ድለ

ዋዕላ መ.ሕ.ው. ብዛዕባ ስርዓታት መግቢ፡ ጉተረሽ፥ ጥምየት ሚሊዮናት ሰባት ዘሕፍር እዩ! ዋዕላ መ.ሕ.ው. ብዛዕባ ስርዓታት መግቢ፡ ጉተረሽ፥ ጥምየት ሚሊዮናት ሰባት ዘሕፍር እዩ!  (ANSA)

ዋዕላ መ.ሕ.ው. ብዛዕባ ስርዓታት መግቢ፡ ጉተረሽ፥ ጥምየት ሚሊዮናት ሰባት ዘሕፍር እዩ!

ኣብዚ እዋን እዚ መግቢ ዝፈርየሉን ዝዕደለሉን ዝሃልኸሉን ኣገባብ ንብከላን ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ተሓታቲ ምዃኑ ጉተረሽ ኣመላኺቶም

ዋዕላ FAO - ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ ዛዕባ ስርዓታት መግቢ ዝመክር ዕለት 26 ሓምለ ዝተዛዘመ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ኣኼባ ዕለት 24 ሓምለ ብመደረ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶዮ ጉተረሽ ከም ዝኸፈተን፥ ጉተረሽ፥ ኣብ ዓለም ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ብስእነት መግብን ጥሜትን ክሳቐዩ  ምራኣይ ንመላእ ዓለም ሕፍረት እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ስርዓታት መግቢ ዓለም ስርዓት ኣልቦ ብምዃኑ ብሚሊዮናት ዝቑጸረ ሰባት ዋጋ የኽፍል ኣሎ” ነዚ ዝበሉ ነቲ ናይ ፋኦ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ኣብ መኽፈቲ መደረ ዘስምዑ ናይ ውድብ ሃገራት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶዮ ጉተረሽ፡ ኣብታ ገሊኡ ብጽጋብ ገሊኡ ድማ ብስእነት ኣብ ዝሳቐየላ ዓለም፥ ዘሎ ስእነት መግብን ጥምየትን ዘሕፍር እዩ፥ ስለዚ “ብዝሓሸ ምሕድራ ስርዓታት መግቢ መሰረት ነቲ ዘይምዕሩይነት ንምድራትን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ወጻኢ ዕዳ ብምቅላልን” ነቲ ንብዙሓት ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት ከቢድ ዋጋ ዘኽፍል ዘሎ ጥምየትን ስእነት መግብን ምቅላስ የድሊ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንብከላን ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ሃላፍነት ዝስከም ስርዓታት

ኣብዚ እዋን እዚ መግቢ ዝፈርየሉን ዝዕደለሉን ዝሃልኸሉን ኣገባብ ንብከላን ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ተሓታቲ ምዃኑ ጉተረሽ ኣመላኺቶም፥ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት . . . ኣብዚ እዋን እዚ ሰደድ ስርናይ ዩክረይን ከዕገት ሩሲያ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ክተልዕልን ቅድሚ ሕጂ ዘቕረብዎ ጻውዒት ደጊሞም ከም ዘቕረቡን፥ መንግስቲ ሩሲያ ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብዙሓት ሃገራት ኣዚዩ ከቢድ ሳዕቤን ዘለዎ እዩ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኵ ዶንግዩ፥ ኣርባዕተ ሺሕ ቢሊዮን ዶላር ዝሓትት መደብ ለውጢ

ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ ዋና ኣመሓዳሪ ኵ ዶንግዩ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ናይ መግቢ ስርዓታት ዝያዳ ቀጻልን ተጻዋርነትን ዘለዎ ንምግባር ቅልጡፍ ለውጢ ክንገብር ኣሎና፡ እዚ እውን ኣብ ዓውዲ ስነ ፍልጠትን ሓድሽ ምህዞታትን ምዕቡል እደ ጥበብ ምጥቓምን ምሕደራን ምትኳር ዘድሊ ኮይኑ ይስምዓኒ። ስርዓት መግቢ ንምቕያር ክሳብ 2030 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ ናይ ግዜ ገደብ ኣብተን ትሑትን ማከላይን ኣታዊ ዘለወን ሃገራት ልዕሊ ኣርባዕተ ሺሕ ቢሊዮን ዶላር ምውፋር ዝሓትት እዩ” ከምዝበሉን፥ . . . ብከላን ብኽነት መግብን ምንካይ ኣገዳሲ እዩ። ሓረስቶት ሓገዝ ክረኽቡን ሓድሽ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ዘተባብዕን ምምሕዳር ሕርሻ ክህሉ ምግባር መሰረታዊ እዩ” ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ኣፍሊጡ።

26 July 2023, 16:07