ድለ

ሕቡራት ሃገራት ብቅልውላው ዝተሃስያ ሃገራት ንምድጋፍ ሓድሽ ቁጠባዊ ስርዓት ይደሊ ሕቡራት ሃገራት ብቅልውላው ዝተሃስያ ሃገራት ንምድጋፍ ሓድሽ ቁጠባዊ ስርዓት ይደሊ 

ሕቡራት ሃገራት ብቅልውላው ዝተሃስያ ሃገራት ንምድጋፍ ሓድሽ ቁጠባዊ ስርዓት ይደሊ

ንዝድለ ዓሚቝ ጽገናታት ስለ እንሰርሕ ህጹጽ ድሌታት ዝማዕበላን ዝምዕብላ ዘለዋን ሃጋራት ቁጠባታት ንምምላእ ሎሚ ህጹጽ ስጉምት ክንወስድ ይግባእ . . .

ኣስታት 40 መራሕቲ ሃገራት ኣብ ፓሪስ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ ሓድሽ ዓለም ሓቆፍ ቈጠባዊ ስርዓት ኣብ ዝምልከት ርእሰ ጉዳይ ስምምዕ ንኽገበር ዝሕግዝ ዓውደ ኣኼባ የካይዱ ከምዘለዉን እዚ እውን ድኽነትን ሓደጋን ዘጋጥመን ሃገራት ዘለወን ናይ ወጻኢ ዕዳ ምኽፋል ደው ክብል ዝሓትት ሓሳብ እውን ዘጠቓልል ምዃኑ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ፓሪስ ዝተኣከቡ መራሕቲ ሃገራት፥ ድኻታት ሃገራት ነቲ ከም ሓደገይና ለውጢ ከባቢ ኣየርን ካልእ ቅልውላዋትን ንምምካት ኣማኢት ቢሊዮናት ዶላር ክረኽባ ዝኽእላሉ መገድታት ክዝትዩ ከምዝጀመሩን ካብቶም ተጋባእያን ናይ ወድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒይ ጉተረሽ ዝርከብዎም፡ ድሕሪ ናይ ዓለም ባንኪ ቤትን ኣህጉራዊ ትካል ገንዘብን ብሓባር ዘቖምዎ ሰማንያ ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ስምምዕ በርቶን ዉድስ፥ ድኻታት ሃገራት ንምሕጋዝ ሓድሽ ዓለም ሓቆፍ ቁጠባዊ ውዕልን ስርዓትን ንምቕራብ ዝወጠነን፡ ንመበል 21 ክፍለ ዘመን ዝኸውን ዓለም ለኸ ቈጠባዊ ስርዓት ንምቛምን ዳግማይ ክምርምሩ ኣገዳሲ ምዃኑ ጉተረሽ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ገሊጾም፥ “ንዝድለ ዓሚቝ ጽገናታት ስለ እንሰርሕ ህጹጽ ድሌታት ዝማዕበላን ዝምዕብላ ዘለዋን ሃጋራት ቁጠባታት ንምምላእ ሎሚ ህጹጽ ስጉምት ክንወስድ ይግባእ፡ እዚ እውን ዘላቒ ልምዓትን ለውጢ ከባቢ ኣየርን ተሓሳቢ ዝገበር ክኸውን ኣለዎ” ከምዝበሉ ዝሕበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይ ዓለም ባንኪ ቤት ሓላፊ እውን ብወገኖም ብተፈጥሮ ሓደጋታት ዝተሃሰያ ሃገራት ንምሕጋዝ ዝውሰድ ሓያሎ ስጉምትታት ድሮ ሓቢሩ ከምዘሎን እዚ ናይ ወጻኢ ዕዳ ምቁራጽ ዝብል ሓሳብ ዝምልከት ምዃኑ ይገልጽ።

23 June 2023, 16:36