ድለ

ሕቡራት ሃገራት ዓለም፥ ካብ ርእደ መሬት ዝደሓኑ ሰባት ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገም የጉልሕ ሕቡራት ሃገራት ዓለም፥ ካብ ርእደ መሬት ዝደሓኑ ሰባት ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገም የጉልሕ 

ሕቡራት ሃገራት ዓለም፥ ካብ ርእደ መሬት ዝደሓኑ ሰባት ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገም የጉልሕ

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ቱርኪ ናብ ሰሜናዊ ምዕራብ ሶሪያ ዝያዳ ናይ መሰጋገሪ ዶባት ንኽኽፈት ኣበርቲዑ ክዓዪ ምዃኑ

ኣብ ሶርያን ቱርክን ዝሓለፈ ሰኑዕ ዕለት 6 ለካቲት ዘጋጠመ ርእደ መሬት ኣስታት 29 ሺሕ ሰባት ንሞት ሓደጋ ከም ዘቃለዐን ከምኡ እውን ማእለያ ዘይብሎም ንከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ዝዳረገ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሶርያን ቱርኪን ብሰንኪ ዕለት 6 ለካቲት ዘጋጠመ ርእደ መሬት ልዕሊ 29 ሺሕ ዝግመቱ ሰባት ከምዝሞቱን ኣስታት 800 ሺሕ ዝግመቱ መሰረታዊ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘድልዮም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከመላኽት እንከሎ፡ ኣብ መላእ ቱርኪን ሶርያን ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ረድኤት በቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ቁርን ኣስሓይታን ብዙሕ ዕንቅፋት የጋጥሞ ምህላዉ ሓላፊ ጉዳያት ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ማርቲን ግሪፊትስ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ከም ዝሓበሩን ነቶም ዝተሃስዩ ህጹጽ ሕክምናውን መግባውን መጽለልን ረድኤት ከም ዘድሊ ኣፍልጦም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ገና ተቐቢሮም ዝተረፉ ንድምሓድ ዝካየድ ዘሎ ድልያ ይቕጽል ከም ዘሎን እዚ እውን ናይ ዝሞቱ ቁጽሪ ክብ ከብል ከም ዝኽእል ኣመላኺቶም ንህዝቢ እቲ ከባቢ ዘድሊ ሓገዝ ንምቕራብ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ እናተበራትዒ ክኸይድ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ኣፍሊጡ።

ግራፊተስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ብተወሳኺ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ቱርኪ ናብ ሰሜናዊ ምዕራብ ሶሪያ ዝያዳ ናይ መሰጋገሪ ዶባት ንኽኽፈት ኣበርቲዑ ክዓዪ ምዃኑ ሓቢሮም፥ ብሰንኪ እቲ ርእደ መሬት ልዕሊ 29 ሺሕ ዝግመቱ ሰባት ከም ዝሞቱን 98 ሺሕ ከም ዝቖሰሉን ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝሓለፉ 100 ዓመታት ካብ እተራእዩ ብዙሓት ንሞትን ማህሰይትን ዝዳረገ ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ተራእዩ ከምዘይፈልጥን ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣስታት 26 ሚሊዮን ዝግመቱ ሰባት በቲ ሓደጋ ከም እተሃስዩን ኣብ ቱርኪ ዝርከቡ ሰበ ስልጣን ቱርኪ ብዕንወት ብዙሓት ዓበይቲ ሕጽናታት ብዝተኣሳሰረ ጒዳይ ኣብ ልዕሊ 100 ሰባት ናይ ማእሰርቱ ትእዛዝ ከም ዘመሓላለፈትን ብውሑድ 12 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉን እዚ እውን ህንጻታት ኣብ ምስራሕ ክኽበር ዘለዎ ናይ ደሕንነት ስርዓተ ሕጊ ዝጠሓሱ እያቶም ዝብል ክሲ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ካብ ቱርኪ ዝወጸ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።

13 February 2023, 16:26