ድለ

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን  (ANSA)

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን

ካብ ምዝመዛ ክወጹ ክድገፉን ግቡእ ክፍሊት ክረኽቡን ኣፍልጦ ምሃብ የድሊ! ስለዚ ምስ ስራሕ ዝተኣሳሰሩ ፍትሓውን ቅኑዕን መምርሕታትን ኣሰራርሓን ክምዕብልን ክትግበርን ክንጣበቕ ኣሎና!

ዕለት 20 ሰነ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ምዃኑ ዝዝከር ኮይኑ፥ እቲ ናይ ለምዘበን መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ቅዉም ሓሳብ “ካብ ቤትካ ርሒቕካ ተስፋ ግበር - ስደተይና ኩሉ ግዜ ተሓቛፊ” ዝብል ኣብ ተስፋን ተሓቛፍነትን ዘተኮረ ኮይኑ ተዘኪሩ ከም ዝወዓለን ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝሓልይ ዓለም ሓቆፍ ካቶሊካዊ ሽማግለ እውን ዝደገፎ ቅዉም ሓሳብ ኮይኑ ስደተይናታት ተወሃሂዶም ኣብተን ዝእንገዱለን ሃገራት ኣበርክቶ ንኽህልዎ ምሕጋዝ ዘዓውት ተርእዮ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ውሳነ መሰረት ዕለት 20 ሰነ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ከም ዝኾነን ስደተይናታት ካብ ኲናት ግጭትን ጽንኩር ኩነታትን ድሕነት ኣብ ዝረኽቡ ሕብረተሰባት ምጽንባር፡ ህይወቶም ዳግማይ ክሃንጹን ኣብተን ኣአንገድቲ ሃገራት ኣበርክቶ ኪገብሩ ዘኽእሎም ዕድል ንምስፋሕ ኣሚቱ ዝቖመ መዓልቲ ምዃኑ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ በዚ መገዲ እዚ እውን ናብ ዝመጹለን ሃገራት ደገፍን ክቡር ተመክሮ ክረኽቡን ናብ ዓዶም ተመሊሶም ሃገሮም ዳግማይ ክሃንጹ ይኽእሉ፡ እዞም ተክእሎታት ኣዚኣቶም ክኡል ምስ ዝኾኑ ናይ ዓወት መድርኽ ይፈጥር።

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታት ብሓይልን ትብዓትን ናይቶም ብሰንኪ ወግኣትን ወይ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ዓዶም ንኽሃድሙ ዝተገዱ ሰባት ክኽበሩን እንግዶት ክረኽቡን ዘነቓቕሕን እታ መዓልቲ፥ ስደተይናታት ዘጋጥሞም ብድሆታት ድሌታቶምን ሕልምታቶምን ርኢኻ ኣብዚ መዳይ እዚ እውን ኣብተን ዝእንገድሉለን ሃገራት ድጋፍ ክረኽቡን ፖለቲካ ኣብዚ ጉዳይ እዚ እውን ክዋሳእ ዘተባብዕ እዩ። ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ልዕሊ 108 ሚሊዮን ሰባት ብሓይሊ ዝተመዛበሉ ክኾኑ እንከለዉ ካብኣቶም ልዕሊ ሰለስተ ርብዒት ኣብተን ትሑትን ማእከላይን እቶት ኣብ ዘለወን ሃገራት ዝተኣንገዱ ምዃኖም ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም የመላኽት።

ምክልኻልን ምግልጋልን

ዕላማታት ናይዚ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን በቲ ኣብ ጀነቭ ዝመደብሩ ኣህጉራው ካቶሊካዊ ሽማግለ ሓልዮ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ክቡር ዕለት እዩ፡ ተልእኾ እዚ ማሕበር እዚ እምነት ዓሌት ብሄር ወይ

ዜግነት ብዘየገድስ ስደተይናታት ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ውሽጢ ሃገር ተመዛበልቲ፡ ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ከምኡ እውን ስደተይናታት ሓዊሱ ካብ ሱሮም ዝተመንቀሉ ሰባት ምሕላውን ምግልጋልን እዩ። ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝምልከት ብዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳይ ዝሓልይ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ርክባትን ዘተን ዝጠልብ እውን እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይዚ ሽማግለ እዚ ዋና ኣመሓዳሪት ህዳዊት ክርስቲን ናታን ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፥ መብዛሕቲኦም ናብ ስደት ዘቕንዑ ኣብ ዓዶም ብዘሎ ዘይምርግጋእን ውግእን ተስፋ ዝቖረጹ ከምኡ እውን ከም ሽቕለት ኣልቦነት ትሑት ስራሕን ምዝመዛን ዝሃድሙ ምዃኖም ገሊጸን፥ እቲ ወሳኒ ጉዳይ ምድሓን እዩ ኢለን።

ቅንጦት ኣይኮነን ዝደልዩ ዘለዉ፡ ጽባሕ እንታይ ክበልዕ እየ ዝብል ፍርሒ ክህሉ የብሉን ኮታ ስእነት መግቢ ክህሉ የብሉን፡ ስደተይና መሰረታዊ ነገራት እያቶም ዝሓትቱ!

ተፈላጥነት ምሃብ የድሊ

ኣብተን ስደተይናታት ዝኣትዉለን ሃገራት ዝረኣዩ ብድሆታት መብዛሕቲኡ ግዜ ምዝመዛ ሰራሕተይናታት እዩ፡ ይኹን እምበር ኣብ ቁጠባ ዘአንገደት ሃገር ኣበርክቶ ኣለዎም፡ ኣብ ናይ ዓዶም ቁጠባዊ ዕብየት እውን ዓቢይ ኣበርክቶ ኣለዎም፡

ካብ ምዝመዛ ክወጹ ክድገፉን ግቡእ ክፍሊት ክረኽቡን ኣፍልጦ ምሃብ የድሊ! ስለዚ ምስ ስራሕ ዝተኣሳሰሩ ፍትሓውን ቅኑዕን መምርሕታትን ኣሰራርሓን ክምዕብልን ክትግበርን ክንጣበቕ ኣሎና!

ቃል ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብፍላይ ኣብ ጉስነታዊ ጉዕዞታቶም ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብ ዝእንገዱለን ሃገራት ኣበርክቶ ክግበሩ ዘኽእሎም ኣቀባብላ ክግበረሎም ደጋጊሞም ስለ ዘቕርብዎ ጻውዒት ኣመስጊነን፥

ስደት ዝነበረን ዘሎን እዩ፡ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ዝነበረ እዩ። ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ዘመን ኣይኮነን ዘጋጥም ዘሎ፡ ሎሚ ዘሎ ብድሆ ግን ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ዝተፈልየ እዩ . . . ብሓቂ ብዛዕባ እዚ ማሕበራዊ ክስተት እዚ እንይታ ንገብር ኣሎና? ነቶም ምስ ደቆም ዝስደዳ ኣባይቲ ስድራን መራሕቲ ስድራን ብኸመይ ንሕግዞም ኣሎና?

ዝብል ሕቶ ኣቕሪበን፥ . . . እቲ ብዓለም ሓቆፍ ካቶሊካዊ ሽማግለ ሓልዮ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ህጹጽን ናይ ነዊሕ ግዜን ደገፍ የቕርብ፡ ስደተይናታት ኣብተን ዝተኣንገዱለን ሃገራትን ኣብተን ዝመጹለን ሃገራት እውን ኣበርክቶ ክህልዎም ይድግፍ እንክብላ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ዛዚመን።

21 June 2023, 15:48