ድለ

እስራኤል ነቶም ኣብ ጋዛ ዝሰርሑ ስርሖም ንኽጅምሩ ይሕለፍ ትህብ እስራኤል ነቶም ኣብ ጋዛ ዝሰርሑ ስርሖም ንኽጅምሩ ይሕለፍ ትህብ  (AFP or licensors)

እስራኤል ነቶም ኣብ ጋዛ ዝሰርሑ ስርሖም ንኽጅምሩ ይሕለፍ ትህብ

ተልኣቪቭ ነቲ ብሸነኽ ምብራቓዊ ድኻ ዞባ ምስ እስራኤል ኣብ ዘዳብዎ ከባቢ ተለዓዒሉ ዝነበረ ዓመጽ ዝመልኦ ተቓውሞ ምላሽ ንምሃብ ነቲ መሳገሪ ኤሬዝ ክዕጾ ወሲና ድሕሪ 12 መዓልቲ ሰራሕተይናታት እስራኤል ናብ ዝርከብ ናይ ስራሕ ቦታኦም ንኽከዱ

ዕለት 27 መስከረም እስራኤልም እቲ ናብ ጋዛ ዘሰጋግር ሓጹር ዳግማይ ብምኽፋት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ፍልስጥኤማውያን ሰራሕተይናታት ኣብ እስራኤልን ምዕራባዊ ገማግም ባሕርን ናብ ዝርከብ ዝሰርሕሉ ቦታ ንኽኸዱ ፍቓድ ከም ዝሃበት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ እዋን እዚ እስታት 18 ሺሕ ተቐማጦ ጋዛ - ፍልስጥኤማውያን ኣብ እስራኤል ዝሰርሑ፥ ዳግም ስርሖም ንኽጅምሩ ፍቓድ ከም ዝሃበቶም ክንገር እንከሎ፡ እዚ ድማ እቶም ሰራሕተይናታትን ጋዛን ዘሳቕይ ቁጠባዊ ኩነታት ዘህድእ ምዃኑ እዩ ዝንገር።

ተልኣቪቭ ነቲ ብሸነኽ ምብራቓዊ ድኻ ዞባ ምስ እስራኤል ኣብ ዘዳብዎ ከባቢ ተለዓዒሉ ዝነበረ ዓመጽ ዝመልኦ ተቓውሞ ምላሽ ንምሃብ ነቲ መሳገሪ ኤሬዝ ክዕጾ ወሲና ድሕሪ 12 መዓልቲ ሰራሕተይናታት እስራኤል ናብ ዝርከብ ናይ ስራሕ ቦታኦም ንኽከዱ ክኽፈት ከም ዝዝፈቐደትን እዚ ውሳኔ እዚ፥ ግብጽን ሕቡራት ሃገራት ዓለምን ነቲ ወጥሪ ንምህድእ ኣብቲ ከባቢ ሓድሽ ዕጥቃዊ ግጭት ከይባራዕን ኣህጉራዊ ጻዕርታት እናወሰኸ ኣብ ዝከደሉ ዘሎ እዋን እዩ። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ኣብ መንጎ ኣእማንን ነታጒን ዝድርብዮ ኣድመይናታትን ቀጥታዊ ናይ ቶኽሲ ምላሽ ምስ ዝህቡ ዝነበሩ ወተሃደራት እስራኤል ብዝተኻየደ ግጭት ብውሕዱ ሓደ ሰብ ከም ዝሞተን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ድማ ከም ዝቖሰሉ ዜና ቫቲካን ናይቲ ከባቢ ምንጪ ዜና ጠቒሱ የመላኽት።

እዚ ዝተወሃበ ፍቓድ እዚ ነቲ ወጥሪ ክህድእ ዝኽእል ምዃኑን ክሕበር እንከሎ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ነቲ ተቓውሞ ዘዳለወ “ሓይሊ ሰውራ መንእሰያት” እተሰምየ ጉጅለ ነቲ ናይ ተቓውሞ ኣድማ ደው ክብል ከም ዝወሰነን እስራኤል እውን ኣብ ኢየሩሳሌም ናዕብን ተቓውሞን ዘለዓዕል ትኹቶኽታት ደው ከተብል ድማ ጻውዒት ከም ዘቕረበ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ማከላይ ምብራቕ ጠቒሱ ይሕብር።

29 September 2023, 16:04