ድለ

ቡርኪና ፋሶ፥ ቅልውላው እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን 50 ደቂ ኣንስትዮ ተጨውየን! ቡርኪና ፋሶ፥ ቅልውላው እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን 50 ደቂ ኣንስትዮ ተጨውየን!  (AFP or licensors)

ቡርኪና ፋሶ፥ ቅልውላው እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን 50 ደቂ ኣንስትዮ ተጨውየን!

ኣመሓዳሪ ዞባ ሳሄል ንስድራ ቤት ግዳያት ሓገዞምን ቅርበቶምን ኣረጋጊጾም መንግስታዊ ሰበ ስልጣን “ኣብዚ ብፍላይ ጽንኵር እዋን እዚ ኣብ ጐድኖም ከም ዝኾኑ ገሊጾም

ኣብ ቡርኪና ፋሶ ዞባ ሳሄል ዕጡቓት ሓይልታት ኩነታት መነባብሮ ኣዚዩ ከቢድን ዘይጽወርን ምግባር ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ጥሪ ዕለት 12 ኣስታት 50 ደቂ ኣስንትዮ ብዕጡቓት ተቓወምቲ ሓይልታት ከም እተጨወያ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እንተ ብውሕዱ 50 ደቂ ኣንስትዮ በቶም ኣብ ቡርኪና ፋሶ ሰሜናዊ ከባቢ ሳሄል ዝንቀሳቐሱ ተቓወምቲ ከም እተጨወያን እተን ኣንስቲ ካብቲ ዝነብራሉ ቑሸት ሒደት ኪሎ ሜትር ርሒቐን መግባዊ ፍረታት ከናድያ እንከልዋ ከም እተጨውያን ክንገር እንከሎ፡ መንግስቲ፥ እተን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዕለት 12 ጥሪ ኣትሒዘን ከም እተጨውያ ክሕብር እንከሎ፡ ኣብ ዞባ ሱም ከባቢ ኣርቢንዳ ብሸነኽ ምዕራብ ካብ ዝርከብ ቁሸት ሊኪ ቁሩብ ኪሎ ሜትር ርሕቐት እንከለዋ ብኣሸበርቲ ዕጡቓት ሓይልታት ከም እተጨውያ ከም ዝሓበረን፥ ኣዴታትን ኣዋልድ ደቃተን ዝርከብኦን ብውሑዱ 50 ዝኾና ዝተጨውያ ደቂ ኣንስትዮ ንምርካብ ጻዕርታት የካይድ ምህላዉ ከፍልጥ እንከሎ፥

ንነዊሕ እዋን ዝቕጽል ዘሎ ናዕቢ

ቡርኪና ፋሶ ሓንቲ ካብተን ምስ ናዕቢ ዝቃለሳ ዘለዋ ሓያሎ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ እያ። መንግስቲ ነቲ ናዕቢ ብኣድማዒ መገዲ ንምግታእ ኣብ ዘይክእለሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ 2022 ዓ.ም. ክልተ ሳዕ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ከም ዘጓነፋን እዚ ድማ ፖለቲካዊ ምርግጋእ ከይህሉ ዝገብር ኮይኑ፡ እስላማዊ ጸንፈይናታት ብዝፍጽምዎ ዓመጽ ኣሽሓት ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣብ መላእ ሳሄል ልዕሊ 2.7 ሚሊዮን ዝግመት ህዝቢ ከም እተመዛበለን፡ እዚ ዘሎ ዘይምርግጋእ ድማ ንናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ ብብርቱዕ ይጸልዎ ብምህላዉ ስእነት መግብን ጥሜትን ንኽውስኽ ዓቢይ ኣበርክቶ ኮይኑ ከም ዘሎን፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ብዙሓት ክፋላት እታ ሃገር ኣብ ኢድ ዓማጽያን ሓይልታት ብምእታወን ርክባት ከተማታት ክቋረጽ እውን ከም ዝገበረን እዚ እውን ንጹዕቕ ሕጽረት መግቢ ይዳርግ ምህላዉን መሰረታዊ ቀረብ ናብ ዜጋታት ንምብጻሕ ሓደገይና እናኾነ ይመጽእ ምህላዉ ዜና ቫቲካን ምንጪ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ጠቒሱ የመላኽት።

ኣዝማድ እተን ዝተጨውያ ደቂ ኣንስትዮ ንሮየተርስ ኣገልግት ዜና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እተን ግዳያት ኣብቲ ዓዲ ንስድራ ቤተን እዅል መግቢ ስለ ዘይነበረ ኣብ ከባቢአን ናብ ዘሎ ዱር ንመግቢ ዝኸውን ቁጥቋጥ ንኸናድያ ከም ዝወጻ ሓቢሮም። ኣመሓዳሪ ዞባ ሳሄል ንስድራ ቤት ግዳያት ሓገዞምን ቅርበቶምን ኣረጋጊጾም መንግስታዊ ሰበ ስልጣን “ኣብዚ ብፍላይ ጽንኵር እዋን እዚ ኣብ ጐድኖም ከም ዝኾኑ ገሊጾም፡ ዕዉት ውጽኢት ንምዕታር ተወፋይነቶም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርንስ ጠቒሱ ኣፍሊጡ።

18 January 2023, 16:15