ድለ

2023.07.18 ዝሓሸ ሕብረተሰብ ንምህናጽ ግደ ደቂ ኣንስትዮ 2023.07.18 ዝሓሸ ሕብረተሰብ ንምህናጽ ግደ ደቂ ኣንስትዮ 

ዝሓሸ ሕብረተሰብ ንምህናጽ ግደ ደቂ ኣንስትዮ

እዚ ጉባኤ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ዓመት ዝካየድ ኮይኑ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ክካየድ ንፈለማ ግዜ ምዃኑ እዩ። ማዕርነትን ጾታዊ ማዕርነትን ንምድንፋዕ ኣብ ዓለም ካብ ዝካየዱ ስሩዓት ዓውደ ኣኼባታት ሓደ

ካብ መላእ ዓለም ዝመጻ 6 ሺሕ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሩዋንዳ ርእሰ ከተማ - ኪጋሊ ዝያዳ ዝተዋሃሃደ ሃዋህው ንምፍጣር ኣብ ዝዓለመ ውጥን ከምእተሳተፋን እዚ ውጥን እዚ እውን ብናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ዝድገፍን ኣገዳስነት መርበብ ሓበሬታ ዘጉልሕ እውን ምንባሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ደቂ ኣንስትዮ - 2023 ዓ.ም. የስተልማ፥ ብዝብል መርሕ ቃል ዝተሰነየ ኣህጉራዊ ዋዕላ ካብ ዕለት 17 – 20 ሓምለ ኣብ ሩዋንዳ ርእሰ ከተማ ኪጋሊ ካብ መላእ ሃገራት ዓለም ዝተዋጽኣ ብጠቕላላ 6 ሺሕ ተጋባእያን ኣሳቲፉ ከምእተኻየደን፥

ዘተን ምክፋልን

እዚ ጉባኤ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ዓመት ዝካየድ ኮይኑ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ክካየድ ንፈለማ ግዜ ምዃኑ እዩ። ማዕርነትን ጾታዊ ማዕርነትን ንምድንፋዕ ኣብ ዓለም ካብ ዝካየዱ ስሩዓት ዓውደ ኣኼባታት ሓደ እዩ፡ እቲ ዓውደ ኣኼባ ብጉጅለታት በረገሳውያን ማሕበራት፡ መንግስታት፡ ውልቀሰባት፡ ግብረ ሰናይ ማሕበራትን ዝዳለው ኮይኑ፥ ዘተን ምክፋል ብሉጻት ተመክሮታትን ዝንበረሉ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ክሕብር እንከሎ፥ እቲ መደብ ተጋባእያን ብኣካልን ብመርበብን ዘሳትፍ ካብ ጥዕና ቁጠባ ክሳብ ትምህርትን ስነ ጥበብን ዝኸዱ ኣርእስታት ዝሓዘ እውን ምዃኑ የመላኽት።

መርበብ - ሓበሬታ መሰረታዊ እዩ

ሊያ በልትራሚ ኣፍራዪት ፊልምን መራሒት ስነ ጥበብን ነቲ ናይ ዓለም ሕብረት ካቶሊካውያን ውድባት ደቂ ኣንስትዮ ወኪለን ዝተሳተፋ  ዘለዋ ዘቕረበውኦን ዝስደረስኦን `ኣውያት ደቂ ኣንስትዮ’ ከም እውን ‘ዘይ - ረአ’ ብዝብል ኣርእስቲ ዝስደረሰኦ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝተደገፈ ሰነዳዊ ናይ ስእልን ፊልምን ምርኢት እውን ከምዘቐረበ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፥

ብደቂ ኣንስትዮ ኣቢልና ካብ በሰላ ኲናት ጀሚርና ንዝተፈላለየ ሕንጸት ንሰርሕ

ከምዝበላ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቲ  “ኣውያት ደቂ ኣንስትዮ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝቐረበ ምርኢት፥ ብስነ ጥበብ ኣቢልካ ለውጢ ንምንቕቓሕ ዝዓለመ ምንባሩ ደራሲት ናይቲ ምርኢት በልትራሚ ገሊጸን፥ ብሓቂ ክረአ እንከሎ ብስነ ጥበብ ኣቢልካ ካልኦት ንምትንካፍን ስምዒት ለውጢ ንምፍጣርን ዝብል እዩ፡ ስራሕ እደነት ግዱድ ስስደት ግርጭት ትምህርቲ እርጋን ዕይ መነኮሳትን ከምኡ እውን ምህዳራዊ ዝብሉ ኣርእስታት ዘጠቓለለ መደብ እውን ምንባር ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “ሓደ ሓሳብ የሎን ግን ንኹሉ ዝኸውን ቦታ ኣሎ” ከም ዝበላ ኣፍሊጡ።

ዘይ - ረአ

እቲ ዘይ-ረአ ዘርእስቱ ሰነዳዊ ፊልም ድማ ይባላ፥ ድሮ ኣብቲ ኣብ ስቶክሆልም ኣብ እተኻየደ ናይ ፊልም ጽምብልን ኣብ ሞንተ ካርሎ ናይ ግብረ ሰናይ ፊልም ጽምብል ቀሪቡ ንስልማት ከምዝበቐዐን ኣብ ካልኦት ሽዱሽተ ናይ ፊልም ጽምብላት እውን ገና ክትቐርብ ምዃና ገሊጸን፥ “እተን ዘይ-ረአያ ደቂ አንስትዮ ‘ብዓይኒ ዘይ - ረኣያ ኣይኮናን ስለዚ ኣብ ዝተፈላለያ ክፋላት ዓለም ዝርከባ ንኩነታት ድቂ ኣንስትዮ ትሑት ግምት ኣብ ዝወሃበሉ ከባብን ሕብረተሰብን ተዋፊረን ኣብ ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮ ዘገልግላ ደቂ ኣንስትዮ ተመክሮታተን ንኽለዋወጣን ክመሃሃራን መታን መርበባዊ ርክባት ክህልወን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጒልሐን፥ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ፥ “ሓደ’ኳ ድሕሪ ከይተርፍ መታን” ኢለን።

Photogallery

ዝሓሸ ሕብረተሰብ ንምህናጽ ግደ ደቂ ኣንስትዮ
21 July 2023, 15:42