ቢቢሲ ብዛዕባ ኣብ ገማግም ባሕሪ ግሪኽ ዝጠሓለት ጀባል ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ ዝሃቦ ጸብጻብ ኣብ ሕቶ የእትው
ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣማኢት ስደተይናታት ዝጸዓት ጃልባ ምጥሓላ 78 ሰባት ዝሞቱሉ ፍጻሜታት ዝምልከት ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ግሪኽ ዝሃብዎ ጸብጻብ ዝያዳ ጥርጣረ ዘስዕብ ምዃኑ ሓደስት መርትዖታት ይቐርቡ ምህላዎም ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕጫ ናይታ ዕለት 14 ሰነ ኣብ ገማግም ባሕሪ ግሪኽ ዝጠሓለት ስደተይናታት ዝጸዓነት ኣድርያና ኣተሰምየት ጀልባ ገፈፍቲ ዓሳ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ዘጋጠሙ ሓደጋታት እቲ ዝኸፍአ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡ ድሕሪ ዝተኻየደ መርመራ ክልተ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት፥ ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ ኣብታ መርከብ ንዝነበሩ ትሽዓተ ምስራውያን ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባት እያቶም ቢሎም ከለልዮም ንዝነበሮም ድላይ ክተሓባባርዎም ጸቕጢ ከም ዝገበሩሎም ቢቢሲ ኣገልግሎት ዜና ይሕብር።
እታ ልዕሊ ዓቐን ጽዒና ዝነበረት ጃልባ ኣብ ባሕሪ እናተጓዕዘት ኣንኮላ ዘርኢ ሓድሽ ናይ ምስማዐ ርእየት ክሱት መልእኽቲ ከም እተረኽበን እዚ እውን ነቲ ናይ ግብሪኽ ሓለዋ ባሕሪ ዝሃቦ ጸብጻብ ዝብድህ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፥
ቀታሊ ሓደጋ
በቲ ሓደጋ ምኽንያት 78 ሰባት ከም ዝሞቱን` ክሳብ 500 ዝግመቱ ድማ ሃለዋቶም ከም ዘይተረኽበን ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ክሕብር እንከሎ ካብቶም 750 ተሳፈርቲ ዝበዝሑ ካብ ግብጽን ሶርያን ፓኪስታትን ዝመጹ ከም ዝኾኑን 104 ድማ ከም ዝደሓኑን ናይ ትካል ስደተይናታት ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ዓመት እዚ ካብ ደቡብ ክፋል ዓለም ናብ ኤውሮጳ ካብ ዝኣተዉን፡ 71, 136 ብባሕሪ ናብ ኢጣሊያ ግሪኽ ስፐይን ማልታን ቆጵሮስን ዝኣተዉ ሓዊሱ ብጥቕላላ 72, 778 ስደተይናታት ከምዝኾኑ ይሕብር።