ድለ

2023.07.17 ፊረንዘ፥ ቤት ምኽሪ መንእሰያት ዞባ ሃገራት መዲትራኒያን፥ “ኣተባባዕቲ ሕውነት” 2023.07.17 ፊረንዘ፥ ቤት ምኽሪ መንእሰያት ዞባ ሃገራት መዲትራኒያን፥ “ኣተባባዕቲ ሕውነት” 

ፊረንዘ፥ ቤት ምኽሪ መንእሰያት ዞባ ሃገራት መዲትራኒያን፥ “ኣተባባዕቲ ሕውነት”

“መንእሰያት ክራኸቡ እንከለዉ ኣፍደገ ተስፋ ኩሉ ግዜ ይኽፈት፡ እዞም ናይ መጻኢ መራሕቲ ናይ ገዛእ ርእሶም ቦታ ረኺቦም ዓበይቲ ከም ሳልሳይ ወገን ብዛዕባኦም ዘይዛረብሉ፡ ግን ከኣ ኣሰንዮምን ሰሚዖምን ቀንዲ ተዋሳእቲ ክገብርዎም ኣገዳሲ እዩ

እቲ ብኢጣሊያ ላ ፒራ “ኤውሮ-ሜዲትራኒያን” ዝብል ርእየት ዝተነቓቐሐ ካብ 18 ሃገራት ዞባ መዲትራኒያን ዝመጹ 34 ልኡካን ቤት ምኽሪ መንእሰያት ዞባ ሜዲትራኒያን ሃገራት ናይ ሰለስተ መዓልቲ ዓውደ ኣኼባ ከምዘክየዱ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዘን ናይ ሰለስተ መዓልቲ ኣኼባ ተስፋን መንፍሳዊ ሓይልን ኣብ ምኹስኻስ ቀጻልነት ከም ዘድሊ ከም እተሰመረሉን እቲ ዕለት 17 ሓምለ ንፈለማ ግዜ ኣብ ፊረንዘ ዝተኣከበ ባይቶ መንእሰያት ዞባ መዲትራኒያን እቲ ድሕሪ ናይ 2022 ዓ.ም. መድርኽ ዞባ መዲትራኒያን ብጉባኤ መንበረ ጵጵስና ኢጣሊያ ዝድለ ዝነበረ መደብ፥ ኣብ መንጎ መንእሰያት ተሳተፍቲ ኣብ ውሽጢ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን መስርሕ ፍልጠትን ምክፋልን ንምጅማር ዕላማ ዘንበረ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

መዲትራኒያን፥ መራኽቢ ቦታን መፈጠር ባህልታትን

እቲ ናይ ፊረንዘ ተመክሮ ተወፋይነት ሓድሽ ወለዶ ዝኣከበ ኮይኑ፥ ናይ መጻኢ መራሕቲ ኣብ ክውንነትን ሰላምን ሕውነትን ህዝብታት ንሓድሕዶም ክገጥሙ ዝድርኾም፥ ኣብ ዞባ መድትራኒያን፥ ሓደ ኤውሮ-ሜዲትራኒያን ኣተሓሳስባ ህይወት ክህሉ ዘተባብዕን መዲትራኒያን ኣብ መንጎ ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ርክብ ዘሀልው፡ ኤውሮጳ ናይዚ መልክዓ ምድራዊ ክውንነት ኣካል ምዃና ክትፈልጥን ካብዚ ምስትውዓል እዚ ድማ ሓድሽ ባህሊ ንምፍጣር ክትራኸብ ከም ዘለዎ ዘተሓሳሰበ ዓውደ ጉባኤ ምንባሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ንመጻኢ ክፉት ምዃንን መንእሰያት ንሓድሕዶም ክፋለጡን ኣብ ክቡራት ዋጋታት ዝተመስረተ ሕይወት ክሃንጹ ዘተባብዕ ኣውን ምዃኑ ይሕብር።

ተራ መንእሰያት

“መንእሰያት ክራኸቡ እንከለዉ ኣፍደገ ተስፋ ኩሉ ግዜ ይኽፈት፡ እዞም ናይ መጻኢ መራሕቲ ናይ ገዛእ ርእሶም ቦታ ረኺቦም ዓበይቲ ከም ሳልሳይ ወገን ብዛዕባኦም ዘይዛረብሉ፡ ግን ከኣ ኣሰንዮምን ሰሚዖምን ቀንዲ ተዋሳእቲ ክገብርዎም ኣገዳሲ እዩ። ካብ ዛንታታቶም ብዝተፈላለዩ ባህላዊ ኩነታት ዝተዋህበ ግን ከኣ ብዓቢ ንዓለማዊ ትዕይንት ስክፍታ ዝፈጥር ናይ ኣርኣእያ ፍልልያት ክቕልቀል ከም ዝገበረን ኩናት ሓደ ካብቲ ናይ መካትዒ ኣርእስቲ ከምዝነበረን መንእሰይ ወለዶ ዝኾነ ይኹን ግጭት ከም ዘይደልይን እዚ ድማ ድሕሪ እቲ ናይ ፊረንዛ ዋዕላ ዘይሃስስ መርበባት ዝምድናታት ንምህናጽ ቃል ዝኣተውሉ ዓውደ ኣኼባ ከም ዝነበረን ክብርታት ብምክፋልን ብሕውነትን ኣቢሎም ሃያሲ ኣተሓሳስባ ንምፍጣር ዘለዎም ብርቱዕ ድላይ ዘበራብርን ኣብዚ ሃናጽ ህየሳ ክዓብዩ በዚ ድማ ብሓባር ኣብ ምድግጋፍን ብሕውነትን መጻኢ ምህናጽ ኣገዳሲ ምዃኑ ዝተሰመረሉ ዓውደ ኣኼባ ከም ዝነበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

18 July 2023, 15:46