ድለ

ካቶሊካዊ ካህን ካብ ዳቮስ፥ ‘ሰባት ፍታሕ ይጽበዩ ኣለዉ’ ካቶሊካዊ ካህን ካብ ዳቮስ፥ ‘ሰባት ፍታሕ ይጽበዩ ኣለዉ’  (AFP or licensors)

ካቶሊካዊ ካህን ካብ ዳቮስ፥ ‘ሰባት ፍታሕ ይጽበዩ ኣለዉ’

እቲ ናይ 2023 ዓ.ም. ዓለም ለኸ ቁጠባዊ መድርኽ መርሕ ቃል፥ “ኣብ ዝተበታተነት ዓለም ብሓባር ምስራሕ” ዝብል

እቲ በቢ ዓመቱ ኣብ ስዘላድን ዝካየድ “ዓለም ለኸ ቁጠባዊ መድርኽ ዳቮስ” ድሕሪ ክልተ ዓመት ካብ ዕለት 16 – 20 ጥሪ 2023 ዓ.ም. ከምእተካየደን፡ ኣብ ዳቮስ ካቶሊካዊ ቆምስ ኣባ ኩርት ሱሳክ ብዛዕባ እቲ ንመላእ ዓለም ፖለቲከይናታትን ናይ ስነ ቁጠባ ሊቃውንትን ስነ ጥበባውያንን ዘራኽብ ፍጻመ ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዓለም ለኸ ቁጠባዊ መድርኽ ድሕሪ ክልተ ዓመት ዝተኻየደ ምዃኑን ኣብ ውሽጢ እዚ ክልተ ዓመት ዓለማዊ ኵነታት ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ተቐይሩ እዩ፡ ኣብ ኩሉ ከባቢ ዓለም ዝተፈላለየ ማዕቅፍ ዘለዎ ቅልውላው ትሰምዕ፡ “ቅልውላው ከም ቅዲ” ዝኾነላ ዓለም፥ ማለት ቅልውላው ቁጠባ ቅልውላው ከባቢ ኣየር - ንብረት ቅልውላው ጸዓት ወይ ጉዳያት ለውጢ ቀረብ ዝኣመሰሉ ብድሆታትን ካልኦትን ጠቒሶም ይብሉ ኣባ ኩርት ኩሳክ፥ ፍታሕ ዝህብ ክኸውን ተስፋ ከም ዘለዎም ገሊጾም፥

ሰባት መፍትሒ ናይ ግርጭትን ዓለማዊ ቅልውላዋትን ብተስፋ እዩ ዝጽበ ዘሎ!

እዚ ዓለም ለኸ መድርኽ ብህዝቢ ኣፍልጦ ዝወሃቦ፡ መፍታሒታት፥ እቲ ኣብ ዓለም ዝርአ ብዙሕ ግርጭታትን ብድሆታትን ናብ ምምሕያሽ ዘምጽእ እንተኾንዩ እዩ፡ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝተበታተነ ዓለም ‘ብሓባር ምዕያይ’ የድሊ

እቲ ናይ 2023 ዓ.ም. ዓለም ለኸ ቁጠባዊ መድርኽ መርሕ ቃል፥ “ኣብ ዝተበታተነት ዓለም ብሓባር ምስራሕ” ዝብል እዩ። እዚ ምብትታን ኵላትና ብዓለም ኣርካን ይኹን ብውልቂ ዘጋጥመና እዩ። ፍርሒ መጻኢ እውን ኣሎ። ሩስያ ኣንጻር ዩክረይን ተካይዶ ዘላ ኲናት ጠቒሶም፥ እዚ ናይ ሓቂ “ስግኣት ሳልሳይ ውግእ ዓለም” ከምዘሎን በዚ ኣረኣእያ እዚ ድማ ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ኵነት እዚ ኣዚዩ ኣገዳስን ማእከላይን ተስፋ ዝህብ መልእኽቲ ተቕርብ። ሓድነት ብብዙሕነት ብዙሕነት ኣብ ሓድነት ክንነብር ትዕድም” ኢሎም።

እዚ ሃልዮ እዚ ድማ ንሕና ኣብ ዳቮዝ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምእመናን ጸሎት ገይሮም ነቲ ናይ ዳቮስ ዓውደ ኣኼባት ኣሰንዮም እዮም።

ጽሞናን ጸሎት

“ፍትሓውን ሰላማውን ዓለም ንምሕናጽ ዝያዳ ጽሞናን ጸሎትን የድሊ፡ ንመላእ ሰብኣዊ ፍጥረትን ምህዳርን ናይ ሓባር ቤትናን ብልክዕ ጽቡቕ ውሳነታት ክውሰዱ መታን፥ ኣብ ዳቮስ ዝርከባ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ነቲ ናይ ዳቮስ ዓለም ለኸ ቁጠባዊ መድርኽ ብጽሞናን ብጸሎትን ኣሰንየን እየን። . . . ኣብ ዝሓለፈ እዋን ቤተ ክርስቲያን ብብዙሕነታ ብግባረ ስነ መለኮታ ከምኡ እውን ኣብ ማሕበራዊ ስነ ምግባራታ ንብድሆታት ዝተፈላለየ ዘመን ብተደጋጋሚ ‘ዘደንቕ መልሲ” ረኺባን ሓቢራን እያ፡ “ደጋጊምካ ነቲ ዘቕረበቶ ዘደንቕ መፍትሒ ምዝካር እዩ ዘድሊ። ቅድሚ ሕጂ ቫቲካን በብዓመቱ ናብቲ ዓለም ለኻዊ ቁጠባ መድርኽ ልኡኻት ትልእኽ እያ። ኣብ ናይ ዝሓለፉ መድርኻት ብጹዕ ካርዲናል ፔተር ቱርክሶን ወይ ብጹዕ ካርዲናል ማይክል ችዘርንይ ኣብ ሓደ እዋን እውን ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ተወኪላ ከም ዝነበረት ኣባ ሱሳክ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዘኪሮም፥ ኣብዚ ናይ 2023 ዓ.ም. መድርኽ ልኡካት ኣይሰደደትን እቲ ልኡካን ዘይምልኣኽ ንገዛእ ርእሱ “ዓብይ መልእኽቲ እዩ” ክብል እደፍር። ከምቲ ኣብ ሓደ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ መድረኽ ኣብ ዘመሓላሊለፍዎ መልእኽቲ “ኵሉ ተባሂሉ እዩ . . . ሕጂ ግብሪ እዩ ዘድሊ” ዝብል ዘስመሩሉ ሓሳብ ንምዝኽኻር ይመስለኒ፡ ሓቂ እዩ ዝበሃል ኩሉ ተባሂሉ እዩ ስለዝ እቲ መፍትሒ ፍሉጡ እዩ፡ ነቲ ናይ መፍትሒ ሃልዮ ኣብ ሕብረተሰብ ኣስሪጽካ ናብ ተግባር ምቕያር እዩ ዘድሊ ኢሎም።

ነቓፊ ድምጽታት

ዛዕባ እቲ ናይ ዳቮስ ኣኼባ ቅድም ደሓርን ምክያዱን ብዙሕ ነቓፊ ድምጽታት ከም ዝወሃቦ ንጹር ምዃኑ እውን ኣዘኻኺሮም፥ . . .

ኣብ ዓለም ለኸ ቁጠባዊ መድርኽ ዝእከብ ላህመታይ ክፍሊ ሕብረሰብ ዝቃወም ዝቐርብ ካብ ዝተፈላለየ ኵርናዕ ዝመጽእ ነቓፊ ድምጽታት ኣሎ፡

እወታዊ ጐድኒ ናይቲ ዓለም ለኸ ቁጠባዊ መድርኽ

ንገለ እወታዊ መዳይ ናይቲ ዓለም ለኸ ቁጠባዊ መድርኽ ምጥቃስ እውን የድሊ፡ ንኣብነት እቲ ዋዕላ ኣብ ዝካየደሉ ቅነ ናይ ዳቮዝ ኤኮኖሚ ዝድርኽ ፍጻሜታት ይረአ፡. . . “ካብ ዓለም ለኸ ቁጠባዊ መድርኽ ናብ ናይ ፍራንቸስኮ ኤኮኖሚ ምግዓዝ የድሊ፥ እቲ ናይ ፍራንቸስኮ ኤኮኖሚ ከም ቁጠባ ንሰላም እምበር ንኲናት ከይውዕል ዝድርኽ ከይዲ ኤኮኖሚ ምድንፋዕ ዝጠልብ እዩ። ስለዚ ከይዲ ሃብቲ ገንዘብ ናይ ሓቀይና ቁጠባን ሓይሊ ደኣ እምበር ጸላኢ ክኸውን የብሉን ዝብል እዩ። እዚ ኡጦቢያ ኣይኮነን፡ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ እጃሙ እንተ ኣበርኪቱ ዘይብጻሕ ሸቶ ኣይኮነን፡ ወንጌል ማእከል ዝገበረ ቁጠባ። ኣብ ወንጌል ዝጸንዐ ቁጠባ የድሊ። . . . ኣብዚ መዳሂ እዋን እዚ ኵሉ ቅልውላዋት ከብቅዕ ተስፋ እገብር” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

21 January 2023, 16:29