ድለ

ፓትሪያርክ ፒዛባላ፥ ኣብ መዓስክር ስደተይናታት ጀኒን ንዝካየድ ዘሎ ዓመጽ ግብረ መልሲ ሂቦም ፓትሪያርክ ፒዛባላ፥ ኣብ መዓስክር ስደተይናታት ጀኒን ንዝካየድ ዘሎ ዓመጽ ግብረ መልሲ ሂቦም 

ፓትሪያርክ ፒዛባላ፥ ኣብ መዓስክር ስደተይናታት ጀኒን ንዝካየድ ዘሎ ዓመጽ ግብረ መልሲ ሂቦም

እቲ ክብሪ ናጽነትን ርእሰ ውሳኔን ዝምልከት ናይ ፍልስጥኤም ሉኣላዊ ሃገር ምቛም ክሳብ ዘይተረጋገጸ እቲ ናይቲ ከባቢ ውጥረት ዝፍታሕ ኣይክኸውንን እዩ . . . ኣብ ክልቲኡ ወገን ብዙሓት ግዳያት ክህልዉ እዮም . . .

እስራኤል ኣብ ልዕሊ መዓስክር ስደተይናታት ጀኒን እተካይዶ ዘላ ስርሒት፥ ግብረ መልሲ ዝሃቡ ፓትሪያርክ ላቲናዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢየሩሳሌም ሊቀ ጳጳሳት ፒየርባቲስታ ፒዛባላ፥ ጉዳይ ርእሰ ውሳኔ ፍልስጥኤማውያን ብናይ ገዛእ ርእሶም ሃገር ምርግጋጽ እንተዘይተፈቲሑ ኣብቲ ከባቢ ገና ካልኦት ብዙሓት ግዳያት ዓመጽ ክህልዉ እዮም እንክብሉ የጠንቅቑ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርአ ዘሎ ዘሰክፍን ሕማቕ ኣጋጣምን ናይ መወዳእታ ከይከውን ይኽእል ዝብል ስግኣቶም ዝገለጹ ሊቀ ጳጳሳት ፒዛባላ፥ ኣብ ሰሜናዊ ሳማርያ ኣብ መዓስክር ስደተይናታት ጀኒን ንገለ ዋህዮታት ተቓውሞ ፍልስጥኤም ንምውቃዕ ዝዓለመ ዕጥቓዊ ወተሃደራዊ ስርሒት ንዕዝብ ኣሎና። እንክብሉ  ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፥ እቲ ዝርአ ዘሎ ኩነታት ግጭት ግዜኣዊ ፍታሕ ጥራህ ዘምጽኡ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፡ . . . ብፍላይ ድማ ነቲ ክብሪ ናጽነትን ርእሰ ውሳኔን ዝምልከት ናይ ፍልስጥኤም ሉኣላዊ ሃገር ምቛም ክሳብ ዘይተረጋገጸ እቲ ናይቲ ከባቢ ውጥረት ዝፍታሕ ኣይክኸውንን እዩ . . . ኣብ ክልቲኡ ወገን ብዙሓት ግዳያት ክህልዉ እዮም . . . ኣብዚ ኩነት እዚ እውን ኣብቲ ከባቢ ዘላ ቤተ ክርስቲያን ተምሳሳሊ ሓደጋ እዩ ዘጋጥማ ዘሎ፡ ብቕልጡፍ ቶክሺ ደው ክብል . . . ጻውዒት ነቕርብ ኢሎም።

ስርሒት ጀኒን

ኣስታት ሰለስተ ሺሕ ፍልስጥኤማውያን ብሰንኪ ወተሃደራዊ ስርሒት እስራኤል ካብቲ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ገማግም ባሕሪ ዮርዳኖስ ዝርከብ መዓስክር ስደተይናታት ጀኒን ተመዛቢሎም ከም ዘለዉን፥ ብውሕዱ ዓሰርተ ክልተ ፍልስጥኤማውያን ተቐቲሎም እዮም፡ ኣዚዮም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካብ 16 – 23 ዓመት ዝዕድመኦም ኣርባዕተ ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎም ዕጡቓት ምዃኖም ማዕከናት ዜና ይሕብራ። ሚኒስትር ጥዕና ፍልስኤም እውን ኣብቲ ልዕሊ ክልተ መዓልታት ዘቑጽር ዘሎ ስርሒት ብውሕዱ 120 ሰባት ከም እተቐትሉን ካብዚኦም ብውሕዱ 20 ኣብ ከቢድ ኩነታት ጥዕና ከም ዝርከቡን፥ እስራኤል እቶም ናይ ሞትን ማህሰይትን ሓደጋ ዘጋጠሞም ዕጡቓት ምንባሮም ትገልጽ።

ምስ መዓስክረ ስደተይናትት ዝዳበው ጎደናታት እታ ከተማ ድሕሪ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፥ ኣብቲ ፍርስራስ ዝተመልአን ኣብ መእለይ ተንዳታት ጉድኣት ከም ዘብጸሓን፡ ክሳብ ሕጂ እውን ወተሃደራዊ ማኪናታት ኣብ ጎደናታት ኣለዋ እንክብሉ ናይ ከተማ ጀኒን ከንቲባ ኒዳል ኣል ኣበይዲ ከም ዝገለጹን እቶም ካብቲ መዓስከር ስደተይናታት ዝሃደሙ ኣብ ኣባይቲ ኣዝማዶምን ኣባይቲ ትምህርትን ካልኦት ቦታታት ከም ዝርከቡ ገሊጾም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥  ኣብ ጀኒን ዝተኻየደ ስርሒት ብመሰረት እስራኤል፥ ኣንጻር መደብር ምስናዳዋት ንመጥቓዕትን መቐመጢ ኣጽዋርን ኮታ ኩሉ ኣብ መጥቓዕቲ ዝሳተፉ ኣካላት ክጥቀምሉ ዝኽእሉ “ትሕቲ ቅርጺ ግብረ ሽበራዊ” ዝዓቀነ እዩ።

ሓማስን እስላማዊ ጅሃድን ፍልስጥኤማውያን ኣብቲ ኣንጻር ወተሃደራዊ ስርሒት እስራኤል ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ምልሻ ጀኒን ክጽንበሩ ምዃኖም ኣፍሊጦም ይብል።

ሓማስ ኣብ ተልኣቪቭ መጥቓዕቲ ክፍጽም ምዃኑ ይገልጽ

እዚ ድሕሪ እቲ ካልኣይ ናዕቢ ማለት ኣብ መጀመርታ 2000 ዓመታት ጀኒን ሓንቲ ካብተን ወተሃደራዊ ንጥፈታት ፍልስጥኤም ዝነበረትሉ እዋን፡ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ ዝዓበየ ወተሃደራዊ ስርሒት እስራኤል ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ዕርድታት ዕጡቓት ሓይልታት ዝብልዎ ቦታታት የዕንዉ ኣብ ዘለሉ እዋን ኣብ ተልኣቪቭ ሓንቲ መኪና ናብ መገዲ እግረይናታት ብናህሪ ብምእታው ሸውዓተ ሰባት ከም ዘቑሰለትን ሰለስተ ካብኣቶም ኣብ ከቢድ ኩነት ከም ዝርከቡን እቲ ስጉምቲ ሓማስ ናተይ እዩ እንክብል “ጀግንነታዊ መጥቓዕቲ” ፈጺመ ቢሉ ከም ዝገለጸን፡ ኣብ መላእ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ ፍልስጥኤማውያን ነቲ እስራኤል እተካይዶ ዘላ ስርሒት ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ናይ ሰበኻ ካህን ኣብ ጀኒን፥ ኣዚዩ ጽንኩር ኩነታት እዩ ዘሎ

ኣብ ጀኒን ናይ ሰበኻ ካህን ኣባ ላቢብ ደይበስ ንቫቲካን ኔውስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ “ኣብዚ ቅንያት እዚ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝነበረ ዘተ ምሉእ ብምሉእ ከም እተቛረጸን። ኣብቲ ቦታ እንነብር ካብ ዝሓለፋ 24 ሰዓትት ንነጀው ጽንኩር ኩነታት ንሕልፍ ኣሎና፡ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ምስ ኲናት ዝካየደሉ ቦታታት ዝመሳሰል ኮይኑ፡ ድምጺ ነፈርን ተፈንጃርትን ታንክታትን ኩሉ ዝስምዓሉን ዘርኣየሉን ኣንጻር እቶም መሬቶም ናይ ምክልኻል መሰል ዘለዎም ዝሃቀነ እዩ፣ ህዝቢ ፍልስጥኤም ኩሉ መሰላቱ ክምለስን ኣብ መሬት ብሰላም ክነብር ኣዩ ዝምነ፥” ንህብዚ ጀኒን ምሕጋዝ የድሊ፡ መሰሉ ክረክብ ዝከኣለና ኩሉ ክንገብር ኣሎና። እቲ ኣዚዩ ዘድልየና ሓቀይና ናጽነት እዩ፡ እዚ ናጽነት እዚ ምስ ዝርከብ ናይ ወጻኢ ሓገዝ ኣይከድልን እውን እዩ። . . . መሰሉ እዩ ዝደሊ፥ ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ን75 ዓመታት ዝቕጽል ዘሎ ግጭት መፍትሒ ክረኽበሉ ብዓውታ ንሓትት።”

ኩነኔ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዶብ ኣልቦ ሓካይምን ነቲ

ርእሰ ብሔር ሃገራዊ በዓል መዚ ፍልስጥኤም ማሕሙድ ዓባስ፥ ሕቡራት ሃገራት ዓለምን ማሕበረሰብ ዓለምን “እስራኤል ምውጻእ ነበርቲ ደው ከትብሎ ንምግዳድ ብህጹጽ ጣልቃ ክኣትዉ” ጻውዒት ከም ዘቅረቡን፥ ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ቫኔሳ ሁጉኒን “ብዓቐን ስርሒታት ብኣየርን መሬትን” ከምኡ እውን “ጽዑቕ ህዝቢ ኣብ ዝነብረሉ መዓስክር ስደተይናትት ዝተፈጸመ ደብዳብ” ዘሰንብድ እዩ እንክብላ ከም ዝገለጸኦን፥ ዘይመንግስታዊ  ዶብ ኣልቦ ትካል ሓኻይም እቲ ወተሃደራዊ ስርሒት ኣብቲ ከባቢ ኣብ ልዕል ዘቕርብዎ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዕንቅፋት ከም ዝፍጠረን መገድታት ተዓጽዮምን ማካይን ክንክን ጥዕናን ሁሙማን ዘበጻጽሓ መጓዓዝያ ከም ዝተሃረማን እውን ገሊጸን፥ ነቲ ስርሒት ንኹንን ከምዝበላ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

06 July 2023, 16:24