ድለ

ጸብጻብ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ግሪክ ብዛዕባ ዝጠሓለት መርከብን ሞት ስደተይናታትን ጸብጻብ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ግሪክ ብዛዕባ ዝጠሓለት መርከብን ሞት ስደተይናታትን 

ጸብጻብ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ግሪክ ብዛዕባ ዝጠሓለት መርከብን ሞት ስደተይናታትን

ኣብ ፍሉይ ፍጻመ ሚንስትሪ ምክልኻል ሞስኮ፥ ናይ ሩሲያ መርከብ ውግእ ዝሓለፈ ሰንበት ምሸት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ 68 ሰባት ከምዘድሓነት ክሕብር እንከሎ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስተይናታት ዝጸዓነት ጀልባ ምስ ዘጋጠመ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ተተሓሒዙ ናይቲ ዝጋጠመ ሓደጋ ተሓተትቲ ተባሂሎም ትሽዓተ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቅጽጽር ኣትዮም ከም ዝነበሩን ናይ ግሪኽ ቤት ፍርዲ ገበነይናታት ኣይኮኑን እንክብሉ ናጻ ከም ዝበሎም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ሓደጋ ኣብ ዘጋጠመሉ ዕለት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ዝተጉድኡ ቅርበቶም ጸሎትም ገሊጾም ፖለቲካ ስደተይናትን ተመዛበልትን ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ክወስድ ጻውዒት ኣቕሪቦም ከም ዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ምስታ ናይታ መርከብ ምጥሓል ስዒቡ ትሽዓተ ሰባት ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ሰባት ብዝብል ገበን ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ዝነበሩ ናይ ግሪኽ ቤት ፍርዲ ገበነይናታት ኣይኮኑን ከም ዝበሎምም እቶም ጥርጡራት ኩሎም ድማ ግብጻውያን ከም ዝኾኑን ካብቲ ሓደጋ ዝተረፉ ነታ መርከብ ዝመርሑን ኣብታ መርከብ ትእዛዝ ዝህቡ ዝነበሩን ምስ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ግሪኽ ብሬድዮ ዝራኽቡ ዝነበሩ ብምዃኖም እዚ እውን ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ክኾኑ ይኽእሉ ብዝብል ገበን ክጥርጠሩ ከም ዝገበሮምን ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉን ጉዳይም ዘጻረየ ናይ ግሪኽ ቤት ፍርዲ ካብቲ ገበን ናጻ ከም ዝበሎምን፡ ክሳብ ሕጂ እታ መርከብ ብዘጋጠማ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ምኽንያት 78 ሰባት ከም ዝሞቱን ካልኦት ብኣማኢት ዝቑጸሩ እውን ሃለዋቶም ገና ከም ዘይተፈልጠን ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ክሳብ ሕጂ 500 ደሃዮም ዘይፍለጥ ምዃኑ ክሕብር እንከሎ፡ ኣብታ መርከብ 750 ስደተይናታት ከም ዝነበሩ እዩ ዝንገር።

ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ዝርከበሉ ዘሎ እዋን ሓለዋ ብሕሪ ግሪኽ ነቶም ስደተይናታት ኣብ መርከብ ምድሓን ህይወት ናብ ውስሑስ ቦታ ንምብጻሕ ክሕግዝ ኣቐዲሙ ጣልቃ ክኣቱ ነይርዎ ድዩ ዝብል ዝያዳ ሕቶታት ይቀርብ ከምዘሎ ክፍለጥ እንከሎ፡ ገለ ተዓዘብቲ፡ ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽን ፍሮንተክስ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ኤውሮጳን ዝቐልጠፈ ስጉምቲ ክወስዱ ነይርዎም ይብሉ ከም ዘለዉን ኣብቲ ጉዳይ ዘተኮረ ምንቅስቓስ ካልኦት ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ መራኽብ ዝትንትን ጸብጻብ ቢቢሲ፡ እታ መርከብ ቅድሚ ምግልባጣ እንተወሓደ ንሽዱሸ ሰዓታት ኣብቲ ባህሪ ደው ኢላ ከም ዝነበረን ይኹን  እምበር ሓለውቲ ገማግም ባሕሪ ግሪኽ ኣብዘን ሰዓታት እታ ጀልባ ናብ ኢጣሊያ ኣብ መስመር ከም ዝነበረትን ምድሓን ከም ዘየድልያን ምግላጹ የዘኻኽር።

ምድሓን ህይወት

ኣብ ፍሉይ ፍጻመ ሚንስትሪ ምክልኻል ሞስኮ፥ ናይ ሩሲያ መርከብ ውግእ ዝሓለፈ ሰንበት ምሸት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ 68 ሰባት ከምዘድሓነት ክሕብር እንከሎ፡ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓልዮ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ከም ዝሓበሮ ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ዓመት 72, 778 ስደተይናታት ካብ ደቡን ናብ ኤውሮጳ ከም ዝኣተዉም ካብኣቶም እቶም 71, 136 ብባሕሪ ናብ ኢጣሊያ ግሪኽ ስፓይና ማልታን ቄጵሮስን ዝኣተዉ ምዃኖም ክሕበር እንከሎ ካብ መጀመርታ 2023 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብቲ ዞባ ብውሕድ 1.037 ሰባት ከምዝሞቱ ወይ ከምዝጠፍኡ ይሕብር።

20 June 2023, 16:38