ድለ

መራሔ መንግስቲ ግሪኽ ኣብ ካልኣይ ዙር ምርጫ ተዓዊቶም መራሔ መንግስቲ ግሪኽ ኣብ ካልኣይ ዙር ምርጫ ተዓዊቶም  (ANSA)

መራሔ መንግስቲ ግሪኽ ኣብ ካልኣይ ዙር ምርጫ ተዓዊቶም

ናይ ኩሎም ግሪኻውያን መራሔ መግንስቲ እየ፡ ናይቶም ዝመረጹኒ ጥራሕ ዘይኮነ ናይቶም ዘይመረጹና ኩሎም ተስፋ ዝገልጽ ኮይነ ክገልግል እየ”

ኣብ ግሪኽ ዝተካየደ ህዝባዊ ምርጫ ኣብቲ ናይ ዝሓለፈ ሰንበት ካልኣይ ዙር ተሓድሶ ናይ ፖለቲካኦም ዕላማ ማእከል ዝገበሩ መራሔ መንግስቲ ኪርያኮስ ሚትሶታኪስ ንተወሳኺ ኣርባዕተ ዓመት ንክመርሑ ከም እተዓወቱንን ድሕሪ ከቢድ ቅልውላው ዕዳታትን ሰለስተ ኣህጉራዊ ምድሓንን ቁጠባ ግሪኽ ናብ ምርግጋእን ዕብየትን ከብል ከም ዝገበሩ ዝንገረሎም “ሕጂ እውን ብዙሕ ብድሆታት ከም ዘሎ” ይእመኑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ደገፍቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ዓቃባዊ ፖለቲካዊ ውድብ ሓድሽ ደሞክርሲ ግሪኽ ንዝቅጽል ኣርባዕተ ዓመት ክመርሕ ከም እተዓወተን እቲ ፖለቲካዊ ውድብ እዚ ኣስታት 40.5 ሚኣዊ ድምጺ ብምርካብ ካብ ተውዳዳሪኦም ፖለቲካዊ ውድብ ብ 23 ሚእታዊ ድምጺ ከም ዝበለጸን እቶም ንቐጻሊ ኣርባዕተ ዓመት ንመንግስቲ ግሪኽ ንኽመርሑ ዝተመርጹ ሚትሶታኪስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ፖለቲካዊ ውድብ ኣብ ኤውሮጳ ዝሓየለ ማከላይ የማናዊ ሰልፊ ምዃኑ ሓቢሮም፥ “ፖለቲካዊ ጸብለልትነት መጋበርያ ትዕቢት ክኸውን የብሉን ኣብ መሬት ደው ምባል የድሊ፥ ዜጋታት ብዙሕ ጸገማት ስለ ዘለዎም ነዞም ጸገማት ንኽንፈትሓሉ እዩ ዝሓትተና። ናይ ኩሎም ግሪኻውያን መራሔ መግንስቲ እየ፡ ናይቶም ዝመረጹኒ ጥራሕ ዘይኮነ ናይቶም ዘይመረጹና ኩሎም ተስፋ ዝገልጽ ኮይነ ክገልግል እየ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኤኮኖሚያዊ ቅልውላው - ቃልሲ ህዝቢ

ብዙሓት ግሪኻውያን ምስቲ ቅልውላው ዋጋ መነባብሮ ይቃለሱ እኳ እንተሃለዉ፡ ብዙሓት መረጽቲ ግን ነቲ ትሑት ክፍሊት ግብርን ምምሕያሽ ጥዕና ህዝብን ከምጽእ እየ እንክብል ቃል ንዝኣተዉ “ሓድሽ ደሞክራሲ ፖለቲካዊ ውድብ” ንቀጻሊ ኣርባዕተ ዓመት ክመርሕ ደጊሞም ከም ዝመረጹን “ኣብ ቃልና ክንርከብ ኢና” ከም ዝበሉን እዚ ሰንበት ዝተኻየደ ህዝባዊ ምርጫ ድሕሪ እቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ግሪኽ ዘጋጠመ ብዙሓት ሕጻናት ዝርከብዎም ብውሕዱ 500 ሰባት ከም ዝሞቱ ዝግመት ኮይኑ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ብሔራዊ መዓልቲ ሓዘን ምፍጻሙ ዝተኻየደ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

27 June 2023, 16:27