ድለ

FILE PHOTO: A undated handout photo provided by the Hellenic Coast Guard shows migrants onboard a boat during a rescue operation, before their boat capsized on the open sea, off Greece FILE PHOTO: A undated handout photo provided by the Hellenic Coast Guard shows migrants onboard a boat during a rescue operation, before their boat capsized on the open sea, off Greece 

ቢቢሲ ብዛዕባ ኣብ ገማግም ባሕሪ ግሪኽ ዝጠሓለት ጀባል ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ ዝሃቦ ጸብጻብ ኣብ ሕቶ የእትው

እታ ልዕሊ ዓቐን ጽዒና ዝነበረት ጃልባ ኣብ ባሕሪ እናተጓዕዘት ኣንኮላ ዘርኢ ሓድሽ ናይ ምስማዐ ርእየት ክሱት መልእኽቲ ከም እተረኽበን እዚ እውን ነቲ ናይ ግብሪኽ ሓለዋ ባሕሪ ዝሃቦ ጸብጻብ ዝብድህ ምዃኑ

ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣማኢት ስደተይናታት ዝጸዓት ጃልባ ምጥሓላ 78 ሰባት ዝሞቱሉ ፍጻሜታት ዝምልከት ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ግሪኽ ዝሃብዎ ጸብጻብ ዝያዳ ጥርጣረ ዘስዕብ ምዃኑ ሓደስት መርትዖታት ይቐርቡ ምህላዎም ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕጫ ናይታ ዕለት 14 ሰነ ኣብ ገማግም ባሕሪ ግሪኽ ዝጠሓለት ስደተይናታት ዝጸዓነት ኣድርያና ኣተሰምየት ጀልባ ገፈፍቲ ዓሳ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ዘጋጠሙ ሓደጋታት እቲ ዝኸፍአ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡ ድሕሪ ዝተኻየደ መርመራ ክልተ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት፥ ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ ኣብታ መርከብ ንዝነበሩ ትሽዓተ ምስራውያን ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባት እያቶም ቢሎም ከለልዮም ንዝነበሮም ድላይ ክተሓባባርዎም ጸቕጢ ከም ዝገበሩሎም ቢቢሲ ኣገልግሎት ዜና ይሕብር።

እታ ልዕሊ ዓቐን ጽዒና ዝነበረት ጃልባ ኣብ ባሕሪ እናተጓዕዘት ኣንኮላ ዘርኢ ሓድሽ ናይ ምስማዐ ርእየት ክሱት  መልእኽቲ ከም እተረኽበን እዚ እውን ነቲ ናይ ግብሪኽ ሓለዋ ባሕሪ ዝሃቦ ጸብጻብ ዝብድህ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፥

ቀታሊ ሓደጋ

በቲ ሓደጋ ምኽንያት 78 ሰባት ከም ዝሞቱን` ክሳብ 500 ዝግመቱ ድማ ሃለዋቶም ከም ዘይተረኽበን ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ክሕብር እንከሎ ካብቶም 750 ተሳፈርቲ ዝበዝሑ ካብ ግብጽን ሶርያን ፓኪስታትን ዝመጹ ከም ዝኾኑን 104 ድማ ከም ዝደሓኑን ናይ ትካል ስደተይናታት ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ዓመት እዚ ካብ ደቡብ ክፋል ዓለም ናብ ኤውሮጳ ካብ ዝኣተዉን፡ 71, 136 ብባሕሪ ናብ ኢጣሊያ ግሪኽ ስፐይን ማልታን ቆጵሮስን ዝኣተዉ ሓዊሱ ብጥቕላላ 72, 778 ስደተይናታት ከምዝኾኑ ይሕብር።

15 July 2023, 17:07