ድለ

ኣብ ቱርክን ሶርያን ድልያ ካብ ርእደ መሬት ዝደሓኑ ሰባት ይቕጽል ኣሎ ኣብ ቱርክን ሶርያን ድልያ ካብ ርእደ መሬት ዝደሓኑ ሰባት ይቕጽል ኣሎ  (ANSA)

ኣብ ቱርክን ሶርያን ድልያ ካብ ርእደ መሬት ዝደሓኑ ሰባት ይቕጽል ኣሎ

እቲ ርእደ መሬት ኣስታት 450 ኪሎ ሜትር ዝሽፍን ብምዃኑ ብግምት ልዕሊ 13.5 ሚሊዮን ሰባት ክሃስይ ከም ዝኽእል ይንገር

ድሕሪ እቲ ዕለት ሽዱሽተ ለካቲት ኣብ ቱርክን ሶሪያን ዘጋጠመ ኣዕናዊ ርእደ መሬት ግዳያት ንምድላይ ጻዕርታት ይቕጽል ከም ዘሎን፡ ድልያ ኣብ ትሕቲ ፍርስራዝ ዝተቐብሩን ገና ሃለዋቶም እውን ዘይፍለጥን ማሕበራት ኣድሕን ህይወትን ናይ ረድኤት ትካላትን  ጻዕርታተን ኣሐይለን ይዓያ ምህላወን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካብቲ ዕለት 6 ለካቲት ኣብ ቱርክን ሶርያን ዘጋጠመ ኣዕናውን ቀታልን ርእደ መሬት ዝደሓኑ ሰባት ኣብ ግዚያዊ መዕቆቢታት ከም ዝርከቡን ናይቲ ሓደጋ ስፍሓት ንምግላጽ ከም ዘይከኣልን ዝተፈላለዩ ትሕቲ ፍርስራስ ዝተቐብሩ ሰባት ንምርካብ ዝሕግዝ መጋበርያታት ዝጥቀማ ማሕበራት ኣድሕን ህይወት ካብ ትሕቲ ፍርስራስ ብዙሓት ሰባት የውጽኣ ምህላወን ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣብቲ ከባቢ ብሩርቱዕ ቁሪ እውን ስለ ዘሎ ሰባት ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ዝረኽብዎ መጽላሊ ኣያቶም ዘብሉ፡ ኣብ መካይን ዳሳት መሳጊድ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣባይቲ ትምህርቲ ባቡራትን ይድቅሱ ከም ዘለዉን ኣብ ቱርኪ ኣብ ከተማ ጋዚያንቴፕ ዕለት 9 ለካቲት ዘሎ ናይ ቁሪ መጠን ትሕቲ ዝጎደሎ ሓሙሽተ ከም ዝነበረን ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ትካላት ረድኤት ነቶም ገዛ ዘይብሎም ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከጋጥሞም ዝኽእል ዝኸፍኤ ሓደጋ ኣቐዲመን የጠንቅቓ ምህላወን ክንገር እንከሎ ድሕሪ እቲ 7.8 ዝዓቐኑ ዝተኸስተ ርእደ መሬት ማእለያ ዘይብሉ ህዝቢ ኣልቦ ቤት ኮይኑ ከም ዘሎ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣንቶንዮ ጉተረሽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ሓገዙ ከም ዘቕርብ ኣፍሊጦም ክሳብ ሕጂ ስፍሕት ናይቲ ኣጋጢሙ ዘሎ መጉዳእቲ ዝገልጽ ጸብጻብ ንምቕራብ ኣዚዩ ከቢድ እኳ እንተኾነ፥ ድሮ ዘድሊ መሰረታዊ ሓገዝ ከም እተላእኸ ኣፍሊጦም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሓገዝ ንሶርያ

ብፍላይ ኣብታ ብኵናት ዝተሃስየት ሶርያ እቶም ካብ ሞት ዝደሓኑ ሰባት ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገም ኣዚዩ ጽዑቕ ኮይኑ ከም ዘሎን ኣብ ኣለፖ መውዓዪ መግቢ መድሃኒት መሸፈኒ ከም ዘድልዮምን ቁጽሪ ናይቶም ዝሞቱ ሰባት እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ክንገር እንከሎ፡ እቲ ግጭትን ርእደ መሬትን ናይ ህዝቢ ጸገም ኣዚዩ እናገደደ ክኸይድ ይገብሮ ምህላዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ መንግስቲ ደማስቆ ናብተን ብተቓወምቲ ሓይልታት ዝተተሓዘ ናይ ሃገሩ ከባቢ ዘድሊ ሓገዝ ንምቕራብ ፍቓድ ክህብ ጸቕጥታት ይገበር ምህላዉን መንግስቲ ሶርያ ካብ ቱርኪ ናብቲ ብዓመጽቲ ዝተተሓዘ ከባቢ ዝቐርብ ዝኾን ይዅን ሓገዝ ናይ ሶርያ ሉኣላውነት ዝጥሕስ እዩ ይብል ምህላዉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ድሕሪ እቲ ዘጋጠመ ርእደ መሬት ዕለት 9 ለካቲት ናይ ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ረድኤት ብባብ ኣል ሃዋ ኣቢሉ ከም ዝበጽሔን ቱርኪ እውን ብወገና ናብቲ ዝተጎድአ ህዝቢ ሓገዝ ንምቕራብ ክከኣል መታን ክልተ መሳገሪ ዶባት ክኽፈት ትዓዪ ከም ዘላ ኣፍሊጡ።

ብኻልእ መዳይ ርእሰ ብሔር ሶርያ፥ ባሽር ኣል ኣሳድ ንፈለማ ግዜ ናብቲ ብርእደ  መሬት ናብ ዝተጎድአ ከባቢ ዑደት ከም ዘካየዱን ናይታ ሃገር ናይ መግንስቲ ማዕከናት ዜና፥ ርእሰ ብሔር ኣል ኣሳድን በዓልቲ ቤቶም ኣስማን ኣለፖ ናብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ሕክምና ዘመሓድሮ ዓቢይ ቤት ሕክምና ምብጻሕ ከም ዘካየዱን እዚ ከምዚ ኢሉ ኣንከሎ ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ውድብ ሕቡራት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ናይ ረድኤት ትካላትን ዝመጹ 108 ጉጅለታት ኣብቲ ርእደ ምሬት ኣብ ዘጋጠመሉ ከባቢ ኣብ ዘሎ ኩምራ ፍርስራን ድልያ ሰባት የካይዱ ምህላዎም እቲ ርእደ መሬት ኣስታት 450 ኪሎ ሜትር ዝሽፍን ብምዃኑ ብግምት ልዕሊ 13.5 ሚሊዮን ሰባት ክሃስይ ከም ዝኽእል ይንገር።

11 February 2023, 16:14