ድለ

ዛዕባ ቅልውላው ማይ ንቕሓት ንምዕባይ ዝሓቀነ ዋዕላ ዛዕባ ሃብቲ ማይ ው.ሕ.ሃ. ዛዕባ ቅልውላው ማይ ንቕሓት ንምዕባይ ዝሓቀነ ዋዕላ ዛዕባ ሃብቲ ማይ ው.ሕ.ሃ.  (ANSA)

ዛዕባ ቅልውላው ማይ ንቕሓት ንምዕባይ ዝሓቀነ ዋዕላ ዛዕባ ሃብቲ ማይ ው.ሕ.ሃ.

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ እቲ ዛዕባ ሃብቲ ማያት ዝዝትይ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ኣኼባ፥ “ብሕጽረት ማይ ንዝሳቐዩ ዘለዎ ዝጠቅም ተበግሶታት ዘቕላጥፍ ክኸው እላበው!"

“ኣብ መላእ ዓለም ብሚሊዮናት ዝቑጸረ ሰባት ክሳብ ሕጂ ብዘይ ውሑስ ዝስተ ማይን ጽሬትን” ኣብ ዝነብሩሉ ዘለዉ እዋን፡ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ካብ ዕለት 22 ክሳብ ዕለት 24 መጋቢት ኣብ ኒው ዮርክ “ነቲ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ዝተሰማምዑሉ ምስ ማይ ዝተኣሳሰረ ሸቶታት ንምውዕዋት” ኣሚቱ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ የካይድ ምህላዉ ክፍለጥ እንከሎ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ኣብ ኒው ዮርክ፡ ዋዕላ ሃብቲ ማይ 2023 ዓ.ም. ይካየድ ከምዘሎን እዚ ክሳብ ዕለት 24 መጋቢት ዝቕጽል ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ኣኼባ ብንግስነት ሆላንድን ሪፓብሊክ ታጂኪስታንን ብሓባር ዝእንገድ ኮይኑ፥ “ኣብ ከባቢንዘሎ ዛዕባ ሃብቲ ማይ ዝምልከት ሰፊሕ ብድሆታት ንምግጣምን ንዝተቐላጠፈ ኣተገባብራን ዝተመሓየሸ ጽልዋን ዓለማዊ ናህሪ ንምፍጣርን ቃል ዝኣትው ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብቲ ናይ ዕለት 22 መጋቢት ዛዕባ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ዝምልከት ናይ 2023 ዓ.ም. ስነ ፍልጠታዊ ጸብጻብ ከም ዝቐረበ ኣፍሊጡ።

ኣገዳሲ ስጉምቲ

ንዅሉ ዝሓቁፍ ዘላቒ መጻኢ ውሑስ ንምግባር ህጹጽ ምዃኑን፥

ማይ ኣብ ህጹጽ ኩነታት ከባቢ ኣየር ኣብ ሕመረት ዘላቒ ልምዓት ወሳኒ ተራ ከም ዘለዎን

ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር እቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝጉለሐ ዳሕረዋይ መረዳእታ ከም ዚሕብሮ፡ ኣብ ዓለም ማለት 3.6 ቢሊዮን ሰባት ብዘይ ውሑስ መገዲ ዝመሓደር ማይ ተጠቃሚ ከም ዝኾነን ካብ ሰለስተ ሓደ ማለት 2.3 ቢሊዮን ኣብ ቤቱ መሰረታዊ ዝኾነ ንኢድ መሕጸቢ ማይ እውን ከም ዘይብሉ” የመላኽት።

ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረሽ ዋዕላ ሃብቲ ማይ “ንህይወት ዓለምና ግቡእ ብዝኾነ ተወፋይነት ዛዕባ ንሃብቲ ማይ ዝምልከቱ ብድሆታት ስጉምቲ ክወሰድ ከም ዘተሓሳስቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፡ እዚ እውን ነቲ ክሳብ 2030 ዓ.ም. ክኸውን ዝተሓጸጸ ዘላቒ መደብ ልምዓት ዘመላኽቶ ብፍላይ ሻድሻይ ዕላማኡ፥ ተረባሕነት ዘላቒ ምሕደራ ማይን ጽሬትን ኵሉ ንምርግጋጽ ዝዓለመ ነጥቢ ብፍሉይ ዝምልከት እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መስተጋብራዊ ዘተ

ጎኒ ጎኒ እቲ ምሉእ ዋዕላ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2022 ዓ.ም. ዝተኻየደ መሰናድኦ ኣኼባ፥ ኣባላት ሃገራት ኣብ ዝተሰማማዓሉ ሓሙሽተ ቀንዲ ነጥብታት፥ ማለት ማይ ጥዕናን፡ ማይ ንዘላቒ ልምዓት፡ ማይ ንከባቢ ኣየር፡ ምጽውዋርን . . . ምህዳር፡ ማይ ንምትሕብባርን ዝብሉ ንዓሰርተ ዓመት ዝኸይድ ስጉምትን ነጥብታት ከም እተዘከረ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ዋዕላ ቀዳማይ መዓልቲ ኣብ ማዕርነታዊ ተበጻሕነት ጽሬትን ጽሩይ ዝስተ ማይን ከምኡ እውን ተራ ማይ ኣብ ዘላቒ ቁጠባውን ከተማውን ልምዓት ኣብ ዝብሉ እራእስታት ዘተኮረ ምንባሩ ገሊጹ፥ እዞም ኣርእስታት እዚኣቶም ምስ ናይ ውድብ ጥዕናን ኣድሕን ህጻናት ውድብን ምስ ዘመላኸትዎ ውጥናት ዝተኣሳሰረ ክኸውን ከም ዝኾነን፡ ካብ ዓሰርተ ሰባት ዋላ እውን መሰረታዊ ኣገልግሎት ዝስተ ማይ ዘይብሎም እቶም ሾምንተ ኣብ ገጠራት ከም ዝነብሩን ኣስታት ፍርቆም ድማ ኣብተን ትሑት ምዕባለ ዘለወን ሃገራት ዝነብር ምዃኑ የመላኽት።

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 22 መጋቢት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሃብቲ ማያት ምዃኑ ብምዝኽካር ኣብታ ዕለት እቲኣ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስትምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፥ ስለ ዕዉት ውጽኢት እቲ ካብ ዕለት 22 – 24 መጋቢት ኣብ ኑው ዮርክ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ዛዕባ ሃብቲ ማይ ዝመክር ጉባኤ ጸሎትም ኣረጋጊጾም፥ እቲ ፍጻመ “ብሕጽረት ማይ ንዝሳቐዩ ዘለዎ ዝጠቅም ተበግሶታት ከቀላጥፍ” ድማ ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

24 March 2023, 09:32