ድለ

ሊባኖስ፥ ዳርጋ ትሽዓተ ካብ ዓሰርተ ኣባይቲ ስድራ መሰረታዊ ነገራት ክሽምቱ ዘይክእሉ እዮም ሊባኖስ፥ ዳርጋ ትሽዓተ ካብ ዓሰርተ ኣባይቲ ስድራ መሰረታዊ ነገራት ክሽምቱ ዘይክእሉ እዮም  (AFP or licensors)

ሊባኖስ፥ ዳርጋ ትሽዓተ ካብ ዓሰርተ ኣባይቲ ስድራ መሰረታዊ ነገራት ክሽምቱ ዘይክእሉ እዮም

ቅድስቲ መንበር ነታ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብዝሒ ክርስቲያን ዝርከብዋ ሃገረ ሊባኖስ ኣገዳስነታን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ስኒት ንዘለዎ ህላወ ኣብነት ገይራ ከም እትምልከታን

ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መንግስታት ትካል ሓልዮ ህጻናት፥ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፥ ኣብ ሊባኖስ ካብ ጠቕላላ ህጻናት ዳርጋ ሲሶ ብጥምየት ይሳቐዩ ምህላዎምን ኣብታ ሃገር ዘሎ ቀጻሊ ቅልውላው ንዜጋታት ዘለዎ ዘሰክፍ ከቢድ መዓት ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብቲ ብውሑዱ ሓደ ቆልዓ ዘለወን 2090 ኣባይቲ ስድራ ዳህሳስ ዘካየደ ናይ መጽናዕቲ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ዳርጋ ሲሶ ካብ ህጻና ሊባኖስ እኹል መግቢ ከም ዘይብሎምን ዳርጋ 9 ካብ 10 ኣባይቲ ስድራ ሊባኖስ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ 86 ሚእታዊ ዝሽፍን መሰረታዊ ኣገዳሲ ነገራት ክሽምት ዓቕሚ ዘይብሉ ኮይኑ ከም ዘሎ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

መሰረታዊ ነገራት ንምርካብ ዝግበር ቃልሲ

ዳርጋ ሰላሳ ሚእታዊ እዚ ኸኣ ሲሶ ሕጻናት ብጥሜት ከም ዝሳቐዩን ፍርቂ ካብተን ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን (51 ሚእታዊ ዝሽፍን) ድማ እኹል ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ ከም ዘይብረኽባን ሰለስተ ርብዒት (75 ሚእታዊ ዝሽፍን) ኣብ ክንክን ጥዕና ደቆም ዘውዕልዎ ወጻኢታት ከም ዝነከዩን ዓሰርተ ሓሙሽተ ሚእታዊ ድማ ትምህርቲ ደቆም ምሉእ ብምሉእ ደው ከም ዘበሉን ብተወሳኺ ልዕሊ 1 ካብ 10 ስድራ ቤት ንደቆም ኣብ ስራሕ ዓለም ክዋፈሩ ከምዝግደዱን እዚ እውን ተወሳኺ ገንዘብ ንምርካብ ዝሕግዝ መገዲ ምዃኑ ይሕብር።

ቅልውላው ጥዕና ኣእምሮ

66 ሚእታዊ ካብ ኣለይቲ ህሙማን ብወገኖም ደቆም ጭንቀት ስግኣት ወይ ጸቕጢ ኣእምሮ ከም ዘለዎም ክሕብሩ እንከለዉ፡ ዳርጋ ፍርቂ ማለት 47 ሚእታዊ ዝሽፍ ድማ ናይ ኣእምሮ ጭንቀት የሕድሩ ከምዘለዉን 62 ሚእታዊ እውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እወታዊ መነባብሮ ደቆም ከም ዝነከየን ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት ዘሎ ዝምድናታት እውን ኣብ ዓቢይ ቅልውላው ከምዘሎን፡ ልዕሊ ፍርቂ ካብቶ ኣለይቲ ሁሙማን እዚ ሕጂ ዘሎ ቅልውላው ንደቆም ከም ወለዲ ክህልዎም ዝግባእ ትዕግስቲ ከንቆልቁል ይገብርን ብቐሊሉ ቁጡዓት ይገብሮም ምህላዉ ይገልጽ።

ለበዋታት

እቲ ህልው ኩነታት “ኣብ ህይወት ህጻናት መዓትን ዘይምለስን ናይ ነዊሕ ግዜ ጽልዋታት” የሕድር ከምዘሎ ገሊጹ፥ ካብ መንግስቲ ሊባኖስ “ቅልጡፍን ቆራጽን ስጉምቲ” ክወስድ እቲ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ሓልዮ ሕጻናት ኣብ ዘውጸኦ ሰነድ ጻውዒት ብምቕራ፡ ኣብዚ እዋን እዚ 700 ሺሕ ህጻናት ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ኮይኖም ከምዘለዉን፡ “ኣብ መንግስታዊ ስጉምቲ፡ ትምህርቲ ቀዳምነት ክወሃቦ ኣለዎ፡” መንግስቲ ሊባኖስ ኣብ ቀረባ እዋን ሃገርዊ ውጥን ማሕበራዊ ሓለዋ ምጅማሩ እቲ ትካል ብሓጎስ ተቐቢሉን እቲ ጸብጻብ ሃገራዊ ሓገዝ ህጻናት ክግበርን መግንስቲ ድማ ነቲ ምውሳኽ ኣታዊታት ግብሪ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝካየዱ መደባት ማሕበራዊ ሓገዝ ንምምዋል “ጽኑዕ ቃል ኪዳን” ክኣቱ እቲ ትካል ጻውዒት የቕርብ።

ሊባኖስ፥ መብራህቲ ሕውነት

ቅድስቲ መንበር ነታ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብዝሒ ክርስቲያን ዝርከብዋ ሃገረ ሊባኖስ ኣገዳስነታን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ስኒት ንዘለዎ ህላወ ኣብነት ገይራ ከም እትምልከታን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን በነዲክቶስ መበል 16 ናብታ ሃገር ምብጻሕ ከም ዘካየዱን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸሶ ኣብ 2021 ዓ.ም. ብሰንኪ ናይ ጥዕና ጸገም ኣብታ ሃገር ምብጻሕ ከካይዱ ከም ዘይከኣሉን ንናይ ሊባኖስ ርእሰ ብሔር ኣብ ሃገረ ቫቲካን ከም እተቐበሉን ሊባኖስ ማእከል ዝገበረ ውስጠ ኣቢያተ ክርስቲያናዊ መደብ ጸሎት ክካየድ ከም ዝገበሩ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ 1989 ዓ.ም. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሊባኖስ “ካብ ሓንቲ ሃገር ንላዕሊ እያ! መልእኽቲ ናጽነት ንምብራቓውንን ምዕራባውያንን ከኣ ኣብነት ብዝሓ ህዝቢ እያ” ብምባል ከም ዝገለጽዋን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን፥ እዚ ቅልውላው እዚ ንሊባኖስ፥ “መንነታን ነቲ ንመላእ ዓለም መልኽቲ ዝገብራ ተመክሮ ሕውነት ከየስእና” ተስፋ ብምግባር፥ መንነታ ንዓለም ኣገዳሲ እዩ ከም ዝበሉ የዘኻኽር።

22 June 2023, 15:51