ድለ

ብውሕዱ 300 ስደተይናታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ተነሪፍ ከም ዝጠፍኡ ይንገር ብውሕዱ 300 ስደተይናታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ተነሪፍ ከም ዝጠፍኡ ይንገር 

ብውሕዱ 300 ስደተይናታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ተነሪፍ ከም ዝጠፍኡ ይንገር

ካብ ሰኔጋል ናብ ደሴታት ካናሪ ስጳኛ ብሰለስተ ዝተፈላለያ ጀላቡ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ብውሕዱ 300 ስደተይናታት ኣብ ማያት ማሕሪ ደሴታት ካናሪ ከም ዝተፍኡን በቶም ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ ሓገዝ ዝህቡ ናይ ስፐይን ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ ረድኤት ይድለዩ ከምዘለዉን

ናይ ስፐይን ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ ረድኤት ዝህቡ፡ ቅድሚ ልዕሊ ሓደ ሰሙን ዝጠፍአት ብውሕዱ 200 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ንምድላይ ኣብ ማያት ባሕሪ ደሴታት ካናሪ ይንቀሳቐሱ ከምዘለዉን ከምኡ እውን ካልኦት ክልተ ልዕሊ 100 ስደተኛታት ዝጸዓና ጀላቡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣበይ ከም ኣተዋ ከም ዘይፍለጥ ኽበር እንከሎ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ሰኔጋል ናብ ደሴታት ካናሪ ስጳኛ ብሰለስተ ዝተፈላለያ ጀላቡ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ብውሕዱ 300 ስደተይናታት ኣብ ማያት ማሕሪ ደሴታት ካናሪ ከም ዝተፍኡን በቶም ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ ሓገዝ ዝህቡ ናይ ስፐይን ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ ረድኤት ይድለዩ ከምዘለዉን፡ ሰለስቲአን ጀላቡ ከም ዝጠፍኣ ጉጅለ ረድኤት ስደተኛታት ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ ዋኪንግ ቦርደርስ እተሰምየ ማሕበር ትማሊ ሰንበት ከምዘፍለጠ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ብውሕዱ 300 ሰባት

ብዛዕባ እተን ቀዳሞት ክልተ ጀላቡ ብጀካ እታ ሓንቲ ኣስታት 65 ሰባትን፡ እታ ካልኣይቲ ድማ ካብ 50 ክሳብ 60 ዝግመቱ ሰባት ዝጸዓነት ምንባራን፡ ካብ ሰኔጋል ናብ ስፐይን ክበጽሓ ካብ ዝፍትና ኣስታት 15 መዓልታት ከምዘቑደራን ደሃይ ከም ዘጥፈኣን ዝገልጽ ሓበርታ እውን ይፍኖ ከምዘሎን፥ እታ ሳልሰይቲ ጃልባ ድማ ኣስታት 200 ሰባት ሒዛ ብ27 ሰነ ካብ ሰኔጋል ከም እተበገሰትን፥ ጠቕላላ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ስግር ዝጠፍኡ ሰባት ልዕሊ 300 ክበጽሕ ከም ዝክእሉ እቲ ማሕበር ዎኪንግ ቦርደርስ ኣፍሊጡ ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እታ ሳልሰይቲ መርከብ  ካብ ተነሪፍ ኣስታት 1700 ኪ.ሜ ርሒቓ ካብ እትርከብ ደቡባዊ ሰኔጋል ኣብ ገማግም ባሕሪ ካብ ዘላ ከተማ ካፎንቲን ከምዝተበገሰት ይገልጽ።

ብመሰረት እቲ ጉጅለ፡ ኣብታ መርከብ ብዙሓት ህጻናት ከምዘለዉ ክፍለጥ እንከሎ፡ ስጳኛዊ ኣብ ባሕሪ ምድሓን ህይወት ማሕበር 27 ሰነ ካብ ካፋውንታይን ተበጊሳ ናብ ደሴታት ካናሪ ከምዘምረሓን፥ እዚ ሓደጋ እዚ እውን ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ማለት ኣብ ገማግም ባሕሪ ግሪኽ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣቢሉ ዝጠሓለት ጃልባ ገፈፍቲ ዓሳ: ብውሑዱ 78 ሰባት ከም ዝሞቱ ዝተረጋገጸ ሓደጋ ስዒቡ ዘጋጥም ዘሎ ከም ዝኾነን፥ እቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ግሪኽ ብዘጋጠመ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝሕብሮ ክሳብ 500 ከም ዝሞቱ እዩ ዝግመት።

ጻውዒት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

እቲ ዘጋጠመ ሓድሽ ናይ ምጥሓል ሓደጋ፡ ፍራንቸስኮ ኣብ ኢጣሊያ ደሴት ላምፔዱዛ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ብምኽንያት ሞትን ሃለዋት ምፍጥፋ ብዙሓት ስደተይናታት ዘካየድዎ ምብጻሕ ኣብ ዝተዘከረሉ  ቅድሚ ክልተ ማዕልታት ዝዘጠመ ከምዝኾነን፡ ቅዱስነቶም ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ባሕሪ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእቱዉ ዘለዉ ብዙሓት ስደተኛታት ናብ መሬት ኤውሮጳ ክኣትዉ ዘኽእል ሰብኣዊ መደባት ክህሉ ስደተይናታት ክሕገዙን ደጊሞም ጻውዒት ከምዘቕረቡን

ነዚ “ስቕታ ዝመልኦ ህልቂት” ዝኾነ ሰብ ዘይግደስ ክተርፍ ዘየኽእል ዘጨንቕን ኣእዛን ዘደንዝዝን ኣውያት ክብል እንክብሉ ከምዝገለጽዎን፥ ካብ 2014 ጀሚሩ ኣብ መንጎ ሊብያን ቱኒዝያን ናብ ኢጣልያ ጥራሕ ንምስጋር ካብ ብጀላቡ ካብ ዝተጓዕዙ ስደተይናታት ልዕሊ 14 ሽሕ ከም ዝሞቱን ወይ ደሃዮም ከም ዝጠፍኡን ካብ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (IOM) ዝተረኽበ ጸብጻብ ዝተቐሰ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

11 July 2023, 16:21