ድለ

ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ “ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ” ስነ ምግባር ክሓቁፍ ድፍኢት ይገብሩ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ “ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ” ስነ ምግባር ክሓቁፍ ድፍኢት ይገብሩ 

ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ “ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ” ስነ ምግባር ክሓቁፍ ድፍኢት ይገብሩ

SACUR - ሜላታት መሳለጢ ዕማም ኪዳን ካቶሊካውያን ምርምር መናብርተ ጥበብ ኣብ ኣርባዕተ ኣህጉራት ዝርከባ ሸሞንተ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ዝሓቖፈ መርበብ

ካብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከባ ዓበይቲ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ዝተዋጽኡ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሚላኖ “ሕዳሴን ንቕሓትን፥ ብዛዕባ መጻኢ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዝተኻየደ ናይ ክልተ መዓልቲ ዓወደ ጉባኤ ዕለት 14 ሓምለ ከም እተዛዘመን፥ ንመንእሰያት ንምምህርን ብዛዕባ ማሕበራዊ ጽልዋ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ መጽናዕቲ ንምክያድ ናይ ሓሙሽተ ዓመት መላታት መሳለጢ ዕማም ከም ዘዳለዎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዓለም ለኻዊ መርበብ SACRU - ሜላታት መሳለጢ ዕማም ኪዳን ካቶሊካውያን ምርምር መናብርተ ጥበብ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሚላኖ ኣብ ዝርከብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ልቢ ንኽልተ መዓልቲ ዝጸንሐን ዘዳለዎን ዓውደ መጽናዕቲ፥ ካብ ሸሞንተ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ፥ ቺለ፡ ስፐይን፡ ኣውስትራሊያ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ጃፓን፡ ፖርቱጋልን ብራዚልን ዝተዋጽኡ ልዕሊ 80 ፕሮፈሰራትን ተመራመርትን ዘራኸበን ምዕባለታት ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ (Artefcial Intelligence) ዘቕርቦ ብድሆታትን ዕድላትን ኣማእኪሎም ከምእተመያየጡን፥ “መጻኢ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ኣብ ዘመነ ‘ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ’ ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉ ክኢላታት ካብ ዝተፈላለዩ ሰብኣዊ ዓውድታት መጽናዕትን ስነ ፍልጠትን ዝመጹ ምንባሮም ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ምግምማዕ ስነ ፍልጠትን ሰብኣዊ ስነ ፍልጠትን ምዝዛም

እቶም ተመራመርቲ ካብ 13 – 14 ሓምለ ኣብ ዘካየድዎ ዓውደ መጽናዕ፥ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ መንጎ ተሪር ስነ ፍልጠትን ማሕበራዊ ስነ ፍልጠትን ብዙሕ ዓውድታት ዘለዎ ምትሕንፋጽ ዘምጽእ እዩ ኣብ ዝብል መደምደምታ ከም ዝበጽሑን፡ ኣብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ልቢ ፕሮፈሰር ማርኮ ካርሎ ፓሳሮቲ፥ ኣብ መንጎ ስነ ፍልጠትን ሰብኣዊ ስነ ፍልጠት ዓውድታት መጽናዕትን ብሰንኪ ኣተገባብራ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ክተኣታተው ዝኽእል ምግምማዕ ናብቲ ቀደም ዝነበሮ ክምለስ ዝድርኽ ከም ዝኸውን ከብርሁ እንከለዉ፥ . . . ምዕባለታት ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንተመራመርቲ እውን ነቲ ዘለዎም  ናይ ስነ ምርምር ሞያኦምን ንሓደጋ ዘየቃልዕ ሓደስቲ ብድሆታት ከምዘቕርበሎምን፡ እዚ ናይ ምሕሳብ ስርሒት ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ጸብጻባት ኣብ መንጎ ጸብጻባት ዘሎ ምትእስሳርን ኣብ ኢዶም ከም ዘንብሮ እውን ኣመላኺቶም፥

ምዕባለ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ብስነ ምግባር ክምራሕ

ዓለም ለኻዊ መርበብ SACRU - ሜላታት መሳለጢ ዕማም ኪዳን ካቶሊካውያን ምርምር መናብርተ ጥበብ ኣባላት ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ብትኽክልን ብስነ  ምግባርን ኣንተተጠንቂምካሎም ሰባት ብዛዕባ ዓለምን ገዛእ ርእሶምን ዝያዳ ርድኢት ንኽረኽቡ ከኽእሎም ከም ዝኽእል ይሰማምዑ። መናብርተ ጥበብ ንፍልቀት ኣደ ጥበብ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንምሕቛፍን ሰብ ማእከል ዝገበረ መገዲ ንምጥቃምን ዝሕግዝ መጋበርያ ይህባ። . . . ፕሮፈሰር ፓሳሮቲ ይብሉ፥ “ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ብዛዕባ ጽልዋ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ናይ ምሕባር ጽኑዕ ግዴታ ኣለወን . . . ነዚ ጽልዋ ምፍላጥን ምጥቃምን፡ ነቲ ዕደ ጥበባዊ መጋበርያ ግብረ ገባዊ ውክልና ንምሃብ ዘይኮነስ፡ ክብሪ ሰብኣዊ ሰብ ንምኽባር ፍቓደይና ዝኾነ ኣገባብ ክስዕብ እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ተልእኾ ምምሃር ኣብ ዘመን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ

መርበብ SACRU - ሜላታት መሳለጢ ዕማም ኪዳን ካቶሊካውያን ምርምር መናብርተ ጥበብ  ብሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዝቐረበ ብድሆታት ንምምላስ ንመንእሰያት ንምምሃርን ኣብ መንጎ እተን ሸሞንተ ካቶሊካውያን መንበረ ጥበብ ምትሕብባር ንምዕባይን ናይ ሓሙሽተ ዓመት ሜላታት መሳለጢ ዕማም ከም ዝሓንጸጸን ምኽትል ዋና ኣመሓዳሪ ካቶሊካዊ መንበር ጥበብ ቅዱስ ልቢ፥ ፕሮፈሰር ፒየር ሳንድሮ ኮንቸሊ፥ “እቲ ዋዕላ ኣብ ውሽጢ ጽላት ትምህርቲ ዝቕየር ዘሎ ዕደ ጥበባዊ መልክዕ ብኸመይ ከም ዝሕቆፍ ዘተኮረ ምዃኑ ኣብቲ ድሕሪ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሓበሩን፥ እተን ሸሞንተ መናብርተ ጥበብ ናይ ሓባር ተልእኾን ራእይን ኣለወን፡ ንሱ ድማ ንመንእሰያት ወለዶታት ምምሃርን ኣብ ሕብረተሰብ ሓቀይና ጽልዋ ዘለዎ መጽናዕቲ ምፍራይን” ዝብል ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ካብቲ ዋዕላ ዝተረኽበ ውጽኢት ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት “ተጠርኒፉ ክሕተም ከም ዝኾነን እዚ ድማ መናብርተ ጥበብ ንናይ ምምሃርን ምርምርን ተልእኾ ምስ ዘመን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንምስምማዕ ዝሃቀነ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ብዛዕባ SACUR - ሜላታት መሳለጢ ዕማም ኪዳን ካቶሊካውያን ምርምር መናብርተ ጥበብ    

SACUR - ሜላታት መሳለጢ ዕማም ኪዳን ካቶሊካውያን ምርምር መናብርተ ጥበብ ኣብ ኣርባዕተ ኣህጉራት ዝርከባ ሸሞንተ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ዝሓቖፈ መርበብ ክኸውን እንከሎ፥ በቲ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሚላኖ ዝርክበ ብካቶሊካዊ መንበረ ጥበ ቅዱስ ልቢ ዝተዋደደ እዚ ምትሕብባር እዚ ንሓባራዊ ረብሓ ዓለማዊ ትምህርቲ ንምድንፋዕን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሕብረተሰብኣዊ ትምህርቲ ኣስተንፍ መሰረት ውስጠ ስነ ፍልጠታዊ ሞያታት ዝግበር መጽናዕቲ ምድንፋዕን ዝብል ኮይኑ፥ እቲ መርበብ ኣብ 2020 ዓ.ም. ዝቖመ ኮይኑ ንሱ ድማ ናይ ኣውስትራሊያ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ፡ ቦስተን ተቕዋም (ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ)፡ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ቺለ፡ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ዶ ሪዮ ዲ ጃኔሮ (ብራዚል)፡ ሶፍያ መንበረ ጥበብ (ጃፓን) ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ኣብ ፖርቱጋል ከምኡ እውን መንበረ ጥበብ ራሞስ ዩል (ስፐይን) ዘጠቓልል ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

19 July 2023, 16:27