ድለ

ህልው ኩነታት ማእከላይ ምብራቕ ህልው ኩነታት ማእከላይ ምብራቕ  (ANSA)

ህልው ኩነታት ማእከላይ ምብራቕ

ማሕሙድ ዓባስ - ንውድብ ሕቡራት ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን “እስራኤል ምውጻእ ነበርቲ ጀኒን ደው ከተብል ንኸገድዳ ጣልቃ ክኣትዉ ሓቲቶም

ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ ግጭት ይቕጽል ኣሎ፡ ኣብ መንጎ ሰንበትን ሰኑይን ኣብ ዝነበረ ለይቲ ስራዊት እስራኤል ብውሑዱ ኣብ ዝሓለፉ ዕስራ ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ተባሂሉ ዝንገረሉ ዓመጽ ዝመልኦ መጥቓዕቲ ከም ዝፈነወን መንግስቲ እስራኤል ካብቲ ዞባ ኣስታት ሻድሻይ ዝግመት ናይታ ከተማ ተቐማጦ ክመዛበሉ ከምዘይገበረ ክሕብር እንከሎ፡ ናይ ፍልስጥኤም በዓል መዚ፥ ሕቡራትን ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን ካብታ ከተማ ነቲ ምውጻእ ህዝቢ ደው ከብሉ ጻውዒት ከም ዘቕረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ ኣብ ትርከብ ከተማ ጀኒን ብሰራዊት እስራኤል ብዝተፈጸም መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ ፍልስጥኤማውያን ቁጽሪ ናብ ዓሰርተ ክብ ከምዝበለ ናይ ፍልስጥኤም ሚኒስትሪ ጥዕና ሓቢሮም፡ ካልእ መንነቱ ገና ዘይተጻረየ ሬሳ እውን ከምዝተረኽበ ገሊጾም፥

ሰለስተ ሺሕ ስደተይናታት ካብቲ መዓስክር ወጻኢ

ልዕሊ 100 ከም እተጎዱኡን ካብዚኣቶም ድማ እቶም 20 ከቢድ ማህሰይቲ ከም ዝወረዶምን ካብቶም ኣስታት 18 ሺሕ ካብ ዝቕመጥሉ መዓስከር ስደተይናታት ሰለስተ ሺሕ ከም እተመዛበሉን፥ መንግስቲ እስራኤል ነቶም ነበርቲ ካብቲ ቦታ ንኽወጹ ኣዚዝዎም ዝብል ዝቐርብ ዘሎ ዜና፥ ዘይቅብልን ሓሶትን እንክብሉ ከም ዝገለጾን ናይታ ከተማ ምኽትል ኣመሓዳሪ ነቶም ዝመዛበሉ ዘለዉ ኣብ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ትምህርትን ካልኦት መዕቆቢ ቦታታት ንምእንጋድ ኣብ መስርሕ ከምዘሎ ሓቢሮም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

መንግስቲ እስራኤል

እቲ ካብ ሰንበት ናብ ሰኑይ ዘውግሕ ለይቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ብሓይሊ ኣየር እስራኤል ዝተበገሰ ኮይኑ እዚ እውን ኣብ መዓስክር ስደተይናታት እታ ከተማ ዝርከብ “ውሁድ ማእከል ስርሒታት ትእዛዝ” ዒላማ ዝገበረ ኮይኑ ብመሰረት ምንጪ ወተሃደራዊ ሓበሬታ እስራኤልም፥ “ከም መኽዘን ኣጽዋርን ነታጒን ከምኡ እውን ማእከል ስርሒት ምውህሃድን ርክብን ኣብ  መንጎ ኣሸበርቲን” ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ እንተወሓደ ሺህ ወተሃደራት እስራኤል ብመሬት ናብቲ መዓስከር ስደተይናታት ብምእታው ምስቶም ዕጡቓት ሓይልታት ከም ዝገጠሙን . . . እስራኤል ነቲ መጥቓዕቲ ዘበገሰቶ ኣብ ገማግም ምዕራባዊ ዮርዳኖስ ኣርባዕተ እስራኤላውያም ምስ ተቐትሉ ንዓሰርተ መዓልታት ድሕሪ ዘካየደቶ ምቕርራባት ምዃኑ እዩ ዝንገር።

ኣቡ ማዘን፥ ሓድሽ ገበን ኲናት

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፥ ኣንቶኒዮ ጉተረሽ “ስክፍታኦም” ከም ዝገለጹን ምኽትል ወሃቢ ቃል ዋና ጸሓፊ፥ ኩሉ ወተሃደራዊ ስርሒት “ልዕሊ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክኸውን የብሉን” ከም ዝበሉን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣቡ ማዘን - ማሕሙድ ዓባስ - ንውድብ ሕቡራት ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን “እስራኤል ምውጻእ ነበርቲ ጀኒን ደው ከተብል ንኸገድዳ ጣልቃ ክኣትዉ ሓቲቶም - ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ሃግራዊ በዓል መዚ ፍልስጥኤም ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ‘ሓድሽ ገበን ኲናት’ እንክብል ከም ዝገለጾን ሓማስን እስላማዊ ጅሃድን ሕነ ክንፈድይ ኢና ዝብል ናይ ምፈራርሒ መልእኽቲ ይፍንዉ ከም ዘለዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

05 July 2023, 16:06