ድለ

ኣብ እስራኤል ብቐጻሊ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣብ እስራኤል ብቐጻሊ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ   (AFP or licensors)

ኣብ እስራኤል ብቐጻሊ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ

11 መዓልቲ ዘቑጽር ዘሎ ህብዛዊ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ

መንግስቲ እስራኤል ናይ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ስልጣን ንምቁጽጻርን ንምድራትን ዝሓንጸጾ ሓድሽ ንድፈ ሕጊ ዘጋጥሞ ዘሎ ተቓውሞ ህዝቢ ብርቱዕን ይቕጽል ከም ዘሎን ኣሽሓት ዜጋታት ኣብ ጎደናታት ብምውጻእ ከቢድ ተቓውሞ የስምዑ ምህላዎምን ድሮ እቲ ዝተበገሰ ህዝባዊ ተቓውሞ መበል 11 መዓልቲ የቝጽር ምህላዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ እስራኤል መንግስቲ ስልጣን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንምቁጽጻር ዝሓንጸጾ መደብ ዝቃወም በሸሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ናብ ጎደናታት ወጺኦም ተቓውሞኦም የስምዑ ምህላዎምን እቲ መበል 11 መዓልቲ ዘቑጽር ዘሎ ህብዛዊ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዝፈጥሮ ዘሎ ዕግርግር ኣብታ ሃገር ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተራእዩ ዓበይቲ ስለፍታት ከስዕብ ከም ዝኽእል ክግመት እውን እንከሎ፡ ብመሰረት ማዕካናት ዜና እስራኤል፡ እቲ ተቓውሞታት ንቑጠባ ይህስይ ምህላዉን ኣባላት ዕቑር ሓይሊ እውን መንግስቲ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ንምቁጽጻር  ዝብል ተልእኾ መሰረት ንዘቕርቦ  ትእዛዝ ጻውዒት ንምጥሓስ ስንድው ምዃኑ ይገልጽ ምህላዉ ክፍልፈጥ እንከሎ፡

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን እዚ መራሔ መግንስቲ ነታንያሁ ነቲ ብርእሰ ብሔር ኢዛክ ሄርዞግ ዝቐረበ ናይ ሽምግልና እማም ነጺጎም መንግስቶም ዘለዎ መደብ ጽገናታት ንቕድሚ ክደፍእሉ  ምዃኖም ቃል ከም ዝኣተዉን እዞም ብምግባረ ብልሽውና ተኸሲሶም ዘለዉ  ኔታንያሁ እቲ መንግስቶም ዝሓንጸጾ መደብ ጽገና ብፍላይ ነቲ ውዕዉ ደንበ ምንቅስቓሳት እንክብሉ ዝገልጽዎ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝምልከት ክኸውን እንከሎ፡ እቶም ተቓውሞ ዘስምዑ ዘውዉ ናይ ረብሓ ጎንጺ እዩ እንክብሉ፡ እቲ ጽገና እንተተዓዊቱ ንዕኦምን ነቲ ጸንፋዊ የማናዊ መግንስቲ ንውሳነታት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ናይ ምግልባጥ ስልጣን ከምኡ እውን ንኹሉ ፍርዳዊ ሽመት ናይ ምውሳን ስልጣን ክህቦ ከም ዝኾነን እቶም ናብ ጉደናታት ዝወጹ እውን ትጽቢት ዝግበረሉ መደባት ንፍርዳዊ ስርዓት ክዕንቅፍን ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ ጋግ ዘስፍሕ እዩ እንክብሉ ይምጉቱ ምህላዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

21 March 2023, 16:24