲዑ ክዓዪን መሰልን ክብረትን ቈልዑ ንምርግጋጽ ዘኽእል ባይታ ውሑስ ኣብ ምግባር ክነጥፉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብፍላይ ሕጻናት ኣብ ስራሕ ምውፋር፥ እዚ ብለብዒ ኮቪድ - 19 ብዘስዓቦ ከቢድ ድኽነት እዚዩ ክብ እናበለ ይኸይድ ከም ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ሓልዮ ሕጻናት ነዚ መዓት እዚ ንምውጋድን ኵነታት ሕጻናት ናይ ምቕያር ዕቝር ሓይሊ ኣሎና ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሽቕሊ ሕጻናት፥ ሃደ ካብ ዓሰርተ ቈልዑ ዓለም ዝምልከት

ካብ 2000 ዓ.ም. ንነጀው ንመጀመርታ ግዜ ቍጽሪ ናይቶም ካብ ሓሙሽተ ክሳዕ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ዝዕድመኦም ቈልዑ ከም ዝወሰኸን ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዓለም ኣብ 2020 ዓ.ም. ብድምር 160 ሚሊዮን ሕጻናት ኣብ ስራሕ ዓለም ከም እተዳጐኑን እዚ ብዝሒ እዚ እውን ካብቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ዝነበረ ዳርጋ ብ17 ሚሊዮን ክብ ከም ዝበለ ኣህጉራዊ ናይ ስራሕ ጒዳይ ዝከታተል ውድብ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ከም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ እተጋደደ ኵነታት

ናይቶም ኣብ ቁልዕነቶም ኣብ ስራሕ ዓለም ንኽዋፈሩ እተገዱ ብዝሒ ክብ ክብል ዝደረዀ ሳዕቤን ናይቲ ኮቪድ - 19 ዘስዓቦ ማሕበራውን ቍጠባውን ቅልውላው እዩ። እዚ ድማ ንሚሊዮናት ቈልዑ ናብ ድኽነት ከም ዝደረኾም ማዕከን ሓልዮ ቈልዑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዋና ኣመሓዳሪት ካተሪን  ራስል ገሊጸን - “እዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ሽቕሊ ሕጻናት ኵነታት ዘጨንቅ እዩ። ሳዕቤኑ ኣዚዩ  ጎዳኢ ከም ዝኾነን . . . ሽቕሊ ሕጻናት ናይ ነፍሲ ወከፍ ሕጻናት መሰል ዝግህስ ኣብ ልዕሊ ቈልዑ ምዝመዛን ህስያን ዓመጻን ዘስፍሕ እዩ። ናይ ሕጻናት ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰልን ክብርን የዳኽም መጻኢኦም ይድርት ናብ ዝስካሕክሕ ድኽነት ነኸብሉ እውን ይድርኾም” ከም ዝበላ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ረድኤት መደባት ብግቡእ ዘይምቕራብ

ኣብ መላእ ዓለም ንሰለስተ ሺሕ ዝኸውን ናይ ደገፍ ውጥናት መሳለጢ ዝውዕል ሓገዝ ከም ዝቐረበን ካብ ኣርባዕተ እቲ ሓደ ጥራይ እዩ ናይዚ እዚ ሓገዝ  ረብሓታት ክረክብ ዝኽእል . . . ድኻታት ኣባይቲ ስድራ ምሕጋዝ ቈልዑ ናብ ኣባይቲ ትምህርቲ ክኸዱ ምሕጋዝ እዩ። ካብ ስራሕ ከም ዝርሕቝ ምግባርን ንሰራሕተይናታት ህጻናት ናብ ቤት ትምህርቲ ክምለሱ ምፋቃድን ትምህርቲ ኣብ ህይወት ዘለዎ ኣገዳስነት ዝገልጽ” ምዃኑ ራስል ከም ከም ዘመላኸታ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ቃል ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዕለት 17 ግንቦት ኣብ ዱርባን እተኻየደ ናይ ስራሕ ጒዳይ ዝኸታተል ኣህጉራዊ ማሕበር ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ምዝመዛ ሸቃሎ መብዛሕቲኡ ግዜ ንቘልዑ “ናይ ንእስነቶም ሓጐስን ኣምላኽ ዝሃቦም ክርበቶምን” ከም ዝግህስ ኣጒሊሖም፡ . . . አዚ መዓት እዚ ደው ንምባል ዝተኣትወ መብጽዓታትን ኣድላዪ ቘራጽነትን ብምዝካር፡ ዝሓለፈ ዕለት 19 ሕዳር ቈልዑ ኣብ ናይ ምህርቲ መስርሕ ዓለምለኻዊ ቝጠባ ብኸመይ ይምዝመዙ ከም ዘለዉ ብምዝካር ዓለም ለኻዊ ቍጠባ መኽሰብን ኣታውን ምርካብ ኣብ ዝክብል ኣምር ዝቘመ ብምዃኑ ሕጻናት ናይዚ ኪደት ኤኮኖሚ እዚ ኣደዳ ኮይኖም ምርኣይን እተን ክጻወታ ዝግብኤን ኣእዳዎም ከይጻወታን ሕልምታቶምን ምቕታል እዩ” ቢሎም ከም ዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

13 June 2022, 15:59